ዋንጫ ዓለም 2022፡ ቐጠር ብኤኳዶር ተሳዒራ፣ መኽፈቲ ኸ ከመይ ነበረ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣአንጋዲት ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር፡ ሰንበት 20 ሕዳር ኣንጻር ኢኳዶር ኣብ ዘካየደቶ ፈላሚ መኽፈቲ ጸወታ፡ ብቐሊሉ 2 ብ 0 ተረቲዓ።
ድሕሪ’ዚ ውጽኢት መኽፈቲ ጸወታ፡ ዝዀነ ምስ ቐጠር ዝተኣሳሰር ሰብ እንተወሓደ ንዝቕጽል ሰሙን ነዚ ዝሓለፈ ጸወታ 90 ደቓይቕ ክርስዕ ክደሊ እዩ።
እታ ብፈሊክስ ሳንቸዝ እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብ ምሉእ ‘ቲ ጸወታ ኣድማዒ ፈተነ ከይገበረት’ያ ተሳዒራ ዘላ።
ኣብ ታሪኽ ውድድር ዋንጫ ዓለም ድማ፡ ፈላመይቲ ኣብ መኽፈቲ ጸወታኣ ዝተሳዕረት ኣአንጋዲት ሃገራዊት ጋንታ ኰይና’ላ።
ሕልሚ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምግሃዱ እታ ብተስፋ ዝጀመረት መኽፈቲት መዓልቲ፡ ንተጻወትን ደገፍትን ናብ “ሕልሚ ቐትሪ” ክትቅየር ግዜ ኣይወሰደን።
ስነስርዓት መኽፈቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ 12 ዓመት፡ ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም - ፊፋ - ዝነበረ ሴፕ ብላተር፡ ፖስታ ቀሊዑ መሰል ምእንጋድ ዋንጫ ዓለም 2022 ንቐጠር ከም ዝተዋህበ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ’ታ ሃገር ብዙሕ ተባሂሉ እዩ።
ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጉዳይ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት፡ ኣተሓሕዛ ሕደ-ጾታውነት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ነቲ ‘ታ ሃገር ዝገበረቶ ድንቂ ዝዀነ ምድላዋት ኣንጸላልይዎ’ኳ እንተጸንሐ፡ ሰዓታት ቅድሚ’ቲ ናይ ሰንበት መኽፈቲ ጸወታ ካብ ስታድዩም ወጻኢ ግን ልዑል ፍናን ዓሲሉ ነይሩ።
ኣባላት ጸጥታ ክሳብ መእተዊ ብኣግማልን ኣፍራስን ተሰሪዖም ክኸዱ እንከለዉ፡ ብኸበሮን ባህላዊ ሳዕስዒት ዓረብ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት’ውን ይረኣዩ።
ደቂ ዓዲ፡ ድምጾምን ደገፎምን ዝያዳ ዓብላሊ’ኳ እንተነበረ፡ እቶም ነዊሕ ዝተጓዕዙ ደገፍቲ ኢኳዶር’ውን ኣይሓመቝን፣ ብውሁድ ድምጺ፡ ንጋንትኦም ይደርፉን ይጭርሑን ነይሮም።
ጸወታ፡ ኣብቲ ብመልክዕ ዳስ በደዊን - ዓረብ ዝተሰርሐ ስታድዮም ኣልበይት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብተዋሳኣይ ሞርጋን ፍሪማን ዝምራሕ ጽባቐ ዝመልኦ ስነስርዓት መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፣ ‘ሪግረሽን ሲንድሮም’ ብዘለዎ ቐኒም ኣል ሙፍታሕ ገለ ምዕራፋት ቁርኣን ተነቢቡ።
ብተወሳኺ፡ ካብ BTS ዝዀነ ‘ዓለማዊ ሱፐርስታር’ ጁንግ ኩክ ሓዳስ ንጽል ደርፉ፡ ምስ ቐጠራዊ ድምጻዊ ፋሃድ ኣል ቝበይሲ ብሓባር ኣቕሪብዋ።
ኣብ ደውሓ፡ ተዓዘብቲ ነቲ ጸወታ ብዓበይቲ ስክሪናት ክዕዘቡ ኣቐዲሞም እዮም ክእከቡ ጀሚሮም።
ብዛዕባ’ቲ ቐጠር ሻምፕዮን ኵዕሶ እግሪ ኤስያ ዝዀነቶን፡ ዘለውዋ ምኵራት ተጻወትቲን ዘመዝገብዎ ዓወታትን ካልእን ዝተጻሕፈ ወይ ዝተነግረ ሒደት እዩ።
ብቕዓትና እዚ ኣይኰነን
ፈሊክስ ሳንቸስ፡ እታ ጋንታ ዘርኣየቶ ጸወታ፡ ትሕቲ ብቕዓታ ምዃኑ እዩ ዝምጕት።
ንሱ ድሕሪ’ቲ ጸወታ፡ "እዚ ዝተጸበናዮ ውጽኢት ከም ዘይኰነ ርዱእ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ሕጂ፡ ነቲ ግጥም ክንትንትን፣ ናብ ዝቐጽል ኣድሂብና ነዚ ክንርስዕ ናትና ግደ እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ኣሰልጣኒ ኣስዒቡ፡ "መመኽነይታ ኣየድልን እዩ፣ ነቶም ዓወት ዝግባኦም ኢኳዶራውያን ዮሃና” ኢሉ። “ብዙሕ ክምሓየሽ ዝግባኦ ነገራት ኣሎና፣ በቲ ዝበለጸ ደረጃና ኣይተጻወትናን። ምናልባት እቲ ሓላፍነት ወይ ስምዒታት ገዚኡና ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
ተሓሒዙ፡ "እዚ ዘሰንብድ ጅማረ ንዝተረፈ ጸወታ ዝውስን እዩ፤ እቲ ጸቕጢ ግን ክንርስዖ ኣለና፡" ክብል ንጋንታኡ ተላብዩ።
ቐጠር፡ ኢኳዶራዊ ኤነር ቫለንሽያ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብዘመዝገባ ሸቶ ኣብ ቀዳሞት ደቓይቕ ክትቅጻዕ ትኽእል ነይራ። እንተዀነ ቪድዮ ዳንነት ብዝረኣየቶ ጻውዒት ‘ኦፍሳይድ’፡ ዕረፍቲ ረኺባ ነይራ።
እዚ ይዅን እምበር፡ እታ ኣአንጋዲት ሃገር ጸወታኣ ከተመዓራሪ ብዘይምኽኣላ፡ ኣጥቃዓይ ዌስትሃም ነበር ቫለንሽያ፡ ብመገዲ ፍጹም ቅላዕ፡ ድሒሩ ድማ ብርእሱ ብልጽቲ ሸቶ ብምውሳኽ፡ ኢኳዶር ንዕረፍቲ 2ብ0 መሪሓ ክትወጽእ ኣኽኢልዋ።
ኤኳዶራውያን መዓልቶም እናስተማቐሩ፡ እቶም ባህላዊ ክዳውንቲ ዓረብ ዝለበሱ ደገፍቲ፡ ብስቕታ ተዋሒጦም፡ ብዙሓት ድማ ጸወታ ገዲፎም ብኣጋ ክወጽኡ ተራእዮም።
እንተዀነ ማልያ ሃገራዊት ጋንታኦም ዝተኸድኑ ፍሉያት ደገፍቲ ግን ነታ ጋንታ ክሳብ ምወዳእታ ኣሰንዮምዋ እዮም።
ብዙሓት ብጸወታን ውጽኢትን ጋንታኦም ዘይዓገቡ ደገፍቲ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣይተመልሱን፤ ሓያለ መናብር ከኣ ኣብ ካልኣይ እብረ ጥርሑ ተሪፉ።
ብዛዕባ እዚ ባዶ መንበር ዝተሓተተ ሳንቸዝ፡ "ሓቂ ንምዝራብ፡ ነዚ ክጥምት ኣብቲ ጸወታ ዓቢይ ስራሕ እዩ ነይሩኒ" ኢሉ።
እቲ ኣሰልጣኒ፡ ኣብ ዝቕጽል ዝሓሸ ተወዳዳርነት ከም ዘርእዩን፡ ደገፍቶም ክኽሕሱን፡ በቲ ሓቀኛ ብቕዓት እታ ጋንታ ክጻወቱን ምዃኖም ቃል ኣትዩ።
"እዚ፡ ካብቲ ዝበለጸ ብቕዓትና ዝረሓቐ'ዩ፣ እዚ ውድድር ሓጺር ስለዝዀነ ንዝቕጽል ጸወታ ተመዓራሪና ክንቀርብ ኢና ንዓና ድማ ዝሓሸ ክኸውን ተስፋ ንገብር” ኢሉ።
እንተዀነ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ውድድራት ዝሓሸ ከም ዘይኰነ እዩ ዝግመት።
ዝጽበያ ዘሎ ናይ ምድብ ጸወታ ምስ ሰኔጋልን ሆላንድን እዩ።
ቐጠር፡ ነቲ ኣብ 2010 ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ምድብ ጸወታታት ዝተገለፈቶ እትደግም ካልኣይቲ ኣአንጋዲት ሃገር ብምዃን ንዘስዕቦ ውርደት ከተወግድ ዘድሊ ምምዕርራይ ክትገብር ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ዝባና ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







