ክኢላ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩባንያታት ምስ እስራኤል ንግዲ ደው ከብላ ትጽውዕ

ሓንቲ ክኢላ ሕቡራት ሃገራት ንሓያሎ ኣህጉራውያን ኩባንያታት ምስ እስራኤል ምስራሕ ደው ከብላ ጸዊዓ። ኣብ ቓዛን ኣብ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግምን ኣብ ዝፍጸም ገበናት ኲናት ተሓባበርቲ ክገብረን ከም ዝኽእል ድማ ተጠንቅቕ።

ፍራንቸስካ ኣልባኒዘ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸብጻባ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን፡ ነቲ ምስ ሓማስ ዝተፈጥረ ግጭት ንሓድሽ ኣጽዋርን ቴክኖሎጅን መፈተኒ ባይታ ይኸውን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ቍጠባዊ ምጽናት ዓሌት፡" ኢላቶ።

ንጸብጻብ ኣልባኒዘ፡ "መሰረት ዘይብሉ" ብምባል ዝነጸገቶ እስራኤል፡ "ናብ መጕሓፊ ታሪኽ ክትጽንበር እያ፡" ኢላ።

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ሕቡራት ሃገራት ናጻ ኰይኖም፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ንኽመኽሩ ግን ብእኡ ዝተመዘዙ እዮም።

ኣልባኒዘ ካብ ኢጣልያ ዝመጽአት ጠበቓ ኰይና፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ትሰርሕ። ብግልጽን ብቐጥታን ብምዝራብ ከኣ ትፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻባ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ከም ዘላ ገሊጻ እያ።

ብሓሙስ ነዚ ኣበሃህላ ደጊማቶ፡ እስራኤል፡ "ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሓደ ካብቶም ዝጨከኑ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ፡" ኢላ ከሲሳ።

ኣብቲ ጸብጻባ፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝፍጸም ገበናት ኲናት መኽሰብ ይረኽባ እየን ዝበለተን ተሓባበርቲ ኩባንያታት ዘርዚራ።

እቲ ዝርዝር፡ ኣፍራዪ ኣጽዋር ሎክሂድ ማርቲን ኣጽዋር ብምሻጥ፡ ከምኡ'ውን ትካላት ቴክኖሎጂ ኣልፋቤት፡ ኣይቢኤም፡ ማይክሮሶፍትን ኣማዞንን እስራኤል ንፍልስጤማውያን ክትከታተልን ዒላማ ክትገብርን ዘኽእላ ቴክኖሎጂ ምሃብ የጠቓልል።

ብተወሳኺ፡ ካተርፒለር፡ ሁይንዳይን ቮልቮን ትዝርዝር፤ እዘን ኩባንያታት ኣባይቲ ንምዕናውን ብቦምባታት ዝተደብደበ ቦታታት ንምጽራግን ዘገልግላ ማሽናት ከም ዘቕረባ እቲ ጸብጻባ ይሕብር።

ፋይናንሳዊ ትካላት እውን ኣብቲ ዝርዝር ተኻቲተን ኣለዋ፤ ባንክታት ቢኤንፒ፡ ፓሪባስን ባርክለይስን ኣብ ምሉእ እቲ ግጭት ንቦንድ ካዝና እስራኤል ውሕስነት ክህባ ከም ዝጸንሓ ኣልባኒዘ ትገልጽ።

ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ናብተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ኩባንያታት ሕቶታት ኣቕሪቡ እዩ።

ሎክሂድ ማርቲን፡ መሸጣ ወተሃደራዊ ናውቲ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ መንጎ መንግስታት ዝግበር ወግዓዊ ስምምዓት ምዃኑን እዞም ጉዳያት ብዝበለጸ ብመንግስቲ ኣመሪካ ከም ዝተሓዙን ገሊጹ።

ቮልቮ ነቲ ብኣልባኒዘ ዝቐረበ ነቐፌት ከም ዘይቅበሎን "ኣብ ከፊላውን ዘይምሉእን ሓበሬታ፡" ዝተመርኰሰ ምዃኑ ከም ዝኣምንን ገሊጹ።

እቲ ኩባንያ ወሲኹ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝግደስን ግቡእ ኣሰራርሓ ንክኽተል ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕን ገሊጹ። ይዅን'ምበር ቮልቮ፡ ፍርያቱ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን መብዛሕትኡ ግዜ ንዝተፈላለዩ ወነንቲ ስለ ዝሽየጥን፡ ኣብ ግዜ ኣበይ ከም ዝውዕልን መን ክጥቀመሉ ከም ዝኽእልን ክቈጻጸሮ ድሩትነት ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ንግዲ ነተን ስመን ዝተረቝሓ ኩባንያታት ኣታዊ ዝርከቦ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እስራኤል ድማ ነቲ ኲናት ክትቅጽሎ ይሕግዛ። ኣልባኒዘ፡ ኵለን እተን ኩባንያታት ምስ እስራኤል ዝገብርኦ ርክብ ብቕልጡፍ ደው ከብላ ኣለወን ትብል።

እዚ ግን ክሳዕ ክንደይ እዩ ጽልዋ ዘለዎ?

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽእ ጸብጻባት፡ ሕጋዊ ስልጣን ኣይሃሉዎ ደኣ'ምበር፡ ኣቓልቦ ግን ይስሕብ እዩ።

ኣልባኒዘ፡ ኣብ ቍጠባ ዝተመርኰሰ ዝምድናታት ኣተኲሮ ብምግባር፡ ንሓያሎ ሃገራት ኰነ መንግስታት ኣብ ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ብምጥቃስ ከተዘኻኽር ትጽዕር ኣላ።

ብዙሓት ትካላት ንግዲ ምስታ ዘርኣዊ-ፍልያ ዝነበራ ደቡብ ኣፍሪቃ ንግዲ ብምግባር፡ ንዝተወሰነ እዋን ጽቡቕ ገንዘብ ይረኽባ ነይረን።

እንተዀነ፡ እቲ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ግን ዓለምለኻዊ ነቐፌታን እገዳ ሕቡራት ሃገራትን ወሪዱዎ፣ ትካላት ወፍሪ ደው ከብላ'ውን ኣገዲዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ስርዓት ኣፓርታይድ ንምውጋድ ሓጊዙ።

ኣልባኒዘ ኣስማት ፍሉጣት ኩባንያታት ብምዝርዛር - ልክዕ ከምቲ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገበሩዎ - ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሚልዮናት ተጠቀምቲ ካብተን ኩባንያታት ክገዝኡ ድዮም ኣይክገዝኡን ንኽውስኑ ዝሕግዞም ሓበሬታ ክትህቦም ተስፋ ትገብር።

እዘን ኩባንያታት፡ ኣብ ክህሉ ዝኽእል ምጽናት ዓሌት ይሳተፋ እየን ዝብል ሓሳብ ግን ከቢድ ኣበሃህላ እዩ - ሕጊ ምጽናት ዓሌት ኣዝዩ ጽኑዕ ስለ ዝዀነ፡ ኣጋጢሙ እንተዀይኑ ቤትፍርዲ ጥራሕ እዩ ክውስን ዝኽእል። ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ሕጂ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ፡ ብዛዕባ'ቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቕረበቶ ተመሳሳሊ ጉዳይ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝቐረበ ክሲ ይምርምር ኣሎ።

ኣብዚ ጉዳይ ምስታፍ ወይ ተሓባባሪ ምዃን ማለት፡ ውልቀሰብ ይዅን ኩባንያ ዋላ ከይሓሰቦ ምጽናት ዓሌት ንምክያድ ዝሕግዝ ተግባራት ከም ዝፈጸመ እዩ ዝሕሰብ።

ኣልባኒዘ እዚ ክሲ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ንእስራኤል ኣብ ውግኣ ክሕግዛ ዝኽእል ናውቲ ዝሸይጥ ንግዲ ክቐርብ ከም ዝኽእል ትእምት።

ገለ ኣህጉራውያን ጠበቓታት፡ ንእስራኤል ኣጽዋር ምሻጥ ኣብ ምጽናት ዓሌት ሓጊዝኩም ወይ ተሳቲፍኩም ዝብል ክሲ ከስዕብ ከም ዝኽእል ንመንግስታት ኤውሮጳ ገሊጾም።

እስራኤል ንኣልባኒዘ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክሳዕ ጸረ-ሴማውያን ክትብል ከሲሳታ እያ። ነዚ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ድማ፡ "መሰረት ኣልቦ፡ ጐዳእን ንመርገጺኣ ብዘይግቡእ ምጥቃምን፡" ኢላ ነጺጋቶ።

እስራኤል ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸመት ብምኽሓድ፡ ንነብሳ ኣንጻር ሓማስ ትከላኸል ምህላዋ ጥራይ እያ ትገልጽ።

ይዅን'ምበር፡ ኣልባኒዘ ንኣባላት ሕቡራት ሃገራት ጸብጻባ ምስ ኣቕረበት፡ ናእዳን ደገፍን ረኺባ እያ።

ኣብዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እስያን ዓረብን፡ ኩባንያታት ኣብ እስራኤል ወፍሪ ደው ከብላ ንዝቐረበቶ ጻውዒት ደጊፈንኦ። ሓያሎ ካብአን'ውን ምጽናት ዓሌት ይፍጸም ከም ዘሎ ተሰማሚዐን።

ገሊኦም ድማ እስራኤል ከም ብዓል ኣልባኒዘ ዝኣመሰሉ ዓለምለኻውያን ጠበቓታት ሞያዊ ስርሖም ጥራይ ስለ ዝሰርሑ፡ ወቐሳ ከይወርዶም ኣጠንቂቖም።

መብዛሕትኡ ግዜ ንእስራኤል ዝድግፋ ሃገራት ኤውሮጳ ከይተረፋ፡ እስራኤል ንቓዛ እትህቦ ሓገዝ ደው ምባላ ነቒፈን። እስራኤል ነቲ ቦታ ጐቢጣቶ ዘላ ሓይሊ ከም ምዃና መጠን፡ ፍልስጤማውያን ክነብሩ ዝኽእልሉ መንገዲ ንምርግጋጽ ሕጋዊ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ገሊጸን።

እታ ዝዓበየት መሓዛ እስራኤል ዝዀነት ኣመሪካ ግን፡ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጺኣ።

ኣመሪካ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ኣልባኒዘ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ንቝጠባ ኣመሪካን ዓለምን ክትጐድእ ትፍትን ከም ዘላ ብምግላጽ፡ "ዘይቅቡል ጐስጓስ ናይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኲናት፡" ኢላቶ።

መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ሓንቲ ክኢላ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝበለቶ ብዙሕ ኣቓልቦ ክህቦ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። እንተዀነ፡ እተን ኣብቲ ዝርዝር ዝተጠቕሳ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣመሪካ፡ ነቲ ነቐፌታ ናይ ሓያሎ ሃገራት ሰሚዐን ምስ እስራኤል ዘለወን ርክብ ዳግመ-ግምት ክገብራሉ ክጅምራ ይኽእላ እየን።