መብጽዓ ሰላም ኢሳይያስን ኣቢይን ስለምንታይ ፈሺሉ?

ኣብ ሚያዝያ 2018፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ተስፋ ዓሲሉ ነይሩ።

ኣብቲ ዝተገብረ ቅልጡፍ ጽገናታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እሱራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም፣ ናጽነት ሚድያ ሰፊሑ፣ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዝነበሩ፡ ከም ግንቦት 7፡ ኦነግ (OLF)፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኦጋዴን (ONLF) ዝኣመሰሉ ውድባት፡ ኣብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ክሳተፉ ናብ ዓዶም ተመሊሶም። እቲ ኢህወደግ ዝምርሓሉ ዝነበረ "ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ" ቍጠባዊ ጽገና (ሪፎርም) ብዘፍቅድ ሊበራላዊ ፖሊሲ ተቐይሩ።

ኢትዮ ቴሌኮምን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ንብሕታዊ ወፍሪ ተኸፊተን። ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ምስ ጐረቤት ኤርትራ ንኣስታት 20 ዓመት ዝጸንሐ ኵነተ ኲናት፡ ብ2002 ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራ-ኢትዮጵያ (EEBC) ዝተዋህበ፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ብዘይ ቅድመ ኵነት ብምቕባል ዕርቀ ሰላም ተኣዊጁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ወያነ ገይም ኦቨር!" ኣብቂዕኩም ኢኹም ብምባል ንጻውዒት ሰላም ኣቢይ ኣሕመድ ተቐቢሉ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪኡን የማነ ገብረኣብ ንጻውዒት ዕርቂ ክምልሹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኹ። ኣይደንጐየን ኣቢይ ኣሕመድ ብ 8-9 ሓምለ 2018 ናብ ኣስመራ በሪሩ።

እቲ ን20 ዓመታት ብፖለቲካዊ ህልኽ መራሕቱ ካብ ጐረቤቱ ተፈልዩ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ኣብ ጐደናታት ተሰሊፉ ከተማኡ ብባንዴራ ክልቲአን ሃገራት ሰሊሙን ኣወቂቡን፡ ንኣቢይ ቈጽሊ ኣውሊዕን ስየን ሒዙ'ዩ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትሒዙ ተቐቢሉዎ።

መንግስታዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ "ሰንበት 8 ሓምለ 2018፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንዘንተ- እለት ዘይርሳዕ ብርቅን ኣደሳትን ዝዀነ ፍጻመ ሰኒዳ። እዛ ዕለት'ዚኣ፡ ኣብ ልቢ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓሙቕ ልቢ ህዝቢ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ድሮ ፍሉይ ቦታ ሒዛ ኣላ" ብምባል ገሊጻቶ።

ኣብቲ ብስነጥበባውያን ዝማዕረገ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝተገብረ ፍሉይ ናይ ድራር እንግዶት ከኣ ዶር. ኣቢይ 'ብፍቕሪ ዘይሰዓር ብድሆ የለን፤ ዶባት ጽልኢ ብፍቕሪ ፈሪሱ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣደታት እዞም አህዛብ ዳግም ኣይክነብዓን እየን። መርዑት ሰብኡተን ቈልዑ ወለዶም ስኢኖም ኣይክዝኽትሙን እዮም። መንእሰያትና ብሰሃራን ባሕርን ኣይክስደዱን እዮም..." ክብል መዲሩ።

ፐረዚደንት ኢሳይያስ እውን ንኽልቲኡ ህዝብታት እንቋዕ ሓጐሰኩም ብምባል፡ እቲ ን25 ዓመታት ዝተዀልፈን ዝተኸስረን በቲ ኣቢይ ዝወሰዶ ሕርያ ከምዝተደበሰ ብምግላጽ፡ "መጻኢ ጕዕዞና ብሓደ ክንከዶን ንዘጋጥመና ብድሆን ዕድልን ሓቢርና ክንምክቶ ኢና፤ ክንክእሎን ክንሰግሮ ከኣ ኢና" ክብል ብዛዕባ እቲ ትስፉው ሃዋህው ስምዒቱ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ብ9 ሓምለ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ኵነተ-ኲናት ምኽታሙ፡ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ምርሓው ዘረጋግጽ 'ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ተፈራሪሞም።

ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺኦም፡ ኵነታት ውግእ ከምዘብቀዐ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ መጓዓዝያ፡ መራኸብን ንግድን ከምእተጀመረ ብምግላጽ ብትግባረ ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ከምእተሰማምዑ ሓቢሮም።

በቲ ፍጻመ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ጥራይ ዘይኰነ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ክንዮኡን ህዝቢ ዓለምን ነቲ ተበገሶ ሰላም ብልዑል ኣድናቖት ተቐቢሎም " ዮሃና!" ኢሎም።

ድሕሪ'ቲ ናይ ኣስመራ እንግዶት፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ልኡኻቱን ብ14-16 ሓምለ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሃዋሳን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ኣብቲ ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ዝተኣከቡሉ ኣደራሽ ሚለኒየም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ " ቅድሚ ሽዑ ገይሩዎ ዘይፈልጥ ኣፍ ልቡ እናጠብጠበ፡ "ምስ ዶ/ር ኣቢይ ተሰማሚዕና ዘይንሰግሮ መሰናኽል፡ ዘይንድይቦ እምባ የሎን። ድሕሪ ደጊም እዚ ህዝቢ'ዚ ክልተ ህዝቢ እዚ ኢሉ ዝሓስብ ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ" ክብል እንከሎ፡ ኣብ ሃዋሳ ከኣ " [ንዶክተር ኣቢይ] ድሕሪ ደጊም ኣብ ኵሉ እንኸዶ ጉዕዞ ወኪል ንስኻ ኢኻ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና!" ክብል ነቲ ናይ ሰላም ሃዋህው ዘደልድል መልእኽቲ ኣስሚዑ።

ኣቢይ እውን፡ ነቲ "መደመር" ዝብል "ፍልስፍናኡ" ብምድማቕ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ኢሱ- ወዲ ኣፎም!" ብዝብል ቅብጥሮት እናጸወዐ፡ " ምስ ኢሱ እንተተደሚርና ዓሰብ ክንማቐል ኢና!" ክብል ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ናይ ወደባትን ባሕርን ተጠቃምነት ልዑል ዕድል ከምዘሎ ዘተስፉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ሓምለን መስከረምን 2018፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ኣስመራን ጂዳን ናይ ሰላም ባህግን ሃንቀውታን ዘንጸባርቕ፡ ብመትከላትን ዕላማታትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝቕየድ፡ ንሓድሕዳዊ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዘኽብር ኵለመዳያዊ ምትሕብባር ንኽገብሩን ቈሪጾም ከምዝተላዕሉ ንህዝቢ ኣዊጆም።

ነቲ መስርሕ ሰላም ኣብ ምስላጥ ተራ ዝነበረን ስዑድን ኢማራትን እውን ንኽልቲኡ ህዝብታት "ዮሃና!" ብምባል ንኢሳይያስን ኣቢይን ናይ ምስጋና ኒሻን ሸሊመናኦም።

እቲ ኣብ ጂዳ ዝተኻየደ ስምምዕ ኣህጉራዊ ተቐባልነትን ደገፍን ንኽረክብ፡ ንጉስ ሳልማን ስዑዲ ዓረብ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ከምኡ'ውን ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ነበር ሙሳ ፋኪ መሃመት ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ኤርትራ ስሙ ዘይጥቀስ ወዲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብርሃም እውን ምስቶም ልኡኻት ስለዝተራእየ፡ ኢሳይያስ ምናልባት'ዶ ንወዱ ስልጣን ከመሓላልፈሉ ድሌት ኣሕዲሩ ኰይኑ ዝብል ሓሳብ ከምዝነበረ ዝገልጽ መም ጸጋይ ገብረሂወት፡ ብ18 ሓምለ 2018፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ቀጥታዊ በረራ ብምጅማርን መስመራት ተሌፎን ብምኽፋትን እቲ ስምምዕ ሰላም ብተግባራዊ ስጕምትታት ተደሪዑ፡ ኣብ ኣስመራን ኢትዮጵያን ከኣ ዳግም ኤምባሲታት ከምዝተኸፍተ የረድእ።

ብ 11 መስከረም 2018 - እዋን መስቀልን ሆየ ሆየን ዶባት ዛላምበሳ፡ ራማን ቡሬን ንህዝባዊ ምንቅስቓስን ንግድን ተኸፊቱ። እቲ ኣብ ዛላምበሳ ዝተራእየ ናይ ህዝቢ ደረት ዘይብሉ ሓጐስን ምትሕቑቛፍን፡ ስርዓታት እምበር ህዝቢ ጽልኢ ከምዘይብሉ ኣነጺሩ።

ኣብቲ ቅንያት፡ "ንዅሉ ጸገማትና ብዘተን ልዝብን ብሰላማዊ መገዲ ክንፈትሖ ንኽእል ኢና!" ዝብል መንፈስ ነጊሱ ስለዝነበረ፡ 'ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ሕውነት፡ ምዕባለ፡ ይቕሬታ፡ ሕድገት፡ ሓድነት፡ ምትሕግጋዝ፡ ሓድሽ ምዕራፍ፡ ተስፋ' ዝብል ቃላት ዝውቱር ነይሩ።

መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ምሁራን፡ ኣክቲቪስታት፡ ከምኡ'ውን ተራ ህዝቢ ነቲ ናይ ሰላም ተበግሶ ብልቢ ደጊፎሞ።

ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ፡ ናይ ሰላም ሰንደቕ እዮም ንዝበሎም መራሕትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዓለም ሽልማት ዝዕድል ትካል ኖቤል እቲ ቀዳማይ ምኒስተር በቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዶባዊ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ዝወሰዶ ወሳኒ ተበግሶ ብ10 ታሕሳስ 2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ምስ ሃቦ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ድምጺ ጥይት ኣይክትሰምዕን እያ ዝብል እምነት ሓዲሩ ነይሩ።

ኣብቲ ጽምብል መደረ ዘስመዐ ተሸላሚ ሽልማት ኖቬል ዶር ኣቢይ፡ "ነቲ ሽልማት ብሽም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጉዳይ ሰላም ናይ መወዳእታ መስዋእቲ ዝኸፈሉን ብስም ናይ ሰላም መሻርኽተይ "ብጻይ ሰላም" ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቕበሎ ኣለኹ፡" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ የዘኻኽር።

እቲ ዅሉ ዓድን ጐደቦን ዞባን ዓለምን ዘድነቖን ዝተቐበሎን ስምምዕ ሰላምን እቲ ዅሉ ዝተኣትወ መብጽዓን ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ፈሺሉ? ኣብ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰባት እንታይ እዩ ኣጋጢሙ? ዝብል ሕቶ ክለዓል እምበኣር ናይ ግድን እዩ። እቲ መልሲ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ሰፊሕ ምልከታን ዘድልዮ እዩ።

ኣብ ብምልኡ እቲ ናይ ዕርቂ መስርሕ ብዝምድና ኢሳይያስን ኣቢይን ስግኣት ዝስመዖ ድሕሪ 27 ዓመታት ካብ ስልጣን ኣራት ኪሎ ዝተገለለ ጕጅለ ኣብ መቐለ ነይሩ።

"እዚ ጕጅለ ኣብቲ ዕርቀ ሰላም ብግቡእ ኣይተሓቘፈን፤ ክሕቈፍ እውን ኣይተደልየን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ዕርቀ ሰላም፡ " ወያነ ገይም ኦቨር!" ብዝብል ቃል ስለዝተቐበሎ፡ እቶም ምስ ኢሳይያስ ኣብ ዝሑል ኲናት ዝነበሩ፡ 'ሓደ መዓልቲ ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ተመሓዝዩ ቂምታኡ ከውጽእ፡ ሕነ ክፈዲ ክወግኣና ይኽእል እዩ፡' ዝብል ሻቕሎት ነይሩዎም።

እቲ ኣብ ኖርወይ ናይ ኖቬል ሽልማት ክቕበል እንከሎ፡ ኦፕሬተር ራድዮ ኰይኑ ኣብ ውግእ ባድመ ዘስካሕክሕ ነገራት ከምዝረኣየ "ኲናት ኣጸያፊ'ዩ" ክብል ዝመስከረ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንመራሕቲ ህወሓት ምስ ኢሳይያስ ኰይኑ ኣኽቢቡ ክጭፍልቕ ኪዳን ከምዝኣተወን ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ይሕብር።

እቲ ዝተፈርሐ እውን ኣይተረፈን። ኣብ ሕዳር 2020 ስግኣትና ክንከላኸል ብምባል ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ ብዝተወስደ ሃንደበታዊ ወደቓ ህይወት ሚልዮን ተጋሩ ዘህለቐን ቢልዮናት ዶላር ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ዘዕነወ ኣቢይን ኢሳይያስን ብልፍንቲ ዝገጠምሉ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ውግእ ከምዝወለደ ዶር መብራህቱ ኣተወ ብርሃን የረድእ።

እቲ ኢማራት ብድሮናታ፡ ኢትዮጵያ ኤርትራን ከኣ ኣሎ ብዝበሃል ዓቕመን ብምድርን ኣየርን ዝገጠምዎ ኲናት ኣብ ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምስተፈረመ፡ እቶም ኣብ ኣስመራ ኣዲስ ኣበባን ጂዳን ኣብ ቅድሚ ህዝቦምን ዓለምን ዝተፈራረሙን ዝተመሓሓሉን ኣቢይን ኢሳይያስን ከምዘይተቓደው ዝነግር ወረ ንእለቱ ተዘርጊሑ።

ኣብ ርእሲኡ ኣቢይ ናብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክዕደም እንከሎ ኢሳይያስ ነቲ ብሓባር ዝኣተውዎ ንመሪሕነት ህወሓት ናይ ምድምሳስ ይኹን ምድኻም ኪዳን ከይፈጸሙ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምፍራሙ ከምዘየሐጐሶ፡ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ "ተኾሊፍና" ምባሉ ካብኡ ዝነቅል ክኸውን ከምዝኽእል ግምታቱ ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን ይገልጽ።

ኣቶ ሰንጋል ብወገኑ፡ እቲ ንኽልቲኦም መራሕቲ ናብ ዕርቀ ሰላም ዝመርሐ ቀንዲ ጉዳይ፡ ልዕሊ ምምልካት ዶባትን ሰላማዊ ጽምዶን ነቶም ኣብ ጕዕዞና ስግኣት ክዀኑና ይኽእሉ እዮም ዝበሉዎም መራሕቲ ህወሓት ምሕቃቕን ምድቓቕን ስለዝመረጹ እቲ ሰላም ቦታ ኣይረኸበን ይብል።

"እቲ ካብ ኣራት ኪሎ ተደፊኡ ኣብ መቐለ ዝተኣኻኸበ መሪሕነት ህወሓት ኣብቲ ናይ ለውጢ ጕዕዞ ብሃናጺ መገዲ እንተዝሕቈፍ ኣብዚ ናይ ሎሚ ብራናታት ታሪኽ ካልእ ዛንታ ምተጻሕፈ ነይሩ" ከኣ ይብል።

ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ብወገኑ፡ ''ካብ 2018 ንኣብነት ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ክቱር ዕርክነት ርኢናሎም። ሓደ 'ግዲ የለን ናይ መሬት፡ ናይ ባሕሪ ግዲ የብልካን፡ ነጻ ክፉት እዩ ንኢትዮጵያ' እቲ ሓደ 'ንስኻ ኢኻ ትመርሓና' ክወዳደሱ ይስማዕ ነይሩ። ብመሰረቱ ግን ናይ ባህሪ፡ ናይ መትከል ስምምዕ ስለ ዘይነበሮ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝነበረ ሽግር ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑ ድልዋት ኣይነበሩን" ይብል።

ኣምባሳደር ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ኣብ ሕዳር 2024 ምስ ኤምባሲ ሜድያ ዘካየዶ ዘይልሙድ ቃለመሕትት ''ነቲ ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ዝምድና የበላሽዎ ከምዘሎ ንዝኸሶ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ እቲ "ቘልዓ" ክብል ይገልጾ።

"ሕጂ'ቲ ሓደ ጸገም ዘሎ እንታይ'ዩ፡ እዚ ናይ ኣራት ኪሎ ቘልዓ ዝፈጠሮ ጸገማት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክህሉ ዝግብኦ ዝምድናታት ክቐትሎ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ" ክብል ከሲሱ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ እዋን ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝዀነ ይዅን ጽላት ለውጢ ስለዘይተገብረ እውን ካልእ ዓንቃፊ ጉዳይ እዩ ነይሩ።

ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣቢይ ዝወሰዶ፡ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፍትሑ፡ ቍጠባዊ ጽገና ዘፍቅድ ፖሊሲታት ክትግበር፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዕርቂ ክእወጅ፡ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ግዜኡ ክምለስ፡ እቲ ንዓመታት ዝተወንዘፈ ቅዋም ንምትግባር ድልውነት ስለዘይተራእየ ኣብ ዜጋታት ኤርትራ ዓቢ ስክፍታን ሻቕሎትን ፈጢሩ እዩ።

ብዙሓት እውን፡ ዓው ኢሎም ነቲ ብኽልቲኦም መራሕቲ ዝፍረም ዝነበረ ዕርቂ ብሃገራዊ ህዝባዊ ትካላት ክወሓስ፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ዘተግብርን ዝከታተልን ንቕድሚት ዘሰጕምን ትካላት ክህነጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ግን ዝሰምዕ ኣይተረኽበን ይብል መምህር ጸጋይ።

ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ ካብ 2018-2025 ፈጺሙ ዝተገብረ ለውጢ የለን። ፖለቲካዊ ሱታፌ ኣይገፍሐን፣ ቍጠባዊ ጽገናን ክፉትነትን ኣይተራእየን። እቲ ቀንዲ ዓንዲ ስምምዕ ዝነበረ ዶባት ኣይተመልከተን፣ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣይሰፍሐን፣ እቲ ንህዝባዊ ርክባት ንሒደት ኣዋርሕ ዝተራሕወ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተዓጽዩ፡ እቲ ሎሚ ጽባሕ ኣገልግሎት ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ክጅመር ዝበሃል ዝነበረ ወረ ኣብ ትግባረ ከይበጽሐ በርዒኑ ተረፈ።

እዚ ድማ ካብቲ ኢትዮጵያ ትጠልቦ ዝነበረት ንግዳዊ ርክባት ከምዘይተተግበረ እቲ ዝምድና ክዓሙቕ ከምዘይከኣለ ዶር መንግስተኣብ ተስፋዮውሃነስ ይገልጽ።

''ትካላዊ ኣሰራርሓ መኺኑ፡ ትካላት ኣብ ክንዲ ዝህነጽ እቲ ዝርከቡ ትልኽ ክብል ዝጸንሐ ካቢነ ምኒስተራት እኳ ኣብቲ ዝያዳ ስራሕን ምክትታልን ዘድልዮ እዋናት ብውሳነ ኢሳይያስ መኺኑ፣ ካብ መወዳእታ 2018 ንደሓር ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን እዩ።'' ክብል ከኣ የረድእ።

ኣብ ጽባሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ እቲ ኣብ ኣደራሽ ሚለንዩም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣካልን ብሚድያን "ምስ ኢሱ እንተተሰማሚዕና ዓሰብ ክንካፈል ኢና!" ክብል ኣብ ቅድሚ ኢሳይያስ ዝተኣትወ መብጽዓ ስለዝበርዓነ፡ "ሰላም ክትሓድር እንተደሊኻ ጐረቤትካ ሰላም ይሕደር" ንዝብል ምስላ ብምጥቃስ ሽልማት ኖቤል ክቕበል እንከሎ ዝመደረ ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ኢትዮጵያ፡ ብታሪኽ፡ ጂኦግራፊ፡ ሕጊን ብዝሒ ህዝብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዋንነት ይግበኣ እዩ። እዚ ከኣ እንተኾነ ብፍታው እንተዘይኮነ ከኣ ብዝዀነ ይዅን ኣገባብ ከነተግብሮ ኢና!" ክብል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቅሉዕ ወራር ብምእዋጅ ኣብ ቀጥታዊ ጐንጺ ኣትዩ።

ብድሕሪኡ ፖለቲከኛታት ብልጽግናን ኣክቲቪስት ህግደፍን ኣብ ናይ ቃላት ዳርባ ተጸሚዶም ድሕሪ ምጽናሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጽምብል 34 ዓመት ናጽነት ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ቃለ መሕተትን፡ ምስ ብልጽግና ጀሚሩ ዝነበረ ትስፍው ምሕዝነትን ሽርክናን ከምዝበነነ ብምእዋጅ፡ ኣቢይ፡ ንኤርትራ ንምጥቃዕ ተክኖሎጂን ኣጽዋርን ይሽምት ከምዘሎ ብቓልዕ ተዛሪቡ።

ድሕሪ እቲ መግለጺ፡ ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣይሻ መሓመድን ዝተፈለላዩ ጀነራላትን ፖለቲከኛታትን ስርዓት ብልጽግና ንመንግስቲ ኤርትራ ዘስተናዕቕ መደረ ብምሃብ መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ኣምሓራን ህወሓትን ከምእትድግፍ ብቐጻሊ ይኸሱ ኣለው።

ማሕበረሰብ ዓለም ግን እቶም ንህዝቢ መብጽዓ ሰላምን ምዕባለን ዝኣተው ክልቲኦም መራሕቲ ኣቢይን ኢሳይያስን ኣንነታዊ ስምዒታቶም ውሒጦም ሰኺኖም ናብ መኣዲ ዘተ ክመጽኡን ዳግማይ ብህይወት ዜጋታቶም ከይጣልዑን ምሕጽንታን መጠንቀቕታን የቕርቡ ኣለው።

ነዞም ክልተ መራሕቲ ግን ናብዚ ዘለውዎ ደረጃ ንኽበጽሑ ዘየሰማምዖም ጉዳይ ወይ ነጥቢ እንታይ ምዃና ግን እንተታት እንተዘይኰይኑ ካብቶም መራሕቲ ብጭቡጥ ኣይተቓለሐን። እቲ ቀንዲ ዘባእሶም ምኽንያት ንምፍላጥ ድማ ንኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተወኪስናዮ መልሲ ኣይረኸብናን።