ታይላንድን ካምቦድያን ንምንታይ እየን ዝዋግኣ ዘለዋ?

ኣብ መንጎ ወተሃደራት ታይላንድን ካምቦድያን ብዘጋጠመ ግጭት 12 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ ታይላንድ ገሊጾም።

እዚ ጎንጺ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ዝጸንሐ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ዝወለዶ እዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ኰይኖም፡ ኵሎም ካብ ሰለስተ ኣውራጃታት ታይላንድ ከም ዝዀኑ ሰራዊት ታይላንድ ሓቢሩ። ብተወሳኺ'ውን ሓያሎ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ። ካምቦድያ ዝዀነ ጕድኣት ኣጋጢምዋ እንተዀይኑ ዛጊት ኣየረጋገጸትን።

ክልቲኦም ወገናት ትማሊ ሓሙስ ኣጋ ምሸት ተዅሲ ተለዋዊጦም። ቀልጢፉ ተጋዲዱ፣ ታይላንድ፡ ካምቦድያ ናብ ሓንቲ ቍሸት ታይላንድ ሮኬት ብምውንጫፍን ኣብ ሓደ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመትን ከሲሳ። ታይላንድ ብወገና ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ካምቦድያ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ እያ።

ታይላንድ ንዅሎም ኣብኡ ዘለዉ ዜጋታታ ክወጽኡ ድሕሪ ምሕባራ ምስ ካምቦድያ ዘለዋ ዶብ ዓጽያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካምቦድያ ምስታ "ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ" ተጠቒማ ኢላ ዝኸሰሰታ ታይላንድ ዘለዋ ዝምድና ኣሐርፊፋቶ ኣላ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጥቓ ዶብ ዝርከቡ ዜጋታተን ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ከም ዝሓተታ ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጽዑቕ ውግእ ከም ዝተፈጸመ መስኪሮም።

"ብሓቂ ከቢድ'ዩ። ናብ ምውጻእ ገጽና ኢና ዘለና፡" ክብል ነባሪ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ታይላንድን ካምቦድያን ንምንታይ እየን ዝዋግኣ ዘለዋ?

እቲ ምስሕሓብ ቅድሚ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ፈረንሳይ ንካምቦድያ ድሕሪ ምጕባጣ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተጠረረሉ እዋን እዩ።

ነገራት ብወግዒ ኣብ 2008 ተጻባእቲ ኰይኖም፡ ካምቦድያ ኣብቲ ዘካትዕ ከባቢ ዝርከብ ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ቤተመቕደስ ከም ቅርሲ ዓለም ዩኔስኮ ክትምዝግብ ምስ ፈተነት - እዚ ስጕምቲ ካብ ታይላንድ ሓያል ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ስፍሕ ዝበለ ግጭታት ተራእዩ፣ ብኽልቲኡ ወገን ወተሃደራትን ሰለማውያን ሰባትን ክቕተሉ ተራእዮም።

እቲ ዳሕረዋይ ወጥሪ ኣብ ግንቦት ሓደ ካምቦድያዊ ወተሃደር ድሕሪ ምማቱ ተጋዲዱ። እዚ ድማ ክልተኣዊ ርክብ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣጥሒልዎ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ክልቲአን ሃገራት ንሓድሕደን ናይ ዶብ ገደብ ኣንቢረን እየን።

ካምቦድያ ካብ ታይላንድ ዝኣቱ ከም ፍረታትን ኣሕምልትን ኣጊዳ፡ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኢንተርነትን ካብ ወጻኢ ምእታው ደው ኣቢላ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዶብ ህላወ ሰራዊት እውን ኣጠናኺረን እየን።

እቲ ግጭት ናበይ ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ?

ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፉምታም ወቻይቻይ፡ ምስ ካምቦድያ ዘሎ ዘይምርድዳእ "ተነቃፊ" ኰይኑ ከም ዘሎን ብጥንቃቐ፡ ከምኡ'ውን ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዝሰማማዕ መንገዲ ክእለ ከም ዘለዎን ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒስተር ካምቦድያ ሁን ማኔት፡ ሃገሩ ነቲ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሖ ከም እትደሊን፡ "ኣንጻር ዝተዓጠቐ ወራር ብዕጡቕ ሓይሊ ምላሽ ካብ ምሃብ" ሓሊፋ፡ "ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብላ"ን ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሒሩ ግን ቀልጢፉ ሃዲኡ።

እቲ ውግእ ናብ ምሉእ ኲናት ክሳገር ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ይመስል።

ወዲ እቲ ሓደ ሓያል መራሒ ነበር ሁን ማነት ናተይ ዝብሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን የብሉን። ኣቡኡ ሁን ሰን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ስምዒታት ንምርግጋጽ ነዚ ግጭት ዝያዳ ክደፍኦ ፍቓደኛ እዩ ዝመስል።

ኣብ ታይላንድ፡ ብታክሲን ሺናዋትራ ዝድገፍ ገና እግሩ ዘይተኸለ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ኣሎ።

ታክሲን ምስ ሁን ሴንን ስድርኡን ጥቡቕ ውልቃዊ ዝምድና ከም ዘለዎ ይኣምን ነይሩ። ሁን ሰን ድማ ጓሉ ፓቶንግታርን ሺናዋትራ ካብ መዝነታ ክትእገድ ዝገበራ ናይ ብሕቲ ዕላል፡ ኣሕሊፉ ብምሃቡ ዝተጠልመ ኰይኑ'ዩ ዝስምዖ።