ን52 ዓመታት ጠፊኣ ዝጸንሐት ሰበይቲ ብህይወት ተረኺባ

እታ ድሕሪ 52 ዓመታት ዝተረኸበት ሰበይቲ ጓል 16 ዓመት እንከላ ብዝተስኣለቶ ስእሊ እያ ተረኺባ

ምንጪ ስእሊ, West Midlands Police

ቅድሚ 52 ዓመት ደሃያ ዝጠፍአት ጓል ኣንስተይቲ ብህይወታ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ተረኺባ።

ኣብ 1972 ጓል 16 ዓመት ከላ ካብ ኮቨንትሪ ዝጠፍአት ሺላ ፎክስ፡ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘላን ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ትነብር ከምዘላን ፖሊስ ዌስት ሚድላንድስ ገሊጹ።

እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንወ/ሮ ፎክስ ንምርካብ ዝሕግዝ ሓድሽ ጻውዒት ዝዘርግሐ ኮይኑ ኣብ ከባቢ እቲ ዝጠፍአትሉ እዋን ዝተስኣለቶ ስእሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦምን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣውጺኡ።

እቲ ጻውዒት ምስ ቀረበ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ዝፈልጥዋ ሰባት ምስ ፖሊስ ርክብ ብምግባር፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ንሓደ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ መርመራታት ደሃይ ምጥፋእ ሰባት ንምፍታሕ ዝሓገዞ ሓበሬታ ኣቕሪቦም።

ኣባል እቲ ጉጅለ መርመራ ዝኾነት ጀና ሻው፡ እቲ ሓይሊ ድሕሪ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ንወ/ሮ ፎክስ ምርካቡ "ፍጹም ታሕጓስ ከምዝተሰምዖ" ብምግላጽ ስእሊ ሺላ ንምርካብ ነፍሲ ወከፍ መርትዖታት ከምዝተፈተሸ ሓቢራ።

ሳጅን ሻው ወሲኻ፡ "ኩሉ ዝጠፍአ ሰብ ዛንታ ኣለዎ፡ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ድማ ምስኦም ክራኸቡን ይግባእ፤ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ክፈልጡን'ዉን ተስፋ ንገብር ኢላ።