ሰራዊት ሱዳን ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሕ ግፍዒ ይፍጽም ከም ዘሎ ክሲ ቀሪቡ

ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ሱዳን፡ ሰባት ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሕ የሳቕዩን "ሰባት ዝቕተልሉ ክፍልታት" የዳልውን ኣለዉ ክብል ሓደ ፍሉጥ ጕጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ከሲሱ።

ጕጅለ ጠበቓታት ህጹጽ እዋን፡ ኣብ ርእሰ-ኸተማ ካርቱም ብኣማኢት ዝቑጸር ማእሰርቲ ከም ዝሰነደ ሓቢሩ።

ኣብቲ "ዝኸፍአ ኵነታት"፡ ገለ ዝተታሕዙ ሰባት ድሒሮም ብዘሰቅቕ ሞይቶም ከም ዝተረኽቡ መርትዖታት ከም ዝረኸበ ገሊጹ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ መጋቢት ነታ ከተማ ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ መንግዚዑ ዳግማይ ዝተቘጻጸራ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ኲናት ሓድሕድ ኣንጻር'ቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ይቃለስ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ብዛዕባ እዚ 'ይፍጽሞ ኣሎ' ዝተባህሎ ግፍዒ ኣመልኪቱ ትማሊ ሰንበት ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ዛጊት መልሲ ኣይሃበን።

ጕጅለ ጠበቓታት ህጹጹ እዋን፡ ኣብቲ ኲናት ብኽልተኦም ወገናት ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ሰኒዱ ይርከብ።

ጠበቓታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓደገኛ ምውሳኽ ጥሕሰት [ሰብኣዊ መሰላት]፡" ከም ዝተዓዘበ ገሊጹ።

ገለ እሱራት ሃንደበት ተታሒዞም ናብ ዓበይቲ መዳጐኒ ማእከላት ከም ዝተወስዱ እቲ ጕጅለ ይኸስስ።

እቲ ትካል ዕጫ ናይቶም ሰባት ዝተፈላለየ ምዃኑ ይገልጽ፣ "ገሊኦም ኣብ ኢሰብኣዊ ኵነታት ተኣሲሮም ይጸንሑ፣ ገሊኦም መሰረታዊ ደረጃታት ፍትሒ ብዘየማልኡ ትካላት ጸጥታ ይፍረዱ፣ ገሊኦም ድማ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ጥዕና ምስ ወረዱ ይፍትሑ፡" ይብል።

"ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ድማ ገሊኦም ሞይቶም ይርከቡ ወይ ብሰንኪ ዝወረዶም ዝቅያት ሞይቶም ይበሃሉ።"

ኣብ እዋን ጨቋኒ ዝነበረ ምሕደራ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒታት ልሙድ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ዳዕመ-ሰሪዕ እሱራት ከም ዘጋፍዕን ዝቐትልን ተረጋጊጹን ተደጋጋሚ ክስታት ቀሪብሉን እዩ።

ሕቡራት ሃገራት - ዓለምለኻዊ ልኡኽ ምርግጋጽ ጭብጢታት - ኣብ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክልተኦም ወገናት ብተሃብር ከም ዝኣስሩን ሕማቕ ኣተሓሕዛ እሱራት ከም ዘካይዱን ሓቢሩ ነይሩ።

ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ዓለምና ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ።

12 ሚልዮን ሰባት መረበቶም ክለቁ ተገዲዶምን ኣብ ገለ ክፋላት ናይታ ሃገር ዓጸቦ ኣኸቲሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትካል ግብረ ሰናይ ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ እዚ ኲናት እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ርእያቶ ብዘይትፈልጥ መጠን ሕማም ኮሌራ ንኸስፋሕፍ ጠንቂ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 100,000 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎምን 2,470 ሰባት ሞይቶምን።