ድሕሪ'ቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ዕድል ናብ ቓዛ ዝበጽሑ መራሕቲ ሃይማኖት 'ልብና ተሰይሩ እዩ' ኢሎም

ኣብ እየሩሳሌም ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ቓዛ ድሕሪ ዝገበሩዎ ምብጻሕ፡ በቶም ብጥምየትን ጽምጺ ቦምባን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት - ብሕልፊ ህጻናትን ቈልዑን - "ልቦም ተሰይሩ ከም ዝተመልሱ፡" ገሊጾም።

ላቲናዊ ፓትርያርክ ካርዲናል ፒርባቲስታ ፒዛባላ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ "ሰባት ንእሽቶ መግቢ ንምርካብ ተስፋ ብምግባር፡ ንሰዓታት ኣብ ጸሓይ ክጽበዩ ርኢና ኢና፡" ኢሎም።

"እዚ ብዓይንኻ ክትርእዮ ከለኻ ክትጻወሮ ዝኸብድ ኣጸጋሚ ውርደት'ዩ። ብሞራል ዘይቅቡልን ዘይምኽኑይን'ዩ።"

ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ግሪኽ ቴዎፍሎስ ሳልሳይ፡ ቤተክርስትያኖም ምስ "ምሉእ ህዝቢ ቓዛ፡ ብሓባር ደው ክትብል" እያ ኢሎም።

እዞም ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት፡ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ልዕሊ እትርከብ ካቶሊካዊት ቅድስቲ ስድራቤት ቤተክርስትያን ጕድኣት ድሕሪ ምብጽሑ እዮም ናብ ቓዛ ምብጻሕ ገይሮም። በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ'ታ ኣብ ጐበጣ እስራኤል ዘላ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ክርስትያናዊት ቍሸት ታይበህ ብኣኽረርቲ ሰፋሮ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ብሕርቃን ተለፎን ከም ዝደወለሉ ይንገር።

ቤትጽሕፈት ናታንያሁ፡ እቲ "ኣንፈቱ ስሒቱ" ዝተባህለ ተተኳሲ ንቤተክርስትያን ቓዛ ብምውቃዑ፡ ዓሚቝ ጣዕሳ ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ክርስትያናት፡ እቲ ኣምልኾ ዝግበረሉ ቦታ ኰነ ተባሂሉ ዒላማ ተገይሩ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም እዮም።

ኣስታት 400 ሰባት ኣብቲ ቀጽሪ ክዕቈቡ ጸኒሖም እዮም፤ ኣብዚ እዋን እስራኤል ሰባት ካብ ገለ ክፋል ቓዛ ክወጽኡ ኣዚዛ ትርከብ።

ላቲናዊ ፓትርያርክ ካርዲናል ፒርባቲስታ ፒዛባላ፡ ክርስትያናት ከም ካልኦት ፍልስጤማውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።

ካብ ማሕበረሰብ ክርስትያን እቲ ከባቢ፡ "ሰለስተ ሰባት ሞይቶም'ዮም፤ ድሮ ግን ኣብ ቓዛ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሞይቶም ኣለዉ፡" ኢሎም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ታይበህ ዝተፈጸመ ዓመጽ ሰፋሮ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ፡ "ሰፊሕ ተርእዮ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ መሬት ኰይኑ፡" ምህላዉ እውን ሓቢሮም።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጣልያን፡ እቶም ፓትርያርክ 500 ቶን ሓገዝ ሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝኣተዉ እኳ እንተ ገለጸ፡ ፒዛባላ ግን ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ጉዳያት "ሓንቲ ግራም" እውን እንተዀነት ክሳዕ ሕጂ ክኣቱ ከም ዘይከኣለት ገሊጹ።

እቶም ሓገዝ ትጽቢት ገይሮም ናብ ቤተክርስቲያን ዝመጽኡ ሰባት'ውን ተስፋ ቈሪጾም ከም ዝርኣዩዎም ገሊጾም።

ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ 21 ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኰይኑ ኣብቲ ከባቢ ልዑል ሕጽረት መግቢ ኣስዒቡ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ክልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ድማ፡ "ብሕሱም ጥምየት፡" ዝተጠቕዑ ሰባት ከም ዝረኸቡን እዚ ድማ ሰፊሕ ዕንወት የስዕብ ከም ዘሎን ሓቢሮም።

"ብሓመድ ዑናታት ኢና ሓሊፍና፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝፈረሱ ህንጻታትን ቴንዳታትን ኣለዉ - ኣብ መረባታት፡ ጐደናታትን ኣብ ገማግም ባሕርን፡" ክብሉ ካርዲናል ፒርባቲስታ ፒዛባላ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልቲኦም መራሕቲ ቤተክርስትያን ንልኡኽ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት መሪሖም ናብ ሰሜን ራማላ ኣብ እትርከብ ታይበህ ብምኻድ ምስ ነበርትን ካህናት እቲ ከባቢን ክራኸቡ እንከለዉ፡ ነበርቲ ብሰፋሮ ዝተፈጸመ ሓያሎ መጥቃዕትታት እንታይ ነይሮም ዝብል መብርሂ ገይሮምሎም።

እቲ ዝኸበደ ድማ እቲ ኣብ ጐድኒ ዑናታት ቤተክርስትያን ቢዛንታይን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣተኲሩ ዝረአ ዝነበረ ሓዊ እዩ።

ፖሊስ እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፍሉይ መርማሪ ኣሃዱ፡ "ኣንጻር እቲ ዘደናግር ጸብጻባት፡ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይበጽሐ" ኣብታ ቤተክርስትያን ከም ዝተዓዘበ ሓቢሩ። እቲ ባርዕ ኣብ ጐድኑ ኣብ ዝርከብ ክፉት ቦታ ዝተሓጽረ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰፋሮ ነቲ ባርዕ ክጅምሩዎ ከም ዝረኣየ ገሊጹ። ካልኦት ድማ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ንጥርዓኖም ምላሽ ኣይሃቡን ክብሉ ከሲሶም።

ደቂ ዓዲ፡ ኣኽረርቲ ኣብ ወሰን ታይበህ ዝርከብ ውዲታቶም ሒዞም ብቐጻሊ ከም ዘሸግሩን ከብቲ ንተኽሊ ኣውሊዖም ክበልዓ ከም ዘምጽኡን ይዛረቡ።

ሓደ ካብ መስረትቲ ፋብሪካ ቢራ ታይበህን ዳውድ ኩሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ዝቕጽል ዘሎ ነገር ናይ ብሓቂ መስሓቕ'ዩ፣ እስራኤላውያን ድማ ኢዶም ኣብ መሬትና ኣብ ዘእተውሉ እዋን ድማ ሰባት የሕርቘም'ዩ ዘሎ፡" ኢሉ።

ንሱ፡ ኣኽረርቲ ሰፋሮን ድሕሪ ምጅማር ኲናት ቓዛ ዝረአ ዘሎ ቍጠባዊ ምንቍልቋልን ዝያዳ ክርስትያናት ናብ ስደት ከየምርሑ ስክፍታ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ዘይተለምደ ስጕምቲ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ማይክ ሃካቢ እውን ብሰንበት ናብ ታይበህ ምብጻሕ ገይሩ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ናይ ራዕዲ ተግባር" ክብል ብምዅናን፡ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ክዀኑ ሓቲቱ።

ኣብ ሕሉፍ፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከም ዘይሕጋዊ ንዝረአ ሰፈራታት ኣይሁድ ብዝድግፍ መግለጺታቱ ዝፍለጥ ወንጌላዊ ፓስተር ሁካቢ፡ "ቤተክርስትያን፡ መስጊድ ወይ ምኩራብ ምጥቃዕ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣምላኽን'ዩ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ላቲናዊ ፓትርያርክ ካርዲናል ፒርባቲስታ ፒዛባላን ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ግሪኽ ቴዎፍሎስ ሳልሳይን፡ ጳጳስ ሊዮን ካልኦት መራሕቲ ዓለምን ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበርን ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንኽፍትሑን ዝቐርብ ዘሎ ዓለምለኻዊ ጻውዒት ግብራዊ ክኸውን ሓቲቶም።

"ንሕና ኣንጻር እስራኤል ኣይኰንናን፣ ግን ብግልጽን ንጹርን ክንዛረብ ኣለና። እዚ ፖሊሲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተቐባልነት የብሉን፣ ብሞራል ድማ ከነመኽንዮ ኣይንኽእልን ኢና፡" ክብሉ ካርዲናል ፒርባቲስታ ፒዛባላ ተዛሪቦም።