ኣብ ምዕራብ ጎንደር ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, West Gondar Comm.
ክልል ኣምሓራ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ብጐንፂ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ፀጥታን ዝሕመስ ዘሎ ክልል ኰይኑ፡ ነበርቲ ወፊሮም ብሰላም ዘይኣትዉሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ መቕተልቲ፣ ማእሰርተን መጭወይትን ብሰፊሑ ከምዝፍፀም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፁ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ክቕተሉ እንከለዉ ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ድማ ከምዝተጨውዩ ምምሕዳር እቲ ከባቢን ማሕበር መራሕቲ መካይንን ገሊፆም።
ኣብቲ ፍሉይ ስሙ 'መቃ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ወረዳ መተማ፡ 16 ሰነ 2017 ዓ.ም ከባቢ ሰዓት 11፡30 ኣጋ ምሸት፡ ብ "ዕጡቓት ቅማንት" ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንጹሃት ተሳፈርትን መራሕቲ መካይንን ከምዝተቐትሉ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ገሊጹ።
መብዛሕትኦም እቶም ዝሞቱ ካብ ጅቡቲ ዘበናዊ ድኹዒ ዘጓዓዙን ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጂቦም ዝነበሩ መራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይን ምዃኖም ተሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝርዝር መግለጺ ዘውጽአ ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻልን ሓይልታት ጸጥታን "ኮነ ኢልካን ኣቐዲሙ ዝተተለመን" ክብል ከሲሱ።
ዛጊት እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተኸሰሱ ዕጡቓት ሓላፍነት ኣይወሰዱን፤ ወይ ድማ ምላሽ ኣይሃቡን።
እቲ ምምሕዳር፡ እቶም 'ኣኽረርቲ' ዝበሎምን ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ከባቢ ረቢሾም ኢሉ ዝኸሶምን ዕጡቓት ቅማንት 'ክሳድ ሒዞም መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ' ገሊፁ።
እቶም ዕጡቓት፡ ድሕሪ እዚ ፍፃመ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ 'ውን ብመተመሳሳሊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።
እንተኰነ፡ እቲ ዞባ ከምኡ ይበል 'ምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ዝወረደ ጉድኣት ዝኾነ ሓበሬታ የለን።
ሓላፊ ማሕበር መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ጣና፤ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ መስመር ኩሉ ግዜ መራሕቲ መካይን ዝጭወዩሉ፣ ዝቕተሉሉን ዝስረቕሉን ቦታ" ከምዝኰነ ይዛረብ።
እቶም "ልዑል ውዳበ ዘለዎም" ዝበሎም ዕጡቓት፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ንመራሕቲ መካይን ዒላማ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
እቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘራኽብን ነታ ሃገር ቁልፊ መስመር ንግዲ ዝኾነን መንገዲ መተማ፡ ንመራሕቲ መካይን ሓደገኛ ቦታ ኰይኑ ከምዝቐነየን፣ ንኽልተ ኣዋርሕ ተዓጽዩ ከምዝጸንሐን'ውን ገሊጹ።
"ብሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ጥይት ኣብ ቅድሚት ቬትሮ መኪና ተሃሪሞም" ዝበለ እቲ በዓል ስልጣን፡ "ተተኲስዎም" ኢሉ።
ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ጎንደር፡ እቶም ዕጡቓት ነቶም መራሕቲ መካይን ካብ መካይኖም ክወጹ ከለዉ "ብጭካነ ከም ዝቐተልዎም" ገሊጹ።
ካብቶም ዝሞቱ ሓደ በዓል ሓዳር ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነ ሰሎሞን ሙሳ ዝተባህለ መራሒ ናይ ጽዕነት መኪና ከምዝርከብ ሓደ ኣባል ስድራቤት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ብዛዕባ ድሕነቱ ስክፍታ ነይሩና። ንሱ'ውን እቲ ኩነታት ጽቡቕ ከምዘይኮነ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ። ብሰንኪ ስራሕን ናብራን ጥራይ እዩ ከይዱ፤ መራሒ ስድራ ስለዝኾነ፤ ኣቦ ቆልዑ'ዩ" ይብል።
እቲ ሰብኣይ፡ ስድርኡ "ኣዝዮም ሓዚኖም" ሬሳ ይጽበዩ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ብመሰረት ካብቲ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ መራሕቲ መካይን እውን ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉ ክፍለት ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ዞባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 16 መራሕቲ መካይን ከምዝሞቱ እዩ ኣፍሊጡ።
ግጭት ክልል ኣምሓራ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ግጭት እናበኣሰ ይመጽእ ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።
ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን እውን ኣብ ሓድሕዶም ከቢድ መጕዳእቲ ከም ዘስዓቡ ይገልጹ።
ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ዘብቅዐ ፊርማ ስምምዕ ሰላም ገና ከይነቐጸ'ዩ እቲ ክልል ኣብ ግጭት ተጸሚዱ።
ካብ ግንቦት 2015 [ግ] ጀሚሩ፡ እቲ ግጭት ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ኰይኑ፡ ነበርቲ ድማ ኣብ መሪር ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ወዲቖም ከም ዘለዉ ይገልጹ።
ኣብቲ ክልል ብዘይ ፍርዲ ዝፍጸም ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቃዕቲ፣ ብሃበ-ተረኽበ ዝግበር ማእሰርቲ፣ ግዱድ ምምዝባል፡ ዕንወት ንብረትን ይፍጸም ከም ዘሎ፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







