ንሰሙናት ኣብ ከቢድ ውግእ ዝጸንሓ ታይላንድን ካምቦዲያን

ታይላንድን ካምቦድያን ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ክገብራ ከም ዝተሰማምዓ ምኒስተራት ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ሎሚ ቀዳም ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኵሉ ምንቅስቓሳት ሰራዊት ደው ክብልን ኣብ ከባቢታት ዶብ ዝነብሩ ሰላማውያን ሰባት ናብ መረበቶም ክምለሱን ተሰማሚዖም ኣለው።

እዚ ድማ ነቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ጽዑቕ ግጭት ዶባት ደው ከብሎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ውግእ ብውሕዱ 41 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ኣስታትሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተመዛቢሉ።

እቲ ተዅሲ ደው ምባል ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ (05፡00 GMT) ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ን72 ሰዓታት ምስ ጸንሐት፡ ብታይላንድ ዝተታሕዙ 18 ወተሃደራት ካምቦድያ እውን ክፍትሑ ምዃኖም እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ፡ ሰበስልጣን ታይላንድን ካምቦድያን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ውግእ ንምቍራጽ ዝዓለመ ንሓያሎ መዓልታት ዝርርብ ድሕሪ ምክያዶም ዝመጸ ምዕባለ እዩ።

እቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ሲቪላት፡ ሲቪላዊ ንብረትን ትሕተ ቅርጽን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ​​ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ዕላማታት ክልቲኡ ወገን፡" ምቍራጽ ዘጠቓልል እዩ።

"ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ካብ ምልዓል፡ ገስጋስ ወይ ምንቅስቓስ ሰራዊት ክቑጠቡ ኣለዎም፡" ይብል እቲ መግለጺ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ምፍታሕ ናይቶም ብታይላንድ ተታሒዞም ዘለዉ 18 ወተሃደራት ካምቦድያ "ብመንፈስ ኣዋጅ ኩላ ላምፑር" ከም ዝካየድ ሓቢሩ።

እዚ ስምምዕ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝተሳተፎ ስነ-ስርዓት ዝተኸተመ እዩ።

እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ሓድሽ ግጭታት ምስ ተላዕለ ፈሪሱ።

ካብ ሽዑ ጀሚሮም ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዕርቂ ኣብ ምጥሓስ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ሰራዊት ታይላንድ፡ ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ኡቦን ራትቻታኒ ብካምቦድያ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ብምሃብ፡ ሓደ ወተሃደር ታይላንድ ከም ዝተቐትለ ይገልጽ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ካምቦድያ ብወገኑ፡ ሓይልታት ታይላንድ እቶም ኣቐዲሞም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ካምቦድያ ሕነ ከም ዘይትፈዲ ይምጕት።

ነዚ ምክሳስ ስዒቡ እቲ ጐንጺ ኣብ ምሉእ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ ጸኒሑ። ብዓርቢ ታይላንድ ኣብቲ ምስ ካምቦድያ ዘዋጥጣ ዶብ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ።

ሓይሊ ኣየር ታይላንድ፡ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ከባቢ ምስ ወጽኡ፡ "ንጽኑዕ ወተሃደራዊ መደበር" ካምቦድያ ከም ዝሃረመ ገሊጹ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ካምቦድያ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ኣባይቲ ዝተፈጸመ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ መንጐ ታይላንድን ካምቦድያን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ግን ሓደ ወተሃደር ካምቦድያ ኣብ ግጭት ምስ ተቐተለ እቲ ወጥሪ ተጋዲዱ።

ኣብ ሓምለ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ጽዑቕ ውግእ ብምክያድ ዓሰርተታት ወተሃደራትን ሲቪላትን ሞይቶም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወሰኽቲ ሰላማውያን ሰባት ድማ ተመዛቢሎም።

ድሕሪ ምትእትታው ማሌዥያን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ድርድር ክካየድ እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ነቲ ስምምዕ ፈሪመን ነይረን።

ትራምፕ ነቲ ስምምዕ "ስምምዓት ሰላም ኩላ ላምፑር" ኢሉ ሰምዩዎ።