እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኣንጻር ሓበራዊ ልምምድ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ናይ መጠንቀቕታ ፈተነ ሚሳይል ኣካይዳ
ሰሜን ኮርያ ትማሊ ቐዳም ኣብ ዘካየደቶ ‘‘ሃንደበታዊ’’ ወታሃደራዊ ልምምድ ብቑዕነቱ ንምርግጋጽ ኣህጉር ዘቋርጽ ባላስቲክ ሚሳይል (ኣይሲቢኤም) ከም ዝተኰሰት መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ጸብጺቡ።
እቲ ሚሳይል ኣብ 67 ደቓይቕ 900 ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ ኣብ ባሕሪ ጃፓን ዓሊቡ ኣሎ።
ፒዮንግያንግ፡ እቲ ፈተነ ከም ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝበላ ተጻባእቲ ሓይልታት ደው ናይ ምባል ዓቕሚ ከም ዘለዋ ዘመላኽት ከም ዝዀነ ገሊጻ።
እታ ሃገር፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ዋሺንግተንን ሴኡልን ስግኣት ኒዩክሌር ሰሜን ኮርያ ንምምካት ዝዓለመ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ ይዳለዋ ኣብ ዘለዋሉ እያ እታ ሃገር ፈተነ ሚሳይል ገይራ ዘላ።
እዚ ንሰሜን ኮርያ ንምውራር ዝዓለመ እዩ ዝብሉ ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ንከምዚ ዓይነት ወተሃደራዊ ልምምዳት ‘‘ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ’’ ግብረ መልሲ ክህቡ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።
ሓፍቱ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ዝዀነት ኪም ዮ-ጆንግ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝሃበቶ ተወሳኺ መግለጺ፡ ንዝዀነ ተጻብኦ ‘‘ከቢድን ዘሰንብድን’’ ግብረ መልሲ ክወሃብ እዩ ኢላ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ እተካይዶ ‘‘ምፍርራሕ’’ ደው ክተብሎ እውን ጸዊዓ።
እንተዀነ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ሴኡል ዒላማ ሚሳይላት ሰሜን ኮርያ ከም ዘይትኸውን ገሊጻ ኣላ።
ሰሜን ኮርያ ብዓርቢ ገዚፍ ምርኢት ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ከተካይድ እንከላ ልዕሊ ደርዘን ኣህጉር ዘቋርጹ ሚሳይላት (ኣሲቢኤም) ኣሰሊፋ ነይራ።
ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ካብ ዝጸብሕብ ንድሓር ንፈለማ እዋን ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል፡ ኢኢዜድ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ባሕሪ ቁጠባዊ ዞባ ጃፓን ከም ዝዓለበ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉምዮ ኪሺዳ ተዛሪቡ።
ሚሳይላት ኣይሲቢኤም፡ ማእከል ከባቢታት ኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ክበጽሑ ምኽኣሎም ኣሻቐልቲ ይገብሮም።
ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ሃማዳ ያሱካዙ፡ እቲ ብቐዳም ዝተተኮሰ ሚሳይል ክሳብ 14 ሽሕ ኪሎ ሜትር ክጓዓዝ ስለ ዝኽእል፡ ናብ ኣሜሪካ ክበጽሕ ይኽእል ምንባሩ ገሊጹ።
ንሱ ‘‘ሰሜን ኮርያ እትፍጽሞም ዘላ ተደጋገምቲ ተግባራት ንድሕነትን ጸጥታን ጃፓንን ማሕረሰብ ዓለምን ዝጻብኡን ይቕረ ዘይበሃሉን እዮም’’ ኢሉ።
ኣብ ጀርመን ዋዕላ ዘካይዱ ዘለዉ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ እውን ንተግባር ሰሜን ኮርያ ኰኒኖም ኣለዉ፡፡
እቶም ሚኒስተራት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሰሜን ኮርያ ‘‘ስግኣት ዞባውን ዓለም ለኻውን ሰላምን ጸጥታን’’ ከም ዝዀነት ብምግላጽ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝረብሕ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም።
ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መደባት ባላስቲክ ሚሳይልን ኒዩክሌራዊ ኣጽዋርን ሰሜን ኮርያ ክልከላ ዘንበረ እኳ እንተዀነ፡ ነታ ሃገር ግን ኣጽዋር ካብ ምምዕባልን ናይ ረኣዩዎም ሰልፍታት ካብ ምክያድን ደው ኣየበላን።