ታይላንድን ካምቦድያን ናብ ሓድሽ ውግእ ዘምረሐን እንታይ እዩ?

ኣብ ዶባት ታይላንድን ካምቦድያን ዝነብሩ ኣሽሓት ሰባት፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ተመዛቢሎም።

ብሰንኪ እዚ ክልአቲን ሃገራት ኣብ ዝዋጠጣሉ ዶባት ዝተላዕ ግጭት፡ ሸውዓተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ሰዓርተታት ከም ዝቘሰሉን ተገሊጹ።

እቲ ግጭት ዳግም ብምጅማር ዝካሰሳ ዘለዋ ክልአቲአን ሃገራት፡ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ጀሚሩ ክዋጠጣ ዝጸንሓ ኰይነን፡ ቅድሚ እቲ ብሰኑይ ዳግም ዝጀመረ ግጭት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ማሊዥያ ኣንዋር ኢብራሂም ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ ሓምለ ስምምዕ ሰላም ፈሪመን ነይረን።

እዚ ስምምዕ'ዚ፡ ኣብ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝተረኸበሉ እዩ ተፈሪሙ።

ሰራዊት ታይላንድ፡ ብሰኑይ ካምቦድያ ኣብ ልዕሊ ፕሮጀክት ምህንድስና ዘውሕሱ ወተሃደራት ታይላንድ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒስተር ታይላንድ ኣኑቲን ቻርንቪራኩል፡ "ልኡላውነት (ታይላንድ) ንምዕቃብ ኣድላዪ መንገድታት ክጥቀም'የ፡" ክብል እንከሎ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ካምቦድያ ነበር ሁን ሰን፡ "ወረርቲ"፡ ሓይልታቱ ሕነ ክፈድዩ ከም ዝተዃተዅዎም ተዛሪቡ።

ዋላ እኳ ጻዕርታት ሰላም እንተ ተኻየደ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ልዑል ደረጃ ዘይምትእምማን ከም ዘሎን ታሪኻዊ ፍልልያት ከም ዘይተፈትሐን ጸብጻባት የመልክቱ።

ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ምክልኻል ታይላንድ፡ ወተሃደራዊ ስጕምትታት እታ ሃገር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዝኽተል ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ንድሕነት ሰላማውያን ሰባት ቀዳምነት ከም ዝህብ ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒስተር ማሊዥያ ግን ልጓም ክግበር ጸዊዑ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኣብ ሓምለ ዝተፈጸመ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ "ምሉእ ብምሉእ ክድግፋ፡" ጸዊዑ።

ሪየር ኣድሚራል ሱራሳን ኮንግሲሪ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ስርሒታት ታይላንድ ኣብ ወተሃደራዊ ዕላማታት ጥራይ ዘተኰረ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ካምቦድያ ንምንካይ ዝዓለመ'ዩ። ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ካምቦድያ ግን ናብ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት፡ ህዝባዊ ቦታታትን ሕክምናዊ ትካላትን ዘቕንዐ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ህዝቢ ህውከትን ስንባደን ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ፡" ክብል ከሲሱ።

"ታይላንድ ሰላም ትብህግ፤ ሰላም ግን ምስ ድሕነትን ሰላምን ህዝቢ ክመጽእ ኣለዎ።"

ጸላዊ ቀዳማይ ምኒስተር ካምቦድያ ነበር ሁን ሰን፡ ሓይልታት ካምቦድያ፡ "ትማሊ ለይትን ሎሚ ንግሆን" ኣብ ልዕሊ ታይላንድ ሕነ ከም ዝፈደዩ ብምግላጽ፡ "ነቲ ተዅሲ ደው ምባል ንምኽባር ንልዕሊ 24 ሰዓታት ዓቕሊ ከም ዝገበሩ፡" ገሊጹ።

"ሓይልታትና ኣብ ኵሉ ጸላኢ ዘጥቅዖም ቦታታት ክቃለሱ ኣለዎም፡" ክብል ሁን ሰን ብፈይስቡክ ጽሒፉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ምኒስትሪ ምክልኻል ፍኖም ፐን፡ ሓይልታት ታይላንድ ብሰሉስ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ናብ ዶባዊት ግዝኣት ባንቴይ መንቸይ ተዅሲ ብምፍጻሞም፡ ኣብ ጽርግያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክልተ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም።

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ብምጅማር ንሓድሕዶም ይካሰሱ።

ታይላንድ፡ ኣብቲ ዘካትዕ ዶብ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያድ ሓዊሱ፡ ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ኡቦን ራትቻታኒ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ከም ዝሃበት ክትገልጽ እንከላ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ፍኖም ፐን ድማ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሓይልታት ታይላንድ ምዃኖምን ኣብ ካምቦድያ ኣውራጃ ፕረኣህ ቪሄር ምዃኑን ገሊጹ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ንቐጻሊ ምቍራጽ ግጭት ተወፋይነት ኣለዎ፤ መንግስታት ካምቦድያን ታይላንድን ነዚ ግጭት ንምቍራጽ ዝኣተውዎ ቃል ምሉእ ብምሉእ ከኽብሩ ትጽቢት ይገብር፡" ኢሉ።

ኣብ ሓምለ፡ እቲ ን100 ዓመታት ዝጸንሐ ኣብ መንጎ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዝነበረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ፡ ካምቦድያ ሮኬት ናብ ታይላንድ ብምውንጫፍ፡ ድሕሪኡ ድማ ታይላንድ መጥቃዕቲ ኣየር ብምፍጻም፡ ብዓቢዩ ተጋዲዱ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ትራምፕ ውግእ ደው ከብላ እንተ ዘይተሰማሚዐን፡ ኵሉ ዘተ ምጕዳል ቀረጽ ኣመሪካ ደው ከብል ምዃኑ ድሕሪ ምፍርራሕ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ "ቅልጡፍን ብዘይ ቅድመ-ዅነትን፡" ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዐን ነይረን።

ኣብ ጥቅምቲ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝፈረሙን ትራምፕ ነቲ ግጭት ኣብ ምውዳእ ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝረኸበን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።