እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል ዝህቦ ባጀት ተቛሪፁ ድዩ?
ናብ ክልል ትግራይ፡ ዳርጋ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከምዘየለ፡ ሓላፊት ቢሮ ኮምሽን ፕላን ትግራይ፡ ወይዘሮ ሃንሳ ተኽላይ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ንውዕል ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ የእቱ ኣሎ ተባሂሉ ዝንገረሉ፡ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥጥ፡ ናብ ግጭት ከየምርሕ ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ከምኡ ድማ ናብቲ ክልል እዅል ነዳዲ ይኸይድ ከምዘየሎን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ እቲ ክልል ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎን ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም ሰብ መዚ እቲ ክልል ይገልፁ።
ካብቲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ባጀት ሓደ፡ 844 ሚልዮን -ካፒታል ባጀት እናተብሃለ ዝፅዋዕ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ብሓደራነት ዘመሐድሮ ገንዘብ መንግስቲ ፈደራል [ ድሕሪ ኲናት ትግራይ በብወርሑ ዝኽፈል] ክኣቱ ከምዘይከኣለ ወይዘሮ ሃንሳ ተዛሪባ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመተ-2018፡ ንትግራይ ዝተመደበ 18̇.8 ቢልዮን ብር ጥሙር ባጀት፡ ንዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ተኻፊሉ፡ በብወርሒ ዝለኣኽ ዝነበረ ኰይኑ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ግን ጠጠው ኢሉ ከምዘሎ ኣረዲኣ።
ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ ምቍራጽ ባጀት ትግራይ ዝምልከት ብወግዒ ዝወጸ ሓበሬታ ዛጊድ የለን።
ብመሰረት፡ ብመንግስቲ ፈደራል ዝተገብረ ሓድሽ ምምሕያሽ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ 481 ሚልዮን ንወርሒ መስከረም ከምዝተልኣኸ፡ እንተዀነ ብምኽንያት እቲ ሰፊሕ ሃጓፍ፡ ምኽፋል ከምዘይተኽኣለ ገሊጻ።
"ርግፅ እዩ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ቀዲሙ ንሕድሕድ ወረዳ ክንደይ እዩ ዘድሊ ኢሉ ከፅንዕ ነይሩዎ፤ በዚ ምኽንያት ናይ ወርሒ መስከረም ተወሳኺ ተቐቢልና ግን፡ ከይከፈልና ሓሊፍናዮ፤ በቲ ነባር ኢና ከፊልናዮም፤ እቲ ተወሳኺ ኣይተኽፍሎምን" ብምባል፡ ናይ ጥቅምቲን መስከረምን ናይ ክልተ ወርሒ ብሓንሳብ ንምኽፋል መዲቦም ምንባሮም ተዛሪባ።
"እንተዀነ እቲ ናይ ጥቅምቲ ከይመፅአ ተሪፉ፤ ሕዚ ድማ ሕዳር 23 በፂሕና አለና ዝመፅአ ነገር የለን፤ ክሳብ 30 ኣብ ዘሎ ጠቕሊልና ርግፀኛ ምዃን ኣይከኣልን፤ ነገር ግን ነቲ ሰራሕተኛ መሀወኺ፤ ንመንግስቲ'ውን ናብ ሻቕሎት ኣእትዩዎ ኣሎ" ኢላ።
ብዕሊ ሓቲትኩም ዶ ብዝብል ንዝቐረበላ ሕቶ እንክትምልስ፡ "እወ ሓቲትና ኢና፡ ግን ምላሽ ኣይተረኽበን" ኢላ።
ቢቢሲ፡ ካብ ምኒሰስተር ገንዝብ ፈደራል፡ ምላሽ ንምርካብ፡ ብስልክን ብመልእኽትን ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
ብዕለት 12 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም [ግ] ናብ ትግራይ ተላኢኹ ዝነበረ ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር፡ በብወርሒ ተኸፋፊሉ ዝስደድ ዓመታዊ ባጀት፡ 'ዝዕረ ጌጋ ኣለዎ' ብዝብል ካብ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ክምለስ፡ ምኒስተር ገንዘብ ምሕታቱ፡ ሓደ ደብዳበ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ነይሩ።
እቲ ደብዳበ ሓቃዊ ከምዝዀነ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ወይዘሮ ሃንሳ ግን፡ እቲ ደብዳበ ከም ሃገራ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝረኣየቶ፡ እቲ ክዕረ ተባሂሉ ዝተመልሰ ድማ ግልፂ ከምዘይኰነ፡ ብዕሊ ዝተገለፀሎም ነገር'ውን ከምዘይነበረ ኣብሪሃ።
"እቲ ተላኢኹ ዝነበረ መጠን ስሕተት ኣለዋ ኢልና'ውን ኣይተረዳእናን" ዝበለት ሃንሳ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ መንቀሊ እቲ ክልከላ ባጀት ብዝምልከት፡ ካብ ምግማት ሓሊፋ እትብሎ ከምዘይብላ ኣረዲኣ።
'ኣብ ከቢድ ጸገም ኣለና'
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣክሱም ዝተኸብረ ዓብዪ በዓል ሕዳር ፅዮን፡ ባጀት እቲ ክልል ይመፅእ ከምዘየለ ብምግላፅ፡ ናብ ካልእ ዙር ግጭት ከይእተዉ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ምዝራቡ ፀብፃባት ክልላዊ ሚድያታት ይሕብሩ።
ኣብቲ ሃይማኖታዊ በዓል ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እቲ ፕረዚደንት፡ "ባጀት ብዘይምምፅኡ፡ ወርሓዊ መሃያ'ኳ ክንከፍለሉ ኣብ ዘይንኽእል ብርኪ በፂሕና አለና" ኢሉ።
እዚ፡ ዓመታዊ ባጀት ጠጠው ምባል ዛጊድ ዘብፀሖ ጉድኣት እንተሎ ብዝምልከት ዝተሓተት ወ/ሮ ሃንሳ፡ "ከም ከልል፡ እቶት ክንእክብ እንተዀይንና'ውን፡ ባጀት መዲብካ እዩ ዝእከብ፡ ሰራሕተኛ ኣዋፊርካ ኢኻ ትእክቦ፤ ካብ ፈደራል ድማ ዝተፀበናዮ ነይሩ፤ ክንረክብ ኣይከኣልናን፤ ባዕልና ክንእክቦ ኢልና ዝተለምናዮ ነይሩ፤ ከምኡ ከይንገብር'ውን ኣብ ከቢድ ፀገም ኢና ዘለና" ኢላ።
ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ፍልልያት ከምዘለዉ ብምብራህ፡ ገለ ዓበይቲ ከተማታት [ከም በዓል ሽረ፡ መቐለ፡ ዓዲግራት ዝኣመሳለ] ንግዚኡ ካብ ናይ ባዕላዊ ኣታዊ መሃያ ክኸፍላ ዝኽእላ እንተዀና'ኳ፡ ኣብ ከባቢአን ዝርከብ ወረዳታትን ገጠር ግን ጥርዓን ከስመዓ ጀመሪን ከመዘለዋ ሓቢራ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ገለ መንግስታዊ ግልጋሎት ተቛሪፁ ከምዘሎን፡ እዚ ናበይ ከምርሕ ከምዝኽእል ዘለዋ ስግኣት ኣመልኪታ።
እቲ ፀገም ኣብ መላእ ትግራይ ክንፀባረቕ ጀሚሩ ከምዘሎ'ውን ተዛሪባ።
ብዛዕባ ባጀት ክልላት
ብመሰረት ካብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝቐርብ ቀመር፡ ክልላት ካብ ፈደራል መንግስታዊ ቀጥታዊን ዘይቀጥታውን ዓመታዊ ባጀት ይረኽባ እየን።
ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ኣብታ ሃገር ዝግበር ለውጥን ውሳነ መንግስትን ፕሮጀክት ተኰር ዝዀነ ሓገዝን ድጎማን ካብ ማእከላይ መንግስቲ ክለኣኽ ልሙድ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ነተን ሓድሽቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ክልል ዝቘማ ሓዊሱ፡ ብሓፈሻ 12 ክልላትን ክልተ ፍሉይ ምምሕዳራትን ኣለዋ።
ብመሰረት ብዝሒ ህዝበንን ካልኦት መሰረታዊ ድሌታትን ዝግበር ቀመር ድማ፡ ዓመታዊ ክፍፍል ባጀት ይግበር።
በዚ ኣገባብ፡ ካብተን ልዑል ግብሪ ኣታዊ ዝገብራ ክልላት ሓንቲ ከምዝዀነት ዝንገራላ ክልል ትግራይ፡ ኣስታት 18.8 ቢልዮን ቀዋሚ ባጀት ከምዝተመደበላ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ዝወፅአ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኲናት ቅድሚ ምውልዑ፡ ፈደራላዊ መንግስትን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ብምንፍፋጎም ባጀት ትግራይ ተቛሪጹ ምንባሩ ይዝከር።
ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከኣ ኣብ 2023 ነታ ክልል ዝተመደበ ባጀት ዳግማይ ክሰጋገር ጀሚሩ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትፍናን ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ናብ ባጀታዊ ውጥጥ ምእታዎም ነቲ ወጥሪ ዘዕርግ ከይከውን ስግኣት ከምዝፈጥር ይግመት።