ኣብ መውዓሊ ህጻናት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን 33 ህጻናት ዝርከቡዎም ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ሱዳን፡ ዞባ ደቡብ ኮርዶፋን ኣብ እትርከብ ከተማ ካሎጊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ሓደ መዋእለ ህጻናት ከም ዝሃረመን 33 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 50 ሰባት ከም ዝቐተሉን ይግለጽ።

እቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ምስ ሰራዊት ዝዋጋኡ ብዘለው ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ (RSF) ከም ዝተፈጸመ፡ ትካል ሕክምና፡ መርበብ ሓካይም ሱዳንን ሰራዊትን ከሲሶም።

ክሳብ ሕጂ ካብቲ ዕጡቕ ጕጅለ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።

ዳዕመ ሰሪዕ ብግዲኡ፡ ብዓርቢ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ብሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ከሲሱ።

ኣብ ጥቓ እቲ ዕዳጋ፡ ለማት ኣብ ዶብ ጫድ ኣብ እትርከብ ኣድሬ መኽዝን ነዳዲ ኣሎ።

ብዛዕባ እዞም መጥቃዕቲታት ዝወጽኡ ጸብጻባት ብናጻ ወገን ምጽራይ ኣይተኻእለን።

ሱዳን ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ከም ዘላ ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ምስ ሰራዊት ዝተሰለፈ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ፡ እቲ መውዓሊ ህጻናት ካብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዝወጽአ ሚሳይላት ክልተ ግዜ ከም ዝተሃርመ ይሕብር።

ናብቲ ቤት ትምህርቲ ዝተጓየዩ ሲቪላትን ሓካይምን እውን መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ወሲኹ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካሎጊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዝቐረበ ጸብጻባት፡ "ኣብ ቤት ትምህርቲ ህጻናት ምቕታል፡ ዘስካሕክሕ ግህሰት መሰላት ህጻናት'ዩ፡" ብምባል ምላሽ ሂቡ።

ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ ሸልደን የት ወሲኹ፡ "ህጻናት ዋጋ ጐንጺ ፈጺሞም ክኸፍሉ የብሎምን፡" ኢሉ።

እቲ ትካል፡ "ኵሎም ተራጸምቲ ወገናት ነዚ መጥቃዕትታት ብቕልጡፍ ደው ከብሉን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብውሑሱን ዘይተገደበን መገዲ ንክኣቱ ከፍቅዱን፡" የተሓሳስብ ክብል ገሊጹ።

ኣርኤስኤፍ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓገዝ ንምብጻሕን ንግዳዊ ቀረባት ንምስላጥን ዝውዕል ነዝበረ መተሓላለፊ ኣድሬ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክብል እዩ ዝኸስስ።

ነቲ ግጭት ዝከታተል ጕጅለ ተመራመርቲ 'ሱዳን ዋር ሞኒተር' ከም ዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ዕዳጋን ርኡይ ጉድኣት ከም ዘውረደ ገሊጹ።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብዛዕባ'ቲ ካብ ዳርፉር ዝመጽአ ጸብጻባት ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣብ መንጐ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱምን ዳርፉርን ዝርከብ ብሰሜን ኮርዶፋን፡ ደቡብ ኮርዶፋንን ምዕራብ ኮርዶፋንን ዝቖመ ዞባ፡ ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ኣገዳሲ ግንባር ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ሰራዊት ናብ ዳርፉር ገጹ ኣብ ዝደፍኣሉ ዘሎ እዋን፡ ዳርጋ ሸሞንተ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዎ ክልል ኮርዶፋን፡ንምሓዝ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተጠናኺሩ'ሎ።