ግጭት ኣምሓራ፡ ኣብ ገዛኦም ብሰራዊት መንግስቲ ብጃምላ ዝቕተሉ ዘለው ኢትዮጵያውያን

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን እቲ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ሓቲቶም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን እቲ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ሓቲቶም ኣለዉ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ መራዊ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ገዛ ገዛ እናኣተዉ ብውሕዱ 45 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ጕጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እት ሃገር ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

ካብቶም ዝተቐተሉ ነብሰ ጾር ከምእትርከቦም’ውን መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እታ ነብሰ ጾር ብጥይት ምስ ተሃረምት ናብ ሆስፒታል’ኳ እንተበጸሐት ኣብ ሕክምና ከምዝሞተት ሰብ ሞያ ሕክምና ይሕብሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ቅትለት መግለጺ ኣይሃበን፤ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ግን እቲ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ሓቲቶም ኣለዉ።

ኵናት መንግስቲ ፌደራልን ዕጡቃት ፋኖን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ካብ ዝጅመር ክንድዚ ቍጽሮም ሰለማውያን ሰባት ብሓደ ግዜ ክቕተሉ እዚ ናይ መጀመርያ ክስተት’ዩ።

ዕጡቓት ፋኖ፡ መንግስቲ ፌደራል ንኽልተ ዓመታት ኣንጻር ህወሓት ኣብ ኵናት ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ፈደራል ብምዃን ተዋጊኦም’ዮም።

መንግስቲ ፈደራልን ወከልቲ ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ምስ ከተሙ፡ መንግስቲ ፈደራል ዕጡቃት ፋኖን ኵሎም ዕጡቓትን ፍሉያት ሓይልታት ክልላትን ዕጥቈም ንኽፈትሑ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ፋኖ ስለዘይተቐበልዎ ናብ ኵናት ኣምሪሖም።

ዕጡቓት ፋኖ፡ 'ካብ ጐረባብቲ ክልላት መጥቃዕቲ ክመጻና’ዩ' ብምባል’ዮም ዕጥቆም ከምዘይፈትሑ ኣፍሊጦም።

ነበርቲ መርዓዊ ኣብ 29 ጥሪ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ኣብቲ ከባቢ ንነዊሕ ሰዓታት ዝቐጸለ ኵናት ድሕሪ ምክያዶም፡ ክዳን ሰራዊት መንግስቲ ዝተኸደኑ ወተሃደራት ገዛ ገዛ እናኣተዉ ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸምዎ ገሊጾም።

'ኣብ ጽርግያ ዛሕ ዝበለ ሬሳታት ርእየ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ ነቲ ቅትለት ዝርኣዩ ሓያለ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ካብ ስግኣት ብምብጋስ ስሞም ከይጥቀስ ብምሕባር ምስክርነቶም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ነይሮም።

ኣብ ከተማ መርዓዊ መዓልታዊ ስራሕ ብምስራሕ ዝናበር ሓደ ነባሪ፡ “ናብ መንበሪ ገዛ ሓወይ ብምኻድ፡ ካብ ገዛኡ ኣውጺኦም ምስ ካልኦት 12 ሰባት ኣብ ማእከል ጽርግያ ረሺኖሞም” ኢሉ።

ካልእ ነባሪ፡ “እቶም ወተሃደራት ንፋኖ ተዕቑቡን ትምግቡን ኣለኹም ብምባል ኣፈራሪሖምና” ብምባል እቶም ሰራዊት መንግስቲ ነቲ ብፋኖ ዝጋጠሞም ክሳራ ሕነ ንምፍዳይ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ይዛረብ።

ካልእ ምስክር’ውን ምንኣስ ሓዋ ከምዝተቐተላ ትገልጽ።

“ሓወይ ምስ ወዱ’ዩ ነይሩ፣ ንዓይ ንወዲ ሓወይ ክሕዞ ነጊሮም ወሲዶም ቀቲሎሞ” ትብል።

ብመሰረት ካብ መሰኻክር ዓይኒ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተቐተሉ መንእሰያትን ንኣሽቱን’ዮም።

ካልእ ካብ ሓደ ሰራሕተኛ ሕክምና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ “ካብቶም ዝተቐተሉ ነብሰ ጾር ኣላቶም፣ ተሃሪማ ናብዚ ሕክምና መጺኣ ኣይጸንሓት ግን ሞይታ” ይብል።

ካብቶም ክቕተሉ ዝተኣከቡ ሃዲሙ ዝወጽኡ ከኣ ምስክርነቱ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።

“ንጽባሒቱ ካብቲ ተሓቢአሉ ዝነበርኩ ቦታ ምስ ወጻእኩ ኣብቲ ጽርግያ ዛሕ ዝበለ ሬሳታት ጸኒሑኒ” ይበል።

ኣብቲ ቦታ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለዘየለ እዚ ሓበሬታ ድሒሩ’ዩ ወጺኡ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ መንነት ናይቶም ብኢድ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐተሉ 45 ሰባት ተፈሊጡ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ “እንተዀነ ቍጽሪ ግዳያት ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ክዛይድ ከምዝኽእል ኢና ንግምት” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ካልኣይቲ ትስራዕ ክልል ኣምሓራ ተነቢሩ ዘሎ ሰዓታት እቶእቶ ብኣርባዕተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ምጽዳቑ ይዝከር።

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን በቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘለዎም ሻቕሎት ብምግላጽ፡ እቲ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ጸዊዐን ኣለዋ።

እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ዘርኢ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ዘርኢ ስእሊ

ዕጡቃት ፋኖ ሓይሎም ብምድልዳል ኣብታ ክልል ዝርከባ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምቍጽጻር ንዝበዝሓ ከተማታት እታ ክልል ሒዞም ነይሮም’ዮም።

ጸኒሖም ግን ሰራዊት ፈደራል ነተን ብፋኖ ተታሒዘን ዝነበራ ከተማታት ብምምላስ ኣብ ከም መርዓዊ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ከተማታትን ከባቢአንን ምስ ዝርከቡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ይርከቡ።

ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ መንግስቲ ፈደራል ድሮናትን ከበድቲ ብረትን ይጥቀም ከምዘሎ ይግለጽ።

እዚ ከኣ ኣብ ነባሪ እቲ ክልል ዓቢ ስግኣትን ራዕድ ከምዝፈጠረ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓደ ነባሪ ናይታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ትርከብ ቡረ ትበሃል ንእሽተይ ከተማ፡ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት መንግስቲ ኣብታ ከተማ ዝዀነ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይህብ ከምዘየለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ፡ “ሓደ ሓደ ግዜ ብዘይምቍራጽ ንሰዓታት ከበድቲ ብረታት ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ናብዛ ከተማ ይትኮስ” ይብል።

ኣብ ታሕሳስ ድሮናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ፡ እንዳ ኣውቶቡስን ካልኦት ህዝባውያን ቦታታትን ደብዳብ ከምዝፈጸማ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመ ብምሕበር ነቶም “ሕሉፋት” ኢሉ ዝገለጾም ዕጡቓት ፋኖ ንምድምሳስ ግን፡ ኵሉ ዓይነት መሳርሒ ከምዝጥቀም ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።