እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፋይላት ኤፒስተይን፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ይብሉ?
እቶም ብ"ፋይላት ኤፒስተይን" ዝፍለጡ ብዙሕ ምስጢራት ዝሓዙ ምዃኖም ዝእመነሎም ሰነዳት ዝሓለፈ ዓርቢ ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ገለ ክፋሎም ድሕሪ ምዝርግሖም፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ርሱን ክትዓት ፈጢሮም ኣለዉ።
እቶም ሓደስቲ ዝተዘርግሑ መዛግብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኢትዮጵያንን እውን ሰፊሕ ዘተ ብምፍጣር፡ እቶም ፋይላት ብጭቡጥ እንታይ ከም ዘቃልዑ ሕቶታት ኣልዒሎም ይርከቡ።
እቲ መወዳእታኡ ብጾታዊ ገበናትን ምስግጋር ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ንጾታዊ ስርሓትን ብዝብሉ ገበናት ተኸሲሱ ብ6 ሓምለ 2019 ኣብ ኒውዮርክ ተኣሲሩ፡ ድሕሪ ወርሒ ድማ ብ10 ነሓሰ "ብማሕነቕቲ ነብሱ ቀቲሉ" ተባሂሉ ሞቱ ዝተነግረ ጀፍሪ ኤፒስተይን፡ ኣብ ርእሲ'ዚ ኣብ ብዙሕ ካልኦት ጉዳያት - ስለያ፡ ምስግጋር ገንዘብ፡ ዝተፈላለዩ ውዲታዊ ክልሰሓሳባትን ዝተፈላልዩ ገበናትን ስሙ ስለ ዝለዓል፡ ፋይላቱ ፍሉይ ኣገዳስነትን ዘለዎም ተሃወስቲ ኰይኖም ኣለዉ።
እዞም ፋይላት ብጠቕላላ ልዕሊ 6 ሚልዮን ገጻት ዝሓዙ ኰይኖም፡ ዛጊት ብትእዛዝ ቤትፍርዲ፡ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ገጻት፣ ኣብ ርእሲኡ ልዕሊ 2,000 ቪድዮታትን ልዕሊ 180,000 ኣሳእል ተዘርጊሑ።
ኣብቲ ፋይላት ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት፡ ፍሉጣት ሰባት፡ ፖለቲከኛታት; ሃብታማት፡ ንጉሳውያን ስድራቤታት ወዘተ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተጠቒሶም ስለ ዘለዉ ነቲ ዓውደ ክትዕ ዕሙር ገይርዎ'ሎ።
ኣብዚ ፋይላት፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵይያን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃብታም ዓለምና ኢሎን መስክ፡ ቢል ጌይትስ፡ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራቤት ብሪጣንያ፡ ቢልዮነራትን ህቡባት ሰባትን፡ ምኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብቲ ፋይል ተጠቒሶም ኣለዉ።
እዞም ፋይላት፡ ካብ ዝዀነ ምስ ኤፒስተይን ዝተኣሳሰር ሰነዳት፡ ኢመይላት፡ ቃለ-ምስክርነት ግዳያት ከሰስቲ፡ ጸብጻባት ቤትፍርዲ፡ መዝገብ በረራታት፡ ጥብቆ ደብዳበታት ወዘተ ዝሓዙ ስለ ዝዀኑ፡ ኵሎም እቶም ኣብዚ ፋይል ዝተጠቕሱ ሰባት ኵሎም ምስቲ ንሱ ዝኽሰሰሉ ገበናት ግድን ምትእስሳር ዘለዎም ከም ዘይኰኑ ኣየካትዕን።
እዚ እናዀነ ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንትንታነታን ግምታትን ቅሉዕ ኰይኑ'ሎ።
ኣብዚ ፋይላት ዝተጠቕሰ ጉዳይ ኤርትራ ኢትዮጵያን እውን ሓደ ካብቲ ሰፊሕ ትንታነ ዝወሃበሉ ዘሎ እዩ። እቲ ብ28 ሓምለ 2018 ዝተጻሕፈ ምዃኑ ዝርአ ኢመይል፡ ሰዳዲ ባዕሉ ኰይኑ፡ ናብ መን ከም ዝተላእከ ወይ ኣብቲ ኢመይል ዝተተሓሓዙ ሰባት ኣይርአን።
መዘኻኸሪ [ወይ Note] ኢሉ ኣብ ዘስፈሮ ትሕቶ ድማ፡ "ንፕረዚደንት ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዘራሪበዮም እየ፤ ምስ ቻይና ዝዀነ ይዅን ካልእ ተወሳኺ ስርሓት ከም ዘይገብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ - ሕጂ እቲ ሽጣራታት ስለ ዝተረድኦም። ግደ ሓቂ ክልቲአን ሃገራት ሓደ ናይ ምዃን ተኽእሎ'ውን ኣሎ፡" ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ኰይኑ ይንበብ።
ክንዮ'ዚ ቢቢሲ ዝረኣዮ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ፋይላት ኤፒስተይን ዛጊት የሎን።
መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ'ዚ ዝሃብዎ ርእይቶ እውን የሎን።
ከም ዝፍለጥ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ን20 ዓመታት ተበቲዅ ዝነበረ ዝምድናአን ናብ ንቡር ብምምላስ ዝተፈላለየ ስምምዓት ክገብራ ጀሚረን ምንባረን ኣይርሳዕን።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ምኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ምስ ኤፒስተይን ዝነበሮ ርክባት ዘመልክት ኢመይላት ተጠቒሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዘዋወር ኣሎ። እቲ ኢመይል ብርሃኑ ነጋ መራሒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ግንቦት 7 ተባሂሉ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ 2009 ኣቢሉ ዝተጸሓሓፍዎ ምዃኑ እውን ይርአ።
ምስዚ ፋይላት ተተሓሒዙ፡ ኣብዚ ፋይላት ምጥቃስ ማለት ገበነኛነት ከም ዘየመልክት ክኢላታት ሕጊ ይምሕጸኑ ኣለዉ።
ጀፍሪ ኤፕስተይን መን እዩ?
ጀፍሪ ኤፕስተይን ኣይሁዳዊ-ኣመሪካዊ ኰይኑ፡ ብ1953 ተወሊዱ ኣብ 2019 ዝሞተ ኣዝዩ ኣካታዒን መንነቱ ብንጹር ንምፍላጥ ድማ ኣጸጋምን ሰብ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ዝበዝሕ ንጥፈታቱ ኣብ ክሊ ሃብታማት፡ ሰበስልጣናትን፡ ህቡባት ሰባት ዝንቀሳቐስን ምንጪ ሃብቱ ዘይንገርን ዘይፍለጥን ሃብታም እውን እዩ ነይሩ።
ከም ተራ ኣውፋርን ገባር ሰናይን ዝፍለጠሉ መንነት'ኳ እንተለዎ፡ ምስ ሓያለ ጽልዋን ዝምድናን ዝሃነጽሉ ፖለቲከኛታት፡ ነጋዶ፡ ምሁራትን ንጉሳውያንን ስድራቤታት ዕርክነት ብምፍጣር እዩ ዝያዳ መንነት ሃኒጹ።
ክንዮ'ዚ ግን ኤፒስተይን፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ፡ ብምትላልን ብምስዳዕን ይምልምልን ዝተዋደደን ስርዓታዊን ጾታዊ ዓመጻት ይፍጽምን የፈጽምን ወይ የሰጋግረን ነይሩ ተባሂሉ እዩ ብሰፊሕ ዝኽሰስ። እዚ፡ ብባዕሉ ይዅን ብፈተውቱ ዝፍጸም ተግባራት ድማ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ናይ ብሕቲ ገዛውቱ ወይ ኣብታ ኣብ ካሪብያን እትርከብ ናይ ብሕቲ ደሴቱ ይፍጸም ከም ዝነበረ እዩ መዛግብቲ ቤትፍርዲ ዘመልክት።
እቲ ዝተፈጸመ ግህሰታት ድማ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣማኢት ግዳያት ከም ዘለዋ ድሒሩ ዝቐረበ ስቪላዊ ክስታት የመልክት።
ኣብ ሓምለ 2019 ምስ ጾታዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ብዝተኣሳሰር ብዝቐረበሉ ፈደራላዊ ክሲ ተኣሲሩ።
መስርሕ ገበናዊ ፍርዱ ቅድሚ ምቕጻሉ ድማ ነብሰ-ቕትለት ፈጺሙ ተባሂሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ከም ዝሞተ ተነጊሩ።
ሞቱን ኣማውታኡን ሰፊሕ ጥርጣረን ግምታትን ኣስዒቡ ክሳብ ሕጂ'ውን የካትዕ ኣሎ።