ህጻናት ኣብ ሪጋ መግቢ እንከለዉ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቃዛ ተቐቲሎም

እስራኤል ኣብ ኣብ ጥቓ ሕክምናዊ ማእከል ቃዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ቀረብ መግቢ ዝጽበዩ ዝነበሩ፡ ሸሞንተ ህጻናትን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም 15 ሰባት ከምዝሞቱ ሆስፒታል ካብቲ ቦታ ኣፍሊጡ።

ሆስፒታል ኣል-ኣቕሳ፡ እቶም ህጻናት ዝርከብዎም ውልቀሰባት፡ ኣብ ከተማ ደይር ኣልባላ መመላእታ መአዛዊ መግቢ ክረኽቡ ኣብ ዝጽበዩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብቲ ሆስፒታል ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሬሳታት ሓያሎ ህጻናት ኣብ መሬት ተደፊኡ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ዝተጎድኡ ሰባት ብሰብ ሞያ ሕክምና ክሕከሙ የርኢ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ "ኣሸባሪ ሓማስ" ዒላማ ከምዝገበረ እዩ ዝገልጽ።

"ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይምልከቶም ግዳይ ዝኾኑ ውልቀሰባት ንዝወረደ ዝኾነ ይኹን መጉዳእቲ ከምዝሓዘነ" ብምግላጽ፡ እቲ መጥቃዕቲ ይግምገም ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ካልእ ሸነኽ ቃዛ ሎሚ ሓሙስ፡ ብመጥቃዕቲ ሰራዊት እስራኤል 26 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

እዚ መጥቃዕትታት ዝፍጸም ዘሎ፡ ልኡኻት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ጅሆታትን ቃዛ ንምብጻሕ ኣብ ዶሓ ኣብ ዝካየድ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ኣብ ዝሳተፉሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

ነቲ ግጭት ንምሽምጋል ምስ ቀጠርን ግብጽን ትሰርሕ ዘላ ኣመሪካ፡ ኣብ መዓልቦኡ ከምእተብጽሖ ቃል ኣትያ'ኳ እንተነበረት፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ ዓወት ዝቐረበት ኣይትመስልን።

ስድራ እቶም ዝፈትውዎምን መቐርቦምን ዝሰኣኑ ሰባት ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታል ኣል-ዓቕሳ ክበኽዩን፡ ነቶም ዝሞቱ ህጻናት ኣብ መቓብር ሆስፒታል ኣል ዓቕሳ ቅድሚ ምቕባሮም ዝርንዝሕ እናነብዑ ብጻዕዳ ጨርቂ ገኒዞሞም ከልቅሱን ተራእዮም።

ሓንቲ ኢንቲሳር ዝተበሃለት ነባሪት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ጓላ ፋጢማን ነፍሰጾር ጓል ሓፍታን ካብቶም ዝተቐትሉ ምዃነንን ወዲ ሓፍታ እውን ተሃሪሙ ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ክምዘሎን ገሊጻ።

ሓፍታ፡ "እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ንደቃ መግቢ እንተረኸብኩ ብምባል ኣብ ሪጋ እያ ነይራ። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይፈልጥን" ትብል ኢንቲሳር።

ካልእ ኣብ ጎኒ ኢንቲሳር ደው ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ ድማ "ብምንታይ ሓጢኣት ተቐቲሎም?" ክትብል ትበክይ።

"ዓለም ብምልእታ እናረኣየትን እናሰምዐትን ንመውት ኣለና። ዓለም ብምልእታ ንስምብራት ቃዛ ትዕዘብ ኣላ። ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ሰራዊት እስራኤል እንተምለጡውን ሓገዝ ክረኽቡ ኣብ ዝፍትንሉ ይቕተሉ ኣለው።"

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈ ኣባል ሰራዊት ኑክባ ዝኾነ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ትማሊ ረቡዕ ምሸት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል ኣብ ዋሽንግተን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ሓማስ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ክወስድ ከምዝኽእል ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ዝተዛረበ በዓል ስልጣን ን60 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ስምምዕ እንተተበጺሑ፡ እስራኤል ነቲ ግዜ ተጠቒማ ነቲ ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕ ዝጠልብ ኲናት ቀዋሚ መወዳእታ ከተቕርብ ምዃና'ውን ገሊጾም።

ሓማስ ዕጥቁ ምፍታሕ እንተኣቢዩ፡ እስራኤል ወተሃደራዊ ስርሒታት "ክትቅጽል" እያ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ፡ ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝርርብ ከቢድ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ን"ዘይምትእምማን" እስራኤል ወቒሱ ነይሩ።

እቲ ጉጅለ 10 ጅሆ ዝሓዞም ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕነት ተዓጻጻፍነት ከምዘርኣየ ብምግላጽ፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ዘኸትም "ኩለመዳያዊ" ስምምዕ ይደሊ ከምዘሎ ደጊሙ ገሊጹ።

ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ'ዩ ኣብ ጋዛ ወፍሪ ጀሚሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ጋዛ ብውሕዱ 57,680 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ጋዛ እውን ሓንሳብ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ። ልዕሊ 90 ሚእታዊ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ ይግመት።

ትሕተ ቅርጺ ጥዕና፣ ማይ፣ ጽሬትን'ውን ፈሪሱ. ሕጽረት መግቢ፡ ነዳዲ፡ መድሃኒትን መጽለልን ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ንሰራዊት እስራኤል ንኹሎም ኣብ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ካብቲ ቦታ ንምውጻእን ናብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዝርከብ መዓስከር ንምግዓዝን ውጥን ከዳሉ ኣዚዙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ወሲኹው'ን እቲ ዕላማ፡ ሰባት ኣባላት ሓማስ ከምዘይኰኑ ብመርመራ ምስተረጋገጸ ከምዝምለሱን ክወጹ ከምዘይፍቀደሎምን ገሊጹ።

ሓደ እስራኤላዊ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ግን ካብ "ስርሒት ውጥን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ዝንእስ ኣይኰነን ብምባል ኰኒንዎ።