ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሸ ልኡኽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰሊጡዎዶ?

ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ልኡኽ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝገሸ ጸብጻባት የመልክቱ።

እቲ ልኡኽ፡ 'ኣብ ኣጠቓላሊ ጉዳያት ምስ መንግስቲ ፈደራል ንምዝታይ' ከም ዝተበገሰ ካብ ቤትጽሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት።

ምንጪ ቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ እዩ። ክልቲኦም ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝነበረ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክፍታሕ ኣንፈት ከም ዝተዋህበ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ኣብ መጀመርታ ታሕሳስ 2025፡ ሓላፊት ቢሮ ኮምሽን ፕላን ትግራይ፡ ወይዘሮ ሃንሳ ተኽላይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ናብቲ ክልል ዝተላእኸ ባጀት ከም ዘየሎ ተዛሪባ ነይራ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥጥ፡ ናብ ግጭት ከየምርሕ ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ካብቲ ደው ኢሉ ዘሎ ባጀት ሓደ፡ 844 ሚልዮን -ካፒታል ባጀት እናተብሃለ ዝጽዋዕ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ብሓደራነት ዘመሐድሮ ገንዘብ መንግስቲ ፈደራል (ድሕሪ ኲናት ትግራይ በብወርሑ ዝኽፈል) ክኣቱ ከም ዘይከኣለ ወይዘሮ ሃንሳ ተዛሪባ።

ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመተ-2018፡ ንትግራይ ዝተመደበ 18.8 ቢልዮን ብር ጥሙር ባጀት፡ ንዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ተኻፊሉ፡ በብወርሒ ዝለኣኽ ዝነበረ ኰይኑ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ግን ጠጠው ኢሉ ከም ዘሎ ኣረዲኣ። ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ ምቍራጽ ባጀት ትግራይ ዝምልከት ብወግዒ ዝወጽአ ሓበሬታ ዛጊት የሎን።

ብመሰረት፡ ብመንግስቲ ፈደራል ዝተገብረ ሓድሽ ምምሕያሽ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ 481 ሚልዮን ንወርሒ መስከረም ከም ዝተልኣኸ፡ እንተዀነ ብምኽንያት እቲ ሃጓፍ፡ ምኽፋል ከም ዘይተኽኣለ ምግላጻ ይዝከር።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዘካየዶ ዘተ፡ ጉዳይ እቲ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ዝተቋረጸ ህንጸት ሓጽቢ ማይ ገረብ ሰገን ክቕጽል እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ከም ዘፍቀደ ተሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ሓጽቢ፡ ነታ ኣዝዩ ልዑል ሕጽረት ማይ ዘለዋ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝዀነት ከተማ መቐለ፡ እቲ ዘሎ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ገዲፍ ፕሮጀክት እዩ።

ግድብ ገረብ ሰገን፡ መንግስቲ ንልምዓት መስኖ ኢሉ ዝሃነጾ ካብ መቐለ ኣስታት 24 ኪሎ ሜትሮ ንኣንፈት መንገዲ ሳምረ ይርከብ።

ጸኒሑ እቲ ግድብ ንመስተ ማይ መቐለ እውን ክውዕል እዩ ተባሂሉ። ብኣቘጻጽራ እታ ሃገር ብ2005 ዓ.ም (ቅድሚ 13 ዓመት) ከኣ ህንጸቱ ተጀሚሩ፤ ዛጊት ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይተዛዘመን።

ማይ ናብ ከተማ መቐለ ዘእቱ መስመር ሻምበቆ ምዝርጋሕ ካብ ዝጅመር እውን እንተዀነ ዓመታት ተቘጺሮም'ዮም። ሕጽረት ቀረብ ዝስተ ማይ እታ ከተማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ይመጽእ ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።

ካልእ ኣብ ርክብ እቶም መራሕቲ ተላዒሉ ዝተባህለ ዛዕባ ጉዳይ ሽቕለት ኣልቦነት እቲ ክልል ከም ዝዀነ፡ እቲ ምንጪ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ብዝተፈጠረ ከቢድ ማሕበራዊ፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኵነታት ብዙሓት መንእሰያት ትግራይ ይስደዱ ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ብዝሒ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ናብ ሃገራት ዓረብን ሊብያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝስደዱ መንእሰያት ልዑል ምዃኑ ካብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ እቲ ክልል ክወጽኡ ዝጸንሑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላክቶ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ብውሕዱ 60,000 መንእሰያት ናብ ሃገራት ዓረብን ሊብያን ከም ዝኸዱ ይሕብር። ካብዚኦም 2,000 መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ስደት ዘጋጥሞም ሕማቕ ኵነታት ከም ዝሞቱ ቢሮ ጉዳይ መንእሰያት ትግራይ ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ ኲናት፡ ንስራሕ መንእሰያትን ካልእ ተስፋ ዘለዎ ኵነታትን ፍሉይ ቈላሕታ ዘይምሃብ ነቲ ስደት ከም ዘጋደዶ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኣብቲ ልኡኽ ምክትል ግዚያዊ ምምሕዳር ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ሓላፊ ቢሮ ሃብቲ ማይ ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን ከምኡ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃብትን ዶ/ር ምሕረት በየነ ተረኺቦም እዮም።

ምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ኣብቲ ክልል ብማሕበር ዝተወደቡ ልዕሊ 60,000 መንእሰያት ደለይቲ መንበሪ ገዛ ምህላዎም ብምግላጽ፡ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ልቓሕ መህነጺ ኣባይቲ ዝቕርበሉ ባይታ ከጣጥሕ ሓቲቱ ተባሂሉ ኣሎ።

ሓለፍቲ እቲ ባንኪ፡ ነቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ዝሃቡ ኰይኖም፡ እቲ ባንኪ ድሌት ዓማዊሉ ንምምላእ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ ኢሉ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤምባሲ ኣምባሳደራት ከም ዝተራኸበ'ውን ይግለጽ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይዅን ሰብመዚ ማእከላይ መንግስቲ ግን ብዛዕባ ርክብ እቶም መራሕቲ ዝሃቡዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን።