ብሊንከን ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር ክትህባ ከም እትኽእል ገሊጹ

ቻይና ኣብ ውግእ ዩክሬን ዘገልግል፡ ኣጽዋርን ተተኮስትን ንሩስያ ክትህባ ትሓስብ ከም ዘላ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ ።

ብሊንከን ንኣገልግሎት ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኩባንያታት ቻይና ንሩስያ መጠናዊ ጉድኣት ዘስዕብ ኣጽዋር ክትህባ ከም ዝጸንሐት ብምምልካት ሕጂ ግን በይጂንግ "ሓደገኛን ቀታልን ደገፍ" ክትገብር ከም እትኽእል ዘመላኽት ሓድሽ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

እዚ ከኣ ንቻይና "ከቢድ ሳዕቤን" ከም ዘምጽኣላ ኣጠንቂቑ ።

ቻይና፡ ነቲ ሞስኮ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትህባ ሓቲታ ኣላ ዝብል ዘረባ ነጺጋቶ ኣላ ።

ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ወራር ሩስያ ክዅነን ዝግበኦ እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ግጭት ግን ገለልተኛ ብምዃን እቲ ጉዳይ ብሰላም ክዓርፍ እዩ ዝጽውዕ ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ሃገሩ ምስ ሩስያ ንዝህልዋ ርክብ ኣመሪካ ኣጻብዕታ ከተወጣውጠላ ከም ዘይትቕበሎ ገሊጹ።

ሚስተር ብሊንከን፡ ትማሊ ቐዳም ኣብ ባየር ሙኒክ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጸጥታ፡ ምስ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ቻይና ዋንግ-ዪ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ ምስ ሲቢኤስ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ቻይና፡ ንሩስያ ሓደገኛ ዝዀነ ቀታሊ ኣጽዋር ክትህባ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ።

"ክሳዕ ሕጂ፡ ኩባንያታት ቻይና፡ ንሩስያ ኣብ ኩናት ዩክረይን ክትጥቀመሉ እትኽእል ዝተፈላለየ ሓገዝ ክትገብር ከምዝጸንሐት ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ግን ሓደገኛን ቀታልን ደገፍ ክትህብ ከምእትኽእል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ቻይና ክትገብሮ እትኽእል መደባት እንታይ ምዃኑ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ይኹን እምበር እቲ ቻይና ንሩስያ ክትህባ እትኽእል ሓገዝ ኣጽዋርን ተተኮስትን ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ኣሜሪካ፡ ንሓደ ቻይናዊ ኩባንያ ነቲ ንሩስያ ብኣሽሓት ዝቑጽሩ ወተሃደራት ዘቕርብ ጉጅለ ዋግነር እተሰምየ ሓይሊ ናይ ሳተላይት ስእሊ ሂባ ብምባል ኣጊዳቶ እያ።

ሚስተር ብሊንከን ንቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ርግጽ እዩ፡ ኣብ ቻይና ኣብ መንጎ ናይ ብሕቲ ኩባንያታትን እታ ሃገርን ምንም ፍልልይ የለን" ኢሉ ።

ኣሜሪካ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብ ሰማያት ቻይና ትዝምቢ ንዝነበረት ባሎን ተኲሳ ድሕሪ ምውዳቓ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን በይጂንግን ዝጸንሐ ርክብ ተዳኺሙ ነይሩ።

ክልቲአን ሃገራት ቁጠዐ ዝሓዘለ ናይ ሕርቃን ቃላት እኳ እንተተለዋወጡ፡ ክልቲኦም ወገናት ግን በቲ ፍጻመ ሓፊሮም ንቕድሚት ክስጉሙ ዝተዳለዉ ይመስሉ።

ይኹን እምበር፡ ቻይና ነቶም ኣብ ዩክረይን ዝዋግኡ ዘለው ሩስያውያን ንምሕጋዝ ኣጽዋር እንተልኢኻ ርክባት ኣሜሪካን ቻይናን ክሕርፍፍ እዩ።

እቲ ሚስተር ብሊንከን ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ብንጹር ቻይና ንሩስያ ሓገዝ ንኸይትህብ ንምዕጋታ እዩ ዝመስል።

ብሊንከን ብተወሳኺ ቻይና ንሩስያ ሓገዝ ብምሃብ ካብቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝተስገደደ እገዳ ከተናግፋ እተግብሮ ዘላ ደገፍ ኣሻቓሊ ምዃኑ ገሊጹ።

ቻይና ምስ ሩስያ እተካይዶ ዝነበረት ናይ ነዳዲ፡ ጋዝን ከሰልን ንግዳዊ ልውውጥ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ኣባላት ኔቶ እንተላይ ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ታንክታት ዘጠቓለለ ዝተፈላለየ ኣጽዋር፡ ተተኮስትን መሳርሒታት ዓውደ ውግእ ይልእኹ ኣለዉ።

እቲ ነፈርቲ ኵናት ምልኣኽ ዝብል ግን ዝተቛረጸ እዩ ዝመስል።

"ኣብ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ኣጽዋር ከነድህብን ኸነተኵርን ከም ዘይብልና ብቐደሙ ንጹር እዩ ነይሩ" ከኣ ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ ምዕራባውያን ዩክረይን "ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ" ካብ ሩስያ ከጋጥማ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝሕግዛ ኣጽዋር ክህልዋ ከም ዘለዎ ክረጋገጽ ይግባእ ኢሉ።

ሩስያ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባታት ዩክረይን መጥቃዕቲ ንምክያድ ትዳሎ ኣላ።

እቲ ከባቢ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ካብቲ ሓያል ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታታት እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቻይና ዋንጊ ዪ ብቐዳም ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቻይና ውግእ ዩክረይን ብሰላም ክፍታሕ ከም ዘለዎ እያ ትኣምን። ስለ ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ነዳዲ ኣይወሰኸትን ኢሉ።

ቻይና ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ንመርገጺኣ ዝገልጽ ሰነድ ከም እትዝርግሕ ሚስተር ዋንግ ኣብቲ ቀዳም ዝሃቦ መደረ ገሊጹ ።

እቲ ሰነድ ከም ዝሕብሮ ከኣ ግዝኣታዊ ሓድነት ኵለን ሃገራት ክኽበር ኣለዎ ዝብል እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቻይና ዋንጊ ዪ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤውሮጳ ንዚርከቡ ፈተውቱ ነዚ ውግእ እዚ ደው ንምባል እንታይ ዓይነት ጻዕሪ ክንገብር ከም እንኽእል ብህድኣት ክሓስብ ይግባእ” ኢሉ።

ወሲኹ፡ “እቲ ዝርርብ ክዕወትን እቲ ውግእ ኣብ ቀረባ ግዜ ክውዳእ ዘይደልዩ ሓይልታት ኣለዉ" ኢሉ።

እንታዎት ምዃኖም ግን ኣይገለጸን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታጃኒ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ዝኽሪ እቲ ሩስያ ንዩክረይን ዝወረረትሉ ዓርቢ 24 ለካቲት ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ "መደረ ሰላም" ከቕርብ መደብ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ታጃኒ ንሬድዮ ኢጣልያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዢ ዘቕረቦ መደረ ንሩስያ ከይኰነነ እቲ ኵናት ብሰላም ክውዳእ ከም ዘድልዮ ገሊጹ ኣሎ ።

ኣብቲ ኣኼባ ሚስተር ብሊንከንን ምኒስተር ዋንግን ብዛዕባ እታ ኣብ ሰማያት ኣሜሪካ እትዝንቢ ዝነበረት ብሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ እተወቕዐት ባሎን ሓያል ቃላት ከም ዝተለዋወጡ ተሓቢሩ።

ብሊንከን ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣሜሪካ "ንልዑላውነታ ዝጥሕስ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይትጻወርን እያ። እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ከኣ ክድገም የብሉን” ኢሉ።

ንሱ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ “ ናይ ቻይና ናይ ዳህሳስ ባሉን" ኣብ ሓሙሽተ ክፍላተ-ዓለም ዝርከባ ካልኦት ሃገራት እውን ከም ዘተሓሳሰበን ገሊጹ ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ዋንግ ብወገኑ ነቲ ኵነታት፡ "ብኣመሪካ ዝስራሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ተረት’ዩ" ብምባል፡ ኣሜሪካ "ንቻይና ንምዕጋትን ንምጭፍላቕን ኵሉ ከም እተጠቐምና" ከሲሱ።

ቻይና ግን እቲ ባሎን ናይ ስለላ ከም ዘይነበረ እያ ትገልጽ።

ትማሊ ሰንበት ንጉሆ ቤጂንግ፡ ኣሜሪካ ነቲ ብዛዕባ ባሎን ዘሎ ተረኽ እንተጋዲዳቶ ሓላፍነቱ ከምእትስከም ብምዝኽኻር ቻይና ነቲ ጕዳይ ክሳብ መወዳእታ ክትስዕቦ እያ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።