እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ንምቍራጽ ዝቐረቡላ ነጥብታት
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እስራኤል 'ኣገደስቲ ነጥብታት ብምቕማጥ' ኣብ ቓዛ ን60 መዓልታት ምቍራጽ ተዂሲ ክግበር ከምዝተሰማመዐት ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ "እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ምስ ኵሎም ኣካላት ክንሰርሕ ኢና፡" ኢሉ።
ትራምፕ ኣስዒቡ፡ "ሰላም ንኽሰፍን ቐጠራውያንን ግብጻውያንን ኣዝዮም'ዮም ሰሪሖም፣ እቲ ናይ መወዳእታ እማመ፡ ሓማስ ክሰማምዕሉ ተስፋ እገብር። ክቕበልዎ ኣለዎም ምኽንያቱ ነገራት ካብ ዘለዎ እናሓሸ ዘይኰነ እናኸፍአ'ዩ ክኸይድ" ብምባል ጽሒፉ።
ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሎም 251 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ከዱ'ያ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ መጥቃዕቲ ከተካይድ ጀሚራ።
ክሳብ ሕጂ ከኣ 65 ሽሕ 647 ሰባት ኣብ ቓዛ ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።
ነዚ ሕጂ ትራምፕ እስራኤል ተቐቢለዮ ኢላ ዝብሎ ዘሎ እማም ምቍራጽ ተዅሲ፡ ዕጠቓት ሓማስ ተቐቢሎሞ ድዮም ኣይተቐበልዎን ግን ኣየነጸረን።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ነታንያሁን ንዝመጽእ ሰሙን ብኣካል ክራኸቡ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ጽሑፉ፡ ነታንያሁ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ክውዳእ ከምዝደሊ'ዩ እምንቶይ" ኢሉ።
"ይደሊ'ዩ፡ ይነግረኩም ድንድየ ዘለኹ ክውዳእ ይደሊ'ዩ" ይብል ትራምፕ።
ብሰሉስ ምኒስተር ስትራተጅያዊ ጉዳያት እስራኤል ሮን ረፍመር ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ርብዮን ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስን ኣብ ዋሽንግተን ክራኸብ መደብ ተታሒዝሉ ነይሩ'ዩ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኒ ዳኖን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት እስራኤል "ምቍራጽ ተዅሲ ክግብር ኣዝያ'ያ ትደሊ" ኢሉ እንተዀነ ሓማስ ይሕሰምዎ ከምዘለዉ ገሊጹ።
"ኣብ ልዕሊ ሓማስ ጸቕጢ ንፈጥር ኣለና፣ ናብ ጣውላ መጺኦም ክዛተዩ እንተዘይክኢሎም ግን፡ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ነጻ ከነውጽ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝያዳ ጸቕጢ ምግባር'ዩ" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ነናብ ገዛኦም ምስ ተመለሱ'ዩ እቲ ኲናት ዘብቅዕ" ኢሉ።
ካብቶም ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝተወሰዱ እቶም 50 ኣብ ትሕቲ ሓማስ ኣለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 20 ብህይወት ከምዘለዉ ከኣ ይግመት።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ዕጡቓት ሓማስ፡ መንጐኛታት ኣብ ቓዛ ሓድሽ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲን ምፍታሕ ጅሆታትን ንምግባር ጻዕርታቶም ኣሐይሎም'ኳ እንተሃለዉ፡ ምስ እስራኤል ዝካየድ ዘተ ግን ደው ኢሉ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።
እስራኤልን ሓማስን ዘይተማማዕሉ ሓደ ዓቢ ነጥቢ'ዩ ዘሎ።
እስራኤል እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምሉእ ንምሉእ ደው ንኽብል ሓማስ ፈጺሙ ክበታተን ኣለዎ'ያ ትብል፤ ዕጡቓት ሓማስ ከኣ ቀማዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበርን እስራኤል ጠቕሊላ ካብ ቓዛ ክትወጽእን'ዮም ዝጠልቡ።
እስራኤል ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ሰሜን ቓዛ ወተሃደራዊ ስርሒት ንምክያድ ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝርከቡ ፍሊስጤማውያን ጠቕሊሎም ክወጽኡ ምእዋጃ ይዝከር።
ብሰኑይ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ቓዛ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ሓደ ፍሉጥ እንዳ ሻሂ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ብውሑዱ 20 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ዶካትርን መሰኻኽር ዓይኒን ገሊጾም።
ብዘይካ'ዚ ሰራዊት እስራኤል ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሓደ ረድኤት ዝዕደለሉ ማእከል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ይዝከር።
እቲ ማእከል ብእስራኤልን ብኣመሪካን ዝድገፍ ጂኤችኤፍ [Gaza Humanitarian Foundation] ዝተብሃለ ትካል ግብረ-ሰናይ'ዩ ረድኤት ዝዕድለሉ'ዩ።
ልዕሊ 170 ትካላት ግብረ ሰናይን ዘይመንግስታውያን ትካላትን እቲ ኣካታዕ ዝዀነ ብኣመሪካን ብእስራኤልን ዝምወል ጂኤችኤፍ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ክዕጾ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ።
ከም ኦክስፋምን ሴቭ ዘ ችልድረንን ዝተባሃሉ ትካላትን'ውን፡ ሰራዊት እስራኤል ብድሎ ናብቶም ረድኤት ዝጽበዩን ዝሓቱን ዝነበሩ ፍሊስጤማውያን ተዅሲ ከምዝኸፈቱ'ዮም ዝሕብሩ።
እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ ትካል ግብረ ሰናይ ጂኤችኤፍ፡ ነቲ ሓማስ ኣብ ምዕዳል ረድኤት ዝገብሮ ዕንቅፋት ንምብዳህ ኣገዳሲ ምዃኑ ትማጐት።
ኣብ መጋቢት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ሓድሽ መጥቃዕቲ ምስ ከፈተት፡ እቲ ቅድሚኡ ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ፈሪሱ።
ሰራዊት እስራኤል ነቲ ስጕምቲ "መጥቃዕቲ ንቕድመ ምክልኻልን ነቲ ሓማስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምግባር ዝገብሮ ዝነበረ ምድላዋት ኣቐዲምካ ንምምካንን" ዝዓለመ ከምዝዀነ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ካብ 19 ጥሪ ጀመሩ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ሰለስተ መድረኻት ክህልዎ ተዳልዩ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ቀዳማይ መድረኽ ክሓልፍ ኣይከኣለን።
ኣብቲ ስምምዕ ኣብ ካልኣይ መድረኽ፡ ቀዋሚ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር፡ ኣብ ቓዛ ዝተረፉ ብህይወት ዘለዉ ጅሆታት ንምምላስ ብእስራኤል ዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን ክፍትሑን። ብድሕሪ'ዚ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክወጽኡ ዝብል ነጥቢታት ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ።