ኣመሪካ ንእስራኤል ንምክልኻል ዘዋፈረቶ ፍሉይ ኣጽዋር

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ፔንታጐን ብወተሃደራት ኣመሪካ ዝሰርሕ ጸረ-ሚሳይል ናብ እስራኤል ይልእኽ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ድሕሪ’ቲ ኢራን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ‘ታድ’ ዝብል ሽም ዘለዎ ብርቱዕ ጸረ-ሚሳይል ሰማያት እስራኤል ንምክልኻል ከም ዘደልድል ይገልጹ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን "እስራኤል ንምክልኻል" ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ። እስራኤል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ካብ ኢራን ዝተተኮሰላ ሚሳይላት ሕነ ክትፈዲ ትጽቢት ኣሎ።
ኣብ እስራኤል ውሑዳት ሓይልታት ኣመሪካ ዝተዋፈሩ ኰይኖም ኣብዚ ሓድሽ ወፍሪ ድማ ኣስታት 100 ወተሃደራት ኣመሪካ ናብ እስራኤል ኣትዮም ኣለዉ።
እዚ ድማ ኣመሪካ ኣብቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ኲናት ዝያዳ ምትእስሳር ከምዘለዋ ዘመልክት ብምዃኑ ትርጕም ዘለዎ እዩ።
እቲ ቅልውላው እናዓበየ ይኸይድ ምስምህላዉ ተዛሚዱ፡ ብዛዕባ ኣድማዕነት ምክልኻል ሚሳይላት እስራኤል እንታይ ማለት ምዃኑ’ውን ፍንጪ ንምርካብ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ዘይጀመረት ኰይና እቲ እተካይዶ መጥቃዕቲ “ብርቱዕን ዕላማኡ ዝወቅዕን ልዕሊ ኵሉ ድማ ዘገርምን” ክኸውን’ዩ ይብል ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዮኣቭ ጋላንት።
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተዅሲ ዝፈጸመትሉ ምኽንያት፡ ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቡላህ ዝመርሕ ዝነበረ ሓሰን ነስረላህ ኣብ በይሩት ስለዝቐተለቶ እያ።
ምውፋር ታድ ኣካል ናይቲ ኣመሪካ ኣብ ምክልኻል ኣየር እስራኤል ዝተለለየ ድኽመት ንምድልዳል ዝሓንጸጾ ህጹጽ ውጥን ድዩ ወይስ ኣብ ዋሽንግተን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝያዳ ሓያል መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ብሰንኪ ዘለዋ ስክፍታታት ይኸውን ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኒዩክለር ኢራን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ነዳዲ ወይ ጸዓት ኢራን ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ተቓዊምዎ። እዚ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ከጐሃህርን ዓለማዊ ቍጠባ ክጸልዎን’ዩ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝማዕበለሉ ህሞት’ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ድሕረ ባይታ ናይቲ ውሳነ ዝዀነ ክኸውን፡ ኣብዚ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ እስራኤል ዝያዳ ሓገዝ ምክልኻል ኣመሪካ ከምዘድልያ ዘመልክት እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኢራን ዝተጠቐመትሉ ከም ፋታሕ-1 ዝኣመሰሉ ባሊስቲክ ሚሳይላት ካብ ላዕሊ ናብ መሬት ዝተተኮሱ ኰይኖም ኣብ መንጐ ኣንፈቶም ቀይሮም ናብቲ ብዒላማ ዝተተኮስሉ ገጾም ይወርዱ።
ሓደ ካብቲ ወተሃደራዊ ብልጫታቶም ምስ ክሩዝ ሚሳይላት ወይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክነጻጸር እንከሎ ቅልጣፈኦም እዩ።
ስርዓት ታድ ኣንጻር ባሊስቲክ ሚሳይላት ኣዝዩ ውጽኢታዊ ምዃኑ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየ ትካል ኣፍራዪ ኣጽዋራት ኲናት ሎክሂድ ማርቲን ገሊጹ። ካልእ ኣመሪካዊ ትካል ኣጽዋር ራይቲዮን፡ ድማ ምስኡ ዝኸይድ ምዕቡል ስርዓተ ራዳር ይሃንጽ።
ውጽኢታዊ ጸረ ሚሳይላት ከምዝዀነ ዝተነገረሉ ‘ታድ’ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝሓትት ኰይኑ ኣስታት 100 ሰራሕተኛታት የድልዎ።
ታድ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ሩስያ ንምምካት ብዩክረይን ሓዊሱ ብዙሕ ተደላዪ እዩ። ስዑዲ ዓረብ’ውን ካብ ኣመሪካ ክትገዝእ ኣዚዛ ከምዘላ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢራን ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ጀሪኮ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ።
እስራኤል ብኣመሪካ ዝተማህዘ ኣዝዩ ዘመክሕ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ኣለዋ።
ብፖለቲካዊ መዳይ፡ ታድ ብመንጽር’ቲ ምምሕዳር ባይደን ንመከላኸሊ እስራኤል ዝገብሮ ብጻያዊ ደገፍ ዝተዳለወ’ዩ። ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 50 ሽሕ ቶን ዝግመት ኣጽዋር ናብ እስራኤል ከምዝሰደደት ኣሃዛት እስራኤል ይሕብሩ።
ፔንታጎን ምውፋር ታድ ኣካል ናይቲ ንእስራኤል ንምድጋፍን ንኣባላት ኣመሪካ ካብ መጥቃዕቲ ኢራንን ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታትን ንምክልኻልን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝገበሮ ሰፊሕ ምትዕርራይ ከምዝዀነ ይገልጾ።
ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ 2019 ንልምምድ ዝተዋፈረት ሓንቲ ታድ ምህላዋ ይገልጽ። እስራኤል ናይ ገዛእ ርእሳ ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ካብ ንልምምድ ወጻኢ ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራቒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣመሪካ "ኣብ እስራኤል ስርዓተ ሚሳይል ንምክያድ ህይወት ሰራዊታ ኣብ ሓደጋ ትእትዎ ከምዘላ" ኣጠንቂቝ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







