እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ስምምዕ ተዅሲ እናኣተስፈወ፡ እስራኤል ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ተካይድ
እስራኤል ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 81 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 400 ድማ ከም ዝቘሰሉ ምኒስትሪ ጥዕና ሓማስ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቓዛ ኣብ ጥቓ ሓደ ስታድዮም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ቈልዑ ዝርከቡዎም ብውሕዱ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ኣልሺፋን መሰኻኽርን ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። እቲ ስታድዮም ተመዛበልቲ ቴንዳ ተኺሎም ዝቕመጥሉ እዩ።
እቲ ቢቢሲ ሓቅነቱ ዘረጋገጾ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሰባት ሬሳታት ንምርካብ ብኢዶምን ባዴላን ሑጻ ክፍሕሩ ይርኣዩ።
ቢቢሲ ርእይቶኦም ንምስማዕ ምስ ሰራዊት እስራኤል ርክብ ገይሩ ኣሎ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ተዅሲ ንምቝራጽ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ተስፋ ኣብ ዝሃበሉ እዩ።
እታ ከም መንጐኛ ኰይና ነቲ ዘተ ተካይዶ ዘላ ቀጠር፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ እስራኤልን ሓማስን ብጸቕጢ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ ነይራ።
እስራኤል ኣብ መጋቢት ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ድሕሪ ምክያዳ፡ እቲ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ፈሪሱ።
እቲ ብ19 ጥሪ ዝጀመረ ስምምዕ ሰለስተ መድረኻት እኳ እንተ ነበሩዎ፡ ክንዮው ቀዳማይ መድረኽ ክሓልፍ ግን ኣይከኣለን።
እቲ ካልኣይ መድረኽ፡ ተዅሲ ብቐዋምነት ደው ምባል፡ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ብፍልስጤማውያን እሱራት ምልውዋጥ፡ ከምኡ'ውን ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክወጽኡ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።
ትማሊ ሓሙስ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም መንጐኛታት ሓድሽ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክካየድን ጅሆታት ክምለሱ ንምቅርራብን ጻዕርታቶም እኳ እንተ ኣሐየሉ፡ ምስ እስራኤል ዝካየድ ዘተ ግን ደው ኢሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ሰልፈኛታት፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ንኽልቀቑ ስምምዕ ክግበር ጸዊዖም፣ "እቲ ኲናት ኣቋሪጽና፡ ንዅሉ ሰብ ብሓደ ምዕራፍ ናብ ገዛኦም ንምምጻእ እቲ ግዜ ኣኺሉ ኣሎ፡" ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግና መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ይቕጽል ኣሎ።
ሓደ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ኣብቲ ኮፍ ኢሎምሉ ዝነበሩ፡ ሓደ ጽርግያ ምስ ተሃርመ ሃንደበት ዓቢይ ነትጒ ከም ዝሰምዑ ይገልጽ።
ኣሕመድ ቅሻዊ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ቦታ ብቴንዳታት ዝመልአ እዩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ እቲ ቴንዳታት ኣብ ትሕቲ-መሬት ተደቢኑ እዩ። ብጥራሕ ኣእዳውና ድማ ንሰዓታት ክንኵዕት ኣሕሊፍናዮ፡" ኢሉ።
"ኣብዚ ተደለይቲ ሰባት የለዉን፣ ከምቲ ንሳቶም [እስራኤላውያን] ዝብልዎ ድማ ዝዀነ ግብረሽበራዊ የሎን...። ሰላማውያን ሰባትን ቈልዑን እዮም ብዘይ ምሕረት ዒላማ ዝግበሩ ዘለዉ፡" ኢሉ።
ኣብ ከባቢ ኣልማዋሲ ኣብ ዝርከብ መንበር ህንጻን ቴንዳን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ዝርከቡዎም ተወሰኽቲ 14 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ኣብ ድቃሶም እንከለዉ፡ ሰለስተ ቈልዑ ምስ ወለዶም ብምጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝሞቱ ኣዝማዶም ንኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሮም።
"እዞም ቈልዑ እንታይ በዲሎም? እንታይ ጌጋ ኣለዎም?" ክትብል ዓባዮም ነቶም ቈልዑ ነታ ማዕከን ዜና ሓቢራ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ'ውን ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ብዛዕባ'ዚ ዝተገልጸ መጥቃዕቲታት ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን።
እንተዀነ፡ ኣብቲ ቀዳም ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃካም መሓመድ ዒሳ ኣል-ዒሳ ንዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓማስ ብዓርቢ ኣብ ቓዛ ከም ዝቐተሎ ይገልጽ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ከም መልሰ-ተግባር ምሉእ ኲናት ኣዊጃ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 56,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።