እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ክብሪ ንዩክረይን' እናበለ ዝተረሸነ ምሩኽ ወተሃደር
ሓደ ምሩኽ ዩክሬናዊ ወተሃደር ንክብሪ ሃገሩ እናጨደረ ክርሸን ዘርኢ ቪድዮ ኣብታ ሃገር ቁጠዐ ፈጢሩ።
ብሩስያውያን ወተሃደራት ከምዝተረሸነ ዝኸሱ ሰብመዚ ዩክረይን፡ ቀተልቱ ንምልላይ መርመራ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
"ንቐተልቱ ክንረኽቦም ኢና" ክብል ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብዛዕባ'ቲ ዘሕዝን ፍጻመ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ እቲ ዩክሬናዊ ወተሃደር ኣብ ሓደ ድፋዕ ደው ኢሉ ሽጋራ እናትከኸ ይርአ።
"ክብሪ ንዩክረይን" ኢሉ ድሕሪ ምጭዳሩ ኸኣ ብኣውቶማቲክ ብረታት ተረሺኑ።
ሓደ ኣሃዱ ሓይልታት ዩክረይን እቲ ወተሃደር ኣባሉ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ብዛዕባ መንነት ናይቲ ወተሃደር ዝተዋቕዐ ጸብጻባት ምህላዎም ተፈሊጡ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ ካብቶም ሩስያውያን ምዃኖም ዝተገልጹ ረሸንቱ፡ "ሙት" ክብል ይስማዕ። ምስ ተቐትለ ድማ ኣጸያፊ ቃላት ክጥቀም ተሰሚዑ።
እቲ ቪድዮ ፈለማ ብሰኑይ'ዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። ቢቢሲ ኣበይን መዓስን ከምዝተሳእለ ይዅን፡ ብኸመይ እቲ ወተሃደር ከምዝተማረኸ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን ዘሎ።
ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዕጥቂ ዘይብሉ ምሩኽ ምርሻን ንክብርታት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነትን ኲናትን ዝጥሕስ'ዩ። እዚ ቁምነገር ዘይብሎም ቀተልቲ ዝፍጽምዎ እምበር፡ ተዋጋእቲ ዝገብርዎ ኣይኰነን" ክብል ነቒፉ።
"ሩስያውያን ጐበጥቲ፡ ቀንዲ ዕላማኦም ኣብ ዩክረይን ግፍዓዊ ምጽናት ዩክሬናውያን ምዃኑ ደጊሞም ዘመስከርሉ እዩ።"
ሩስያ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ "ጐበጥቲ. . .ነቲ ኣብ ገጾም ብትብዓት 'ክብሪ ንዩክረይን' ዝበሎም ተቓላሳይ" ቀቲሎሞ ክብል ከሲሱ።
"ኵላትና ንቓላቱ ክንምልሰሉ እደሊ፡ ብሓባር 'ክብሪ ንጅግና! ክብሪ ንጀጋኑ! ክብሪ ንዩክረይን!"
እቲ 'ክብሪ ንዩክረይን' ዝብል ጭርሖ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ብሰራዊት ዩክረይን እናገነነ ዝመጸ ቀስቃሲ ጭርሖ'ዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ድሚትሮ ኩሌባ ብወገኑ፡ እቲ ቅትለት "እዚ ኲናት'ዚ ምጽናት ዓሌት ምዃኑ ዘመስከረ'ዩ" ክብል ብምግላጽ፡ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ "ህጹጽ መርመራ" ከካይደሉ ጸዊዑ።
ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ኣንድሪ ኮስቲን፡ ገበናዊ መርመራ ከምዝጀመረ ሓቢሩ'ሎ።
ሰራዊት ዩክረይን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዘለዎ ኣፈናዊ ሓበሬታ እቲ ወተሃደር ቲሞፊ ሻዱራ ዝተባህለ ምዃኑ ጠቒሱ'ሎ።
ኣሃዱኡ ዝዀነ መበል 30 ፍሉይ መካናይዝድ ብርጌድ ብወገኑ፡ እቲ ወተሃደር ንመወዳእታ ግዜ ብዕለት 3 ለካቲት ኣብ ጥቓ እታ ናብ ዓውደ-ውግእ ተቐዪራ ዘላ ምብራቓዊት ከተማ ባክሙት ተራእዩ ምንባሩ ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ ሬሳኡ ምስተረኸበ ጥራይ ምሉእ ብምሉእ መንነቱ ክረጋገጽ ከምዝኽእል ኣሚቱ'ሎ።
ስም ናይቲ ብግፍዒ ዝተቐትለ ወተሃደር ቅድሚ ምግላጹ፡ ሓፍቱ ምዃና ዝገለጸት ኦሊያ ዝተባህለት ዩክሬናዊት፡ ሓዋ ምዃኑ ከምዘለለየቶ ተዛሪባ'ላ።
ሓዋ፡ "ከምኡ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሩስያውያን ደው ክብል ዝኽእል፡" ሰብ'ዩ ነይሩ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እንተዀነ፡ ሓደ ፍሉጥ ዩክሬናዊ ጋዜጠኛ ካልእ ስም ድሕሪ ምሃቡ፡ መንነት እቲ ዝተረሸነ ወተሃደር ከካትዕ ጀሚሩ'ሎ።
እታ ሰብ፡ ድሒራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ መንነት ናይቲ ኣብቲ ቪድዮ ዝተረሸነ ወተሃደር ክሳብ ዝጻረ ብስም ስድራቤት ገንዘብ ከምዘይትእክብ ተዛሪባ።
"ሓወይ ኣብቲ ቪድዮ የለልዮ እየ። ንሱ እንተዘይኰይኑ ግን፡ ንስድራቤቱ እሓዝነሎም። ሓወይ ንኽረኽቦኸ ዝሕግዘኒ ሰብ ይህሉዶ ይኸውን?"
እቲ ኲናት ብ24 ለካቲት 2022 ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኲናት ጃምላዊ ገበናት ኲናት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ሩስያ ግን ነቲ ክስታት ክትነጽጐ ጸኒሓያ'ያ።
ዩክረይን ቅድሚ ሕጂ'ውን ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ምሩኻት ኲናት ስቅያት፡ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ ምንባራ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝወጸ ሓደ ቪድዮ፡ ሓደ ሩስያዊ ወተሃደር፡ ንሓደ ዩክሬናዊ ምሩኽ ፍረነብሱ ብምቕጥቃጥ ክሰልቦ የርኢ።
ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ሓይልታት ዩክረይን ንሓደ ጕጅለ ሩስያውያን ምሩኻት ኲናት ከምዝረሸኑ ከሲሳ ነይራ።