ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ዩክረይን ብዓይኒ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ሩስያዊ

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝኣወጀቶ ወራርን ኲናትን ሎሚ ሓደ ዓመቱ ኣቑጺሩ ኣሎ።

እቲ ኲናት ክጅመር እንከሎ ኣብ ሩስያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኩነታቶም ኣመልኪትና ኣዘራሪብናዮም ነይርና።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፡ መሊስና ናብ ኣቶ ተፈራ የኋላ ስልኪ ደዊልና። ንሱ ንዝሓለፉ 36 ዓመታት እዩ ኣብታ ሃገር ክነብር ጸኒሑ።

ሕብረት ሶቭየት ክትፈርስ እንከላ ርእዩ’ዩ፤ ንምምሕዳር ጎርቫቾቭ እውን ኣርኪብሉ’ዩ።

ድሕሪኡ ሩስያዊት ተመርዕዩ ቈልዑ ወሊዱ፤ ኣብ ሞስኮ ክነብር ጀሚሩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ “ሃገረይ ሩስያ እንተጸዊዓትኒ ክዘምት እየ” ኢሉ ነይሩ።

ፕሬዝነት ፑቲን፡ ዕቑር ሰራዊት እታ ሃገር ሓዊሱ ህዝቢ ናብቲ ኲናት ክኸትት ኣዊጁ ነይሩ እዩ። ኣቶ ተፈራኸ ኣብ ቃሉ ጸኒዑ’ዶ?

“ኣብ ሞስኮ ወረ ኲናት የለን”

ኣብ ሞስኮን ኪቭን ዘሎ ዓብዪ ኣፈላላይ እዚ ከይኰነ ኣይተርፍን።

ህይወት ኣብ ሞስኮ ከም ንቡር ቀጺሉ ኣሎ፤ ጋሻ ሎሚ ናብ ሞስኮ እንተዝኣቱ ክሬምሊን ኣብ ኲናት ተጸሚዳ ምህላዋ ዝፈልጠሉ ዕድል ዘይክህሉ ይኽእል’ዩ።

ኪቭ ብሕጽረት ማይን መብራህትን ትሳቐ፣ ብዓረር ሚሳይል ትርዕድ፣ ብካማካዚ ድሮናት ኢራን ትድብደብ እያ ዘላ፤ መዓልታዊ።

እዚ ግን ንኣቶ ተፈራ ዘሐጉስ ነገር ኣይኰነን። “ሓደ ህዝቢ ስሎቫኪያ እዮም፤ ደቂ ሓው ኣቦ” ይብል።

ሰማያት ኪቭ ድሮናት ስለ ዝዕንድራሉ ጸልማት ተኸዲኑ’ዩ፤ መተሓላለፊ ባቡራት ብቦንባ ከይሞቱ ብዝሰግኡ ሰባት መሊኦም፣ ዜጋታታ ብናይ ሳይረን ድምጺ እናባህረሩ’ዮም ዝነብሩ ዘለው፤ መዓልታዊ።

ኣቶ ተፈራ፡ “ . . . ሓደ ህዝቢ እኮ እዮም፤ ምዕራባውያን እዮም ናይ ኢደ ኣዙር ኲናት . . .” ይብል።

ሞስኮኸ ከመይ ኣላ?

“ሓሓሊፉ ታንኪታተ እክሓልፋ ንርኢ፤ ካብኡ ወጻእ ግን ዝተፈለየ ነገር የለን” ኢሉ።

“ጽልዋ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝወላዕኹምዎ ኲናት እንታይ ይመስል?” ክንብል ሓቲትናዮ።

ኣቶ ተፈራ ቁጥዕ ኢሊ፡ ሕቶኹም መአረምታ ግበሩሉ በለ።

ቢቢሲ ሓዊሱ ሚዲያታት “ምዕራብ” ኣብ ጉዳይ ሩስያ ዘለዎም ኣጠማምታ ሚዛናውነት የብሉን ብምባል፡ “ኣርሙዎ፤ ኲናት ኣይትበሉ። ሃገረይ ሩስያ ኲናት ኣይኣወጀትን” ብምባል ተዛሪቡ።

እሞኸ?

“ሩስያ ኲናት ኣይኣወጀትን እኮ ኢለ፤ ድሕነት ዜጋታት ንምሕላው ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ትገብር ኣላ”።

ሽጉርቲ ክንደይ ኣትዩ?

ኲናት ዩክሬይን፡ ኣብ ዓለም ምኽንያት ወሰኽ ዋጋታት ኰይኑ ዕዳጋታት ኣናጊዑ እዩ፤ ሰንሰለት ዕዳጋ ኣመዛቢሉ።

ኣሜሪካ ጥራይ ልዕሊ 100 ቢሊዮን ዶላር ንዩክሬይን ሓገዝ ገይራ እያ፤ ኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን በዚ ሕጉሳት ኣይኰኑን።

ፕሬዝደንት ቮሎድሚ ዜለንስኪ፡ እዚ ኲናት ኣብ ወርሒ ሸውዓተ ቢሊዮን ዶላር ይሓትት እዩ ኢሉ ነይሩ።

ፑቲን፡ ነዚ ኲናት 140 ቢሊዮን ዶላር ባጀት ከም ዝበጀተ ቢሮ ወተሃደራኢወ ድሕነት ኢንግሊዝ ወግዓዊ ገይሩ ይፈልጥ እዩ።

ንምዃኑ ኣብ ሞስኮ ናብራ ከቢሩ’ዶ? ዋጋ ሽጉርቲ ክንደይ ኣተወ?

ኲናት ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር ጽልዋ ዘሕድር እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘለዎ ጽልዋ ግን ዝጋነን ኣይኰነን ይብል ኣቶ ተፈራ።

ናይዚ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ ሩስያ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ይዝርዝር።

እወ፤ ሩስያ ዓባይ ሃገር እያ። ኣመሪካ ክልተ ዕጽፊ ገይርና ክንዝርግሓ እንከለና እያ ክንዲ ሩስያ እትኸውን።

ኢትዮጵያ ክንዲ ሩስያ ንክትኸውን 15 ግዜ ክትባዛሕ ኣለዋ።

በዚ ምኽንያት ጐረባብቲ ሩስያ ብዙሓት እየን፤ 41 ሃገራት።

“ኩነታት ኣየር ሩስያ፡ ከም ባህሪ ወዲ ሰብ እዩ” ይብል ኣቶ ተፈራ።

ንኣብነት፡ ኣብ ሞንጐ ምብራቕን ምዕራብን ሩስያ ናይ ኣስታት 10 ሰዓታት ኣፈላላይ ኣሎ።

“ኣብ ሃገርና (ሩስያ) እንታይ ዘይፈሪ ነገር ኣሎ ድዩ? መዓድን፣ ጥረ ኣቕሓ?” ይብል ኣቶ ተፈራ።

እዚ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ድማ ሩስያ “ዘይትቕልበስ” ገይሩዋ እዩ ኢሉ ይኣምን።

ሕራይ፡ ይኹነልኩም - እዚ ኲናት ግን ናብራ ክኸብር ምኽንያት ኣይኰነን?

“ብዙሕ ኣይኰነን”።

ንኣብነት ድንች፣ ሽጉርቲ . . . ከም ልብኻ’ዶ ይርከብ?

“ናበይ ድኣ ክኸይድ? ኣብዚ እንድዩ ዝፈሪ”

ስርናይ ከ?

“ስርናይ ንዓና ተሪፉ ናብ ካልእ ዓለም እንድዩ ዝልኣኽ”

ሕራይ፡ ባኒ (ሕብስቲ) ክንደይ ኣትዩ?

“ጸሊምን ጻዕዳን ኣሎ፤ ሓለብ (khleb) ይብሃል፤ ጸሊም ባኒ 48 ሩብል፤ እቲ ጻዕዳ (ካብ ስርናይ ዝስራሕ) ድማ 25 ሩብል ይሽየጡ። ካብ ስገም ዝስራሕ ባኒ ድማ ብ15 ሩብል ይርከብ”

ድሕሪ ኲናትን ቅድሚ ኲናትን ዘሎ ዋጋ ከተነጻጽሮ ትኽእል’ዶ?

“ክልተ ሩብል’ዩ ወሲኹ፤ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኰነን። ቁሩብ ኮሚደረ ክብር ኢሉ’ዩ፤ ግን ምስቲ ኲናት ዝተሓሓዝ ኣይኰነን። ሽጉርቲ 10 ሩብል ወሲኹ ኣሎ፤ ግን ኣብ ሓጋይ ክመሓየሽ እዩ”።

ማክያቶን ቮድካንከ?

ኣብ ሩስያ ዝዝውተር ‘ሻሂ ቡን’ ካፖት (Kompot) ይብሃል። ካብ ኢንጆሪን ጽሟቕ ካልኦት ኣትኽልትን እዩ ዝዳሎ።

ድሓር ብሻሂ መልክዕ ተዳልዩ ይቐርብ።

ሻሂን ቡንን ገዲፍና ግን ዕቱብ መስተ ሩስያ ከነልዕል፤ ቮድካ።

ብዙሓት ዓይነት ቮድካ እዮም ዘለው። ኣብታ ሃገር ካብ 250 ሩብል ጀሚሩ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ሩብ ዝሽየጥ ቮድካ ኣሎ።

ነዚኦም ዘፍርዩ ኣሽሓት ኩባኒያታት ኣለው፤ ቮድካ ጸሚቘም ዝሸጡ ፋብሪካታት ማእለያ የብሎምን።

ነዚ’ዩ፡ ቮድካ ፈሳሲ ባኒ ሩስያ እናተባህለ ዝጽዋዕ።

ግን፡ ኣቶ ተፈራ “እቲ ኲናት ስዒቡ ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ የለን” እዩ ዝብል።

ስድራ ኣቶ ተፈራ ልክዕ ከምቲ ኩሉ ሩስያዊ ሓበሬታ ይከታተል’ዩ። ወትሩ ክኣ ፕሬዝደንት ፑቲን ካብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣይፍለን።

ንሱ፡ “ፑቲን ሃገሩ ዝፈቱ ብሄራዊ ጀግናና እዩ” ይብል።

መንእሰይ ወለዶ ግን ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝተፈለየ እናዀነ ይመጽእ እዩ ዘሎ።

“ሞክባ-24፣ ቻናል-24 ዝበሃሉ ማዕከናት ዜና ኣለው፤ ፑቲን (ብዝተፈላለየ መገዲ) ን24 ሰዓታት ከይተራእየ ኣይተርፍን። ህዝቢ ኣብ ጐኑ’ዩ ዘሎ፤ ግን ድማ ሃገሮም ራሕሪሖም ዝሃደሙ’ውን ኣሎ። ጸላኢ ክመጽእ እንከሎ ሃገር ራሕሪሖም ዝኸዱ ሰባት ዝኸሰሩ’ዮም ክብል ሎሚ ዘረባ ኣስሚዑ’ዩ” ይብል ኣቶ ተፈራ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ “ሚኒስትሪ ምክልኻል ድማ ብዛዕባ እቲ ኲናት መዓልታዊ ብቴሌቪዥን ሓበሬታ ይህብ’ዩ” ኢሉ።

ኣቶ ተፈራ፡ ንኢትዮጵያን ሩስያን ፍሉይ ፍቕሪ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብዙሕ ምምስሳል ከም ዘሎ ይዛረብ።

ንኣብነት፡ ኣብ ሞንጐ ኣዲስ ኣበባን ሩስያን ናይ ራሕቒ እምበር ናይ ሰዓት ኣፈላላይ የለን።

ኣቶ ተፈራ፡ እቲ ኲናት “ኣብ መወዳእታ 2024 ከብቅዕ’ዩ” ብምባል ይዛረብ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ናብ ኲናት ክኸትት ተጸዊዑ’ዶ?

“እወ ጻውዒት ቀሪቡ’ዩ፤ ግን ትሕቲ 40 ዓመት ዘለው እዮም ተጸዊዖም” ብምባል ሕጂ’ውን ግን ኣገዳሲ እንተዀይኑ ንክዘምት ድልዊ እየ" ኢሉ።