እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢማራት ዓረብ ንክሲ ሰራዊት ሱዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ሓይሊ ኣየር ሱዳን ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝቈጻጸሮ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ሰራዊት ዝጸዓነት ነፋሪት ኢማራት ዓረብ ከም ዘዕነወ ወግዓዊ ተለቪዥን ሱዳን ብረቡዕ ሓቢራ።
ኢማራት ዓረብ ሎሚ ነዚ ክሲ ነጺጋቶ ኣላ።
ሓደ በዓል ስልጣን ኢማራት ዓረብ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል "ሕጂ'ውን እዚ ካብ በዓል መዚ ወደብ ፖርት ሱዳን ዝዝርጋሕ ዘሎ ክስታት ሙሉእ ብሙሉእ ሓሶት እዩ፣ ዝዀነ መርትዖ ዘይብሉን፣ መቐጸልታ ናይቲ በዓል መዚ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝውክል'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቭ ፔትሮ ግን፡መንግእስቲ ክንደይ ኮሎምብያውያን ከምዝሞቱን ሬሳኦም ክምለስ እንተኽኢሉን ንምርግጋጽ ይጽዕር ከምዘሎ ገሊጹ።
ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ብዓለም ለኻዊ ትካላትን መግለጺታት ፖለቲካዊ ሰበስልጣን ኣመሪካን ዝድገፍ፡ እቲ ክስተት ሓቂ ምዃኑ ዝሕብር "እሙን መርትዖ" ጠቒሱ'ሎ።
ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ወተሃደራዊ ምንጪ ሱዳን፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንያላ - ዳርፉር ዝነበረት ዋንነት ኢማራት ዓረብ ዝዀነት ነፋሪት፡ "ብቦምባ ተወቒዓ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወት፡" ንኤፍኤፍፒ ሓቢሩ።
"እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ነቶም ብናይ ብሕቲ ነፋሪት ዝመጽኡ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ወተሃደራት ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ እዩ ኣጋጢሙዎም።"
እታ ነፋሪት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተበገሰት ብምግላጽ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ዕሱባት ወተሃደራት ከም ዝሞቱ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ተለቪዥን ሱዳን ንወተሃደራዊ ምንጪ ጠቒሳ፡ እቶም ዕሱባት ንዳዕመ-ሰሪዕ ንምሕጋዝ ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ከም ኣካል ናይቲ ንሱዳን ንምብታንን ኲናት ንምንዋሕ ዝካየድ ዘሎ፡ "ናይ ወጻኢ ውዲት፡" ምዃኑ ገሊጻ።
ወተሃደራዊ ስለያ ሱዳን ምንቅስቓስ ናይታ ነፋሪትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንያላ ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ርክብን ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ ገና እናዓለበት እንከላ እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተወስደ፡ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
ሱዳን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዕሱባት ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ብምምጻእን ብምምዋልን ኣብ ጐድኒ ዳዕመ-ሰሪዕ ብምስላፍ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ተዋግኦም ከም ዘላ ብሰኑይ ከሲሳ ነይራ።
ሕቡራት ሃገራት ካብ 2024 ኣትሒዙ ህላወ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ኣረጋጊጹ እዩ።
እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፡ ብመንገዲ እቲ ኣብ ንያላ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቢላ ድሮናት ዘጠቓለለ ምዕቡላት ኣጽዋር ንዳዕመ-ሰሪዕ ከም ትጓርተሉ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ፡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዘዕጠቐቶ ብሰፊሑ ክትክሰስ ጸኒሓ።
ኢማራት ዓረብ፡ ካብ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ፖለቲከኛታት ኣመሪካን ኣህጉራውያን ትካላትን ብዙሕ ጸብጻባት እኳ እንተ ቀረበላ፡ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ግን ተራእያ።
ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ፡ መንግስቱ በቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ኮሎምብያውያን ከም ዝሞቱ ንምፍላጥ ይጽዕር ከም ዘሎ ገሊጹ። "ሬሳታቶም ክንመልስ ንኽእል እንተዄንና ክንርኢ ኢና፡" ክብል ድማ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ካብ ኮሎምብያ ዝመጽኡ ዕሱባት ወተሃደራት ብኢማራት ዓረብ ተቘጺሮም ኣብ ከም የመንን ካልኦት ውግኣት ወሽመጥ ዓረብን ከም ዝተሳተፉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ፕረዚደንት ጉስታቮ ፔትሮ፡ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ንምዕሳብ ንዝካየድ ንጥፈታት ደው ንምባል ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ናብ ሞት ዝሽየጡ ንግዲ ደቂ-ተባዕትዮ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ገሊጹ።
ኣብ ቀንዲ መዋፈሪ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝዀነት ከተማ ንያላ ዝርከብ እዚ መዓርፎ ነፈርቲ'ዚ፡ ጀነራላት ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዞም ኣብ ውግእ ሓድሕድ ካብ ዝጽመዱ ንደሓር ብዙሕ ግዜ ደብዳብ በጺሑዎ እዩ።
ክፍሊ ሰባዊ ምርምር ዩኒቨርሲቲ የል ኣብ ዝዘርግሖ ምስልታት ሳተላይት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይታ ርእሰ-ኸተማ ግዝኣት ዳርፉር ዝዀነት ንያላ፡ ሓያሎ ስርሓት ቻይና ዝዀና ርሑቕ ናይ ምጓዓዝ ዓቕሚ ዘለወን ድሮናት ከም ዘርኣየ ይፍለጥ።
ኣብ ሰነ 2025 ሓንቲ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ትዓልብ ነዊሕ ከይጸንሐት ብቦምባ ከም ዝተሃረመት ሰለስተ መሰኻኽር ዓይኒ ንኤፍኤፍፒ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ገሊጾም ነይሮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንመንገዲ ኣየር ሱዳን ካብ መዓርፎ ነፈርታ ከም ዝኣገደት ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ብረቡዕ ገሊጾም።
ኣቬሽን ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነፈርቲ ጽዕነት ሱዳን ኣብታ ሃገር ከይዓልባን ንሓንቲ ነፋሪት ካብ ኣቡዳቢ ከይትብገስን ዝኽልክል ብዝተወስደ ውሳነ፡ "ገሪሙኒ፡" ኢሉ።
እዚ እገዳ በረራ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ካርቱምን ኣቡዳቢን ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና መሊሱ ዘጋድድ ስጕምቲ እዩ።
ኣብ ግንቦት ባይቶ ጸጥታን ምክልኻልን ሱዳን ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና የብቅዕ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
ሱዳን ምስ ኢማራት ዓረብ ዝጸንሐ ርክብ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ደኣ ተቋርጽ'ምበር፡ ገለ ዘይተበትከ መስመራት ግን ጸኒሑ እዩ። ኣብ ኣቡዳቢ ዝነበረ ቆንስል ሱዳን ኣብኡ ንዝቕመጡ ሱዳናውያን ንምሕጋዝ ዳግማይ ተኸፊቱ። ሱዳን ናብ ኢማራት ዓረብ ወርቂ ምልኣኽ'ውን ኣየቋረጸትን።
ሱዳን ኣብዚ ግዜ'ዚ ዝተመቃቐለት ኰይና ኣላ። እቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ጥሙር ሓይሊ ንምብራቕን ማእከልን ሱዳን ዝቘጻጸር ኰይኑ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ንመብዛሕትኡ ክፋል ዳርፉርን ገለ ክፋል ኮርዶፋንን ተቘጻጺሩ ይርከብ።
እቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ ዝጸንሐ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ሓድሽ መንግስቲ ብምቛም 'ሕጋዊ' ኰይኑ ንምቕራብ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ።
ክኢላታት፡ ምቛም ክልተ መንግስቲ ንሱዳን መንገዲ ሊብያ ከይትደግምን ዝበኣሰ ከይትኸውንን የጠንቀቑ።
ካብ ቅደሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዞም ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ልዕሊ 150,000 ሰባት ተቐቲሎምን ልዕሊ 10 ሚልዮን ድማ ካብ ቤተ-ንብረቶም ተመዛቢሎምን።