ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ'ታ ኣዋርሕ ኣብ መንገዲ ዘላ መርከብ 'ጣናነሽ 2' እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, EBC
እታ ካብ ወደብ ጅቡቲ ካብ እትብገስ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ጕዕዞ ዝጸንሐት "ጣናነሽ 2" ዝተባህለት መርከብ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ ከተማ ባህርዳር ክትኣቱ ትጽቢት ከም ዝግበር ኤጀንሲ መጓዓዝያን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዳይረክተር ርክባት እቲ ኤጀንሲ ኣቶ ደምሰው በንቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ጃልባ ብ30 መጋቢት 2017 [ግ] ካብ ጅቡቲ ተበጊሳ ብ13 ሰነ 2017 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወት ሓቢሩ።
ንመጓዓዝያ ማይ ውሽጢ ሃገር ተባሂላ ከም ዝተሃንጸት ዝንገረላ ጣናነሽ 2ን ካልእ ጃልባ ናይ ፈኲስ ጽዕነትን ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት ካብ ቻይና ናብ ወደብ ዶራለህ ጅቡቲ ከም ዝኣተዋ ተገሊጹ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወት ጣናነሽ፡ ልዕሊ 500 ኪሎሜተር ተጓዒዛ ናብታ ቀላይ ጣና ዝርከበላ ከተማ ባህርዳር ክትበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ናብቲ ቀላይ ባህርዳር ንምብጻሕ ኣስታት ሓደ ወርሒ ክወስድ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ እዚ በቲ ኣብ መንገዲ ዘጋጥም ኵነታት ዝውሰን ምዃኑ እቲ ወሃብ ሓበሬታ የነጽር።
እታ መርከብ ጣናነሽ፡ 150 ሜትሪክ ቶን እትምዘን ኰይና፡ 38 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ፡ 188 ሰባት ክትሕዝ ከም እትኽእል ይንገር።
እታ መርከብ ኣብቲ ዝዓበየ ቀላይ ጣና ናይ ኢትዮጵያ ምስ በጽሐት፡ ንበጻሕትን ነበርትን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክትህብ ትጽቢት ከም ዝግበር እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።
እዛ "ፈላመይቲ ዓባይን ዘመናዊትን መርከብ ኢትዮጵያ" ተባሂላ ትግለጽ ዘላ ጣናነሽ 2፡ ኣብተን ዝሓለፈተን ከተማታት፡ ብህዝቢ ምውቕ ኣቀባብላ ክግበረላ ተራእዩ እዩ።
እንተዀነ፡ ጕዕዞ እታ መርከብ ቀሊል ኣይነበረን። ንጸንሐ መስመራት ኤለክትሪክ፡ ጸበብቲ ጽርግያታትን ድልድላትን እናሰገረት ኣብ እትጓዓዘሉ ዘላ እዋን ሓያለ ዕንቅፋታት ኣጋጢሙዋ እዩ።
"ኣብዚ ዘመን እዚ ከመይ ኢሉ ካልእ ኣማራጺ የሎን? ስለምንታይ መገጣጠሚ መራኽብ ሃልዩ ኣብኡ ከም እትገጣጠም ዘይግበር?" ዝብል ዝተፈላለየ ነቐፌታታት ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
እታ ጃልባ ንኽትሓልፍ ዝተገብረ ጻዕሪ እውን ዝተፈላለየ ትሕተ-ቅርጺታት እታ ሃገር ከም ዝሃሰየን፡ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት፡ ማይን ኤለክትሪክን ሓዊሱ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ምቍራጽ ከም ዘጋጠሞም ይሕብሩ።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት፡ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ጕዕዞ ቀላያት ዘገልግላ መራክብ፡ ኣብ ዓባይ መኪና ኣብ ኮንተይነር ኣትየን ክኸዳ ዘይክእላ ጀላቡ፡ ኣብ ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ወይ ብባቡር፡ ብዝጥዕም መንገዲ ከም ዝጓዓዛ እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኬንያ ወደብ ሞምባሳ ዝኣተወት ንእሽቶ መርከብ ዩጋንዳ ንምጓዕዓዝ፡ እታ ሃገር ናይ ጽዕነት መኪና ተጠቒማ፣ ኣብ ዶብ ዩጋንዳ ንምብጻሕ ዝወሰደቶ ግዜ ተመሳሳሊ ነቐፌታ ኣስዒቡ ነይሩ።
እታ መርከብ ኣዝያ ገዛፍ ብምዃና፡ ብጥንቃቐ ንምጕዓዛን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብሰንኪ ድልድላት፡ መእለዩ - ኣማራጺ መንገዲ ምጽራግ፡ መስመራት ሓይሊ ኤለክትሪክን ካልእን ብዝኣመሰሉ ምኽንያታት ከም ዝተደናጐየት ኣቶ ደምሰው ኣብሪሁ።
እቲ ዳይረክተር ርክባት፡ ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበረ ጕዕዞ ብሳላ ሰጣሕ ጐላጕል ስሉጥ ምንባሩ ኣመልኪቱ። እንተዀነ፡ "ኣብ መዓልቲ፡ ጥንቃቐ ዘድልዮ ኣዝዩ ውሱን ርሕቀት ስለ እትጓዓዝ፡" ብሓፈሻ ነዊሕ ግዜ ከም ዝተወስደ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ኣቶ ደምሰው፡ ጣናነሽ ብኻልእ ኣገባብ መጓዓዝያ ንምጕዕዓዝ ይዅን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምግጥጣማ ዘኽእል ካልእ ኣማራጺ የሎን።

ምንጪ ስእሊ, SM
"ፋብሪካ ወይ ማእከል መገጣጠሚ ጀላቡ የሎን፤ ኣብ ህንጸት ጀላቡ ዝነጥፉ ብቝዓት ሰብ ሞያ የለዉን፡" ብምባል፡ ድሕሪ ሰፊሕ መጽናዕቲ ብዓበይቲ ተሽከርከርቲ ንምጕዕዓዛ ከም ዝተወሰነ ገሊጹ።
እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ "እታ መርከብ ዘመናዊት ብምዃና እውን ነቲ ጉዳይ ሓላሊኽዎ እዩ፤ ውሽጣዊ ስርዓተ ኤለክትሪክን ማይን እታ መርከብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ምትሕብባር ብዙሓት ሞያውያን ዝሓትትን ስለ ዝዀነ፡ ካልእ ኣማራጺታት ክንጥቀም ኣይከኣልናን፡" ኢሉ።
ጕዕዞ ጣናነሽ፡ ብላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ዝምራሕ ኮሚቴ ዝከታተሎ ኰይኑ፡ ድሕነታ ንምርግጋጽ ድማ ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጂባ ትኸይድ ከም ዘላ ይፍለጥ።
ኣባላት ፈደራል ፖሊስን ሓይልታት ምክልኻል፡ ፖሊስ ትራፊክን ክኢላታት ኤለክትሪክን ኣብ ጕዕዞ ንዘጋጥም ዕንቅፋታት ተሓባቢሮም ብምእላይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ድማ ኣቶ ደምሰው ይሕብር።
"ዝዀነ ፍሉይ ሓደጋ ከጋጥማ'ዩ ኢልና ኣይንሓስብን፣ ንሃገርና ፈላሚት ዘመናዊት መርከብ እያ። ከምቲ ዝዀነ ዜጋ ዝህንጠዮ፡ እቶም ሓለፍቲ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ፡" ይብል እቲ ዳይረክተር።

ምንጪ ስእሊ, SM
እዛ መርከብ ዝተገዝኣትሉ ዋጋ ኣቶ ደምሰው ክገልጽ እኳ እንተ ዘይደለየ፡ ንዅሉ ወጻኢታታ፡ ንመጓዓዓዚኣን ተወሲኽዎ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ወዲኣ ክትከውን ከም እትኽእል ይእመን።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ደምሰው፡ ጉዳይ "ድሕነት ጕዕዞ" ካብ ወደብ ጅቡቲ ክሳብ ባህርዳር፡ ምስቲ ኩባንያ መራኽብ ዝተፈረመ ውዕል ዝጠቓለል ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ጣናነሽ 2 ኣብ ቀላይ ጣና ኣብ ዝርከባ ደሴታት ንዝነብሩ በጻሕትን ነበርቲ እቲ ከባብን ምቹእ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባሕሪ ብምሃብ ኣብ ቱሪዝም ልዑል ኣበርክቶ ከም እትገብር ትጽቢት ይግበር።
ቀላይ ጣና 37 ደሴታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ልዕሊ 15,000 ህዝቢ ከም ዘለዎ ይግመት። እተን ደሴታት ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣውን ታሪኻውን መስሕባት በጻሕቲ እውን ኣለወን።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብቲ ቀላይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እትህብ ዘላ እንኮ ጃልባ፡ እታ ኣረጊት ጣናነስ 1 ኰይና፡ ሰባት፡ እንስሳታትን ኣቝሑትን ንምጕዕዓዝ ተገልግል ኣላ።
እታ ጃልባ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ እዋን ወራር ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ዝኣተዋ ሰለስተ ጀላቡ ምዃና ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







