እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሬዝደንት ፑቲን፡ ኣብቲ ንኽልተ ሰዓታት ዘስምዖ ፍሉይ መደረ እንታይ ኢሉ?
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሃገሩ ካብቲ ምስ ኣመሪካ ዝኣተወቶ 'ኒው ስታርት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕል ኑክሌር ከምዝሰሓበት ኣፍሊጡ።
"ሩስያ ካብ ውዕል ኒው ስታርት ስሒባ'ላ" ክብል ፑቲን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ሃገራዊ መግለጺ ተዛሪቡ። ብሰንኪ ምዕራባውያን ሃገራት ንዩክረይን ዝህብኣ ዘለዋ ወተሃደራዊ ደገፍ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ድማ ኣሚቱ።
እቲ ውዕል፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻር ዝዓለመ ኮይኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ንዝለወን ብዝሒ ናይቲ ኣዕናዊ ኣጽዋር ከጉድል ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ።
እቲ መራሒ ክረምሊን፡ "ኣብ ባይታ ዝመደበሮም ስትራተጂካውያን ትካላት ኣብ ናይ ውግእ ተጠንቀቕ ክጸንሑ" ከምዝኣዘዘ'ውን ሓቢሩ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሩስያ ኑክሌራዊ ፈተነ ኣጽዋር ከተካይድ ድልውቲ'ያ ክብል ተሰሚዑ።
"ሓቂ'ዩ፡ ንሕና ኣይንጀምሮን ኢና" ዝበለ ፑቲን "ኣመሪካ ፈተነታት እንተካዪዳ ግና፡ ንሕና'ውን ከነካይድ ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ሃገራትን ሩስያን ዘሎ ወጥሪ ከየጋድዶ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሎሚ ኣብ ዘስምዖ ነዊሕ መደረ “ኣብ ዓለምና ብርቱዕ ለውጢ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሃገርና ግዜ ኰይና እየ ዝዛረብ ዘለኹ" ክብል መደረርኡ ጀሚሩ።
"ታሪኻዊ ፍጻመታት መጻኢ ሃገርና ክውስኑ እዮም. . . ነፍሲ ወከፍና ክኣ ብዓቢ ሓላፍነት ዝተኣሰረና ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ፑቲን እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር ሕጂ’ውን “ፍሉይ ስርሒት” ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ ሃገሩ ካብ መንግስቲ ዩክሬይን ዝመጽእ “ቀጻሊ ስግኣትን ጽልእን” ናዚ ትብድህ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ንሱ፡ሩስያ ስግኣት ናዚ ኣጋጢምዋ ዝብል ምጉት ብተደጋጋሚ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።
ዩክሬይን ድማ፡ሓገዝ ሩስያ ክትጽበ ጸኒሓ እያ ክብል ተዛሪቡ፤ እንተዀነ መንግስቲ ዩክሬይን ነዞም ኩሎም ክስታት ይነጽጐም።
ብተወሳኺ፡ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሩስያ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዞባ ዶንባስ ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ድልየት ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ሃገራት ምዕራብ ዘርኣይኦ ተበግሶ መወዳእትኡ “ምትላል” ከምኡ’ውን “ጨካን ሓሶት” እዩ ኰይኑ ብምባል ኪቭ ባዮሎጂካውን ኒዩክሌራውን ኣጽዋራት ክትእክብ ትፍትን ነይራ ክብል ብመረዳእታ ዘይተደገፈ ርኢይቶ ሂቡ።
“እዚ ጸገም ብሰላም ንምፍታሕ፣ ነዚ ኣጸጋሚ ጐንጺ ሰላማዊ መዋጽኦ ንምርካብ ንደራደር፣ ኩሉ ዝክኣለና ንገብር ኣለና፤ ብድሕሬና ግን ኣዝዩ ዝተፈለየ ተርእዮ ተዳልዩ ነይሩ” ይብል።
ኲናት ዩክሬይን፡ ሃገራት ምዕራብን ዩክሬይንን እየን ጀሚረንኦ ዝበለ ፑቲን፡ “ክደግሞ’የ፤ በዚ ኲናት ዝንቀፉ ንሳቶም’ዮም፤ ንሕና ድማ ነዚ ጠጠው ንምባል ሓይሊ ንጥቀም ኣለና” ኢሉ።
ድሕሪ እዚ፡ ኣብቲ መደረ ዘስምዓሉ ኣዳራሽ ዝተረኸቡ ሰባት ሓያል ጣቕዒት ኣስሚዖም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ድሕነት ሙኒክ፡ ኣንፈት ተግባራት ምዕራብ ንምዝባዕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክስታት ይድርበዩ ነይሮም ብምባል፡ መላእ ዓለም ናብ ዕግርግር ኣእቲዮምዋ ክብል ነቒፉ።
ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘቕርቦ ነቐፌታ ዝቐጸለ ፑቲን፡ ምዕራብ እቲ ከባቢያዊ ግጭት ናብ ዓለማዊ ጐንጺ ክዓቢ ይደልያ እየን ኢሉ።
እቲ ፕሬዝደንት ዘቕርቦ መደረ ኣዝዩ ነዊሕ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ንክፍላተ ሰራዊቱ ዝጥምት ነዊሕ መልእኽቲ ከም ዘዳለወ እንተዀነ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ስለ ዝኽእል ከሕጽሮ እየ ክብል ተዛሪቡ።
“ንስድራን ኣንስትን (ወተሃደራት) ደኒነ ከመስግን ይደሊ” ክብል እንከሎ ሓያል ጣቕዒት ኣሰንዩዎ።
እቲ ኲናት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘሕደሮ ጽልዋ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ግንባራት ንዝተዋግኡ መምሃራን፣ ሸቃሎን ሓረስቶትን ኣመስጊኑ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ዙርያ ኣተኣላልያ ወተሃደራትን ፖሊሲታት ምኽታት ወተሃደራትን ነቐፌታ ክበጽሖ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደርኡ ንተገንጸልቲ ዞባታት ዶኔትስክን ሉሃንስክን ዘልዓለ ኰይኑ፡ ህዝቢ እተን ዞባታት ዩክሬይን “ኣሕዋትን ኣሓትን፤ ሕጂ ዳግም ብሓባር ኰይንና ኣለና። ዝያዳ ጠንኪርና ኣለና ማለት እዩ” ኢሉ።
ፑቲን፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ንናጽነት ክልቲአን ዞባታት ኣፍልጦ ምሃቡ ከም ዝኣወጀ ይዝከር።
ንሱ ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ዘስምዖ መደረ፡ ንወተሃደራትን ስድራኦምን ሃገዝ ክግበር ምዃኑ ገሊጹ።
ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ውግእ ስድርኡ ዝስኣነ ዋላ’ውን ገዲም ዝዀነ ሩስያዊ ክሕገዘሉ ዝኽእል ምትሕብባር ማሕበራዊ ሓልዮት ከም ዝህሉ ብምግላጽ፡ እዚ ማሕበራውን ሕክምናውን ሓገዝ ከምኡ’ውን ዕድላት ስራሕን ካልኦት ጉዳያትን “ኣብ ትኽክለኛ ሰዓት” ተበጻሕቲ ክኸውን ከም ዝገብር ሓቢሩ።
ሃገራት ምዕራብ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ቁጠባዊ እገዳታት ከም ዘንበራ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ እታ ሃገር ሃሰያ ኣየውረደን ዝበለ ፑቲን፡ ንሓዋሩ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ዝህሉ ጽግዕተኝነት ንምንካይ ውሑስ ስርዓት ክሃንጽ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ።
“ጌጋና ክንደግም የብልናን፤ ቁጠባና ከነዕንዎ የብልናን” ኢሉ።
ወሲኹ፡ ሃገራት ምዕራብ ዘንበርኦም እገዳታት ህዝቢ ሩስያ “ንክሳቐ” ዕላማ ዝገበሩ እኳ እንተነበሩ፡ ሸቶኦም ኣይሃረሙን ብምባል፡ ብጽሒት መተዓዳደጊ ገንዘብ እታ ሃገር ዝዀነ ሩብል ኣብ ዓለምለኻዊ ምትዕድዳጋት “ብዕጽፊ” ወሲኹ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ መጻኢ ቁጠባዊ ምትእስሳራት እታ ሃገር ዝምልከት ትኹረት ከም ዝህሉ ዘአንፈተ ፕሬዝደንት ፑቲን፡ ሩስያ ምስ ሃገራት ምብራቕ ኤዥያ ዘለዋ ርክብ ንምዕባይ ካብ ሞስኮ ናብ ካዛን ከምኡ’ውን ምስ ሞንጐሊያን ቻይናን ዘራኽቡ መሳለጥያ መገዲታት ክህነጹ ምዃኖም ሓቢሩ።
ኣብ 2022፡ ቁጠባ እታ ሃገር ብ2.2 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝጐደለ እቲ ፕሬዝደንት ጠቒሱ።
ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይኤምኤፍ)፡ እዚ ዋላ’ውን እታ ሃገር ኣብ ዓለም ዝተሓተ ቁጠባዊ ዕብየት ተርኢ ዘላ ሃገር ዝገብራ እንተዀነ፡ እቲ ቀጠብኣ ግን ትሕቲ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ እዩ ጐዲሉ ክብል ኣረጋጊጹ።
ኣይኤምኤፍ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ጥቕሉል ሓፈሻዊ ምህርቲ እታ ሃገር ብ6 ሚኢታዊት ምንካይ ከርኢ’ዩ ኢሉ ነይሩ።
ንግዳዊ ምንቅስቓስ ሩስያ ድማ፡ ናብተን ኣብ ልዕሊኣ እገዳታት ዘይገበራ ሃገራት ከም ዝዘረ እቲ ትካል ገሊጹ። ንኣብነት፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳታት ብምግባር ነዳዲ ከም ዘይገዝእኣ ድሕሪ ምግላጸን ህንድን ቻይናን ዝዓበየ ነዳዲ ሩስያ ዝገዝኣ ሃገራት ኰይነን እየን።
ሩስያ፡ ምስ ህንዲ፣ ኢራንን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዘለዋ ዓለምለኻዊ ርክባት’ውን ክጠናኸር ትደሊ። በዚ መሰረት፡ መገዲታት ባቡር ምዝማንን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዘለው መገዲታት ጽዕነት ምምሕያሽን ኣካል ቀጸልቲ መደባቱ ምዃኖም ኣብሪሁ።
ፕሬዝደንት ፑቲን ዘረባ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን፡ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ ኣብቲ ሓደ ዓመት ዝገበረ ኲናት ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሐ ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን ዝገልጽ ጸብጻብ ወግዓዊ ገይሩ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዝብሎ፡ ኣብቲ ኲናት 8006 ሰባት ምሟቶም ክረጋገጽ እንከሎ፡ ካልኦት 13 ሽሕን 287 ሰባት ቈሲሎም።
ይኹን’ምበር እዚ ቑጽሪ ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።