እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማሕበራዊ ሚድያ ኤክስ ኣብ ብራዚል ተኣጊዱ
ብቢልየነር ኢሎን መስክ ዝውነን ኤክስ [ትዊተር ነበር] ብትእዛዝ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ብራዚል ተኣጊዱ።
እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ኤክስ ኣብ ብራዚል ወኪል ክመዝዝ ዝሃቦ ናይ ግዜ ገደብ ከየማልአ ስለዝኣኸለ ከምዝኣገዶ’ዩ ገሊጹ ዘሎ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል ኣሌክሳንደር ዲ ሞራስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ኤክስ ኣብ ብራዚል ዘለዎ ግብሪ ክኸፍልን ብቅጽበት ክዕጾን ኣዚዙ ኣሎ።
እቲ ምስሕሓብ ኤክስን ብራዚልን ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ’ዩ ጀሚሩ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ሚያዝያ ኣብ ብራዚል ስኑዕ ሓበሬታት ዝዝርግሑ ሕሳባት ናይ ኤክስ ክዕጸዉ ናብ ኤክስ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ።
ወናኒ ኤክስ ቢልዮነር ኢሎን መስክ ንሕቶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል “ብነጻ ሓሳብካ ምግላጽ ቀንዲ መሰረት ዲሞክራሲ’ዩ፡ ደያኑ ብራዚል ከኣ ንፖሎቲካዊ ዕላማ ክብሉ ነዚ መሰረት እዚ የዕንውዎ ኣለዉ” ዝብል መልሲ ሂብሉ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ’ውን ኢሎን መስክ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬረ ሰታረምር ናይ ቃላት ኵናት ከፊቱ ነይሩ’ዩ።
ሕብረት ኣውሮጳ: ኢሎን መስክ እቲ ዘሎ ኣጠቃቕማ ኤክስ ምስትኽኻል ክገብረሉ’ዩ ሓቲቱ።
ኤክስ ካብ ዝመጽእ 24 ሰዓታት ጀሚሩ ኣብ ብራዚል ኣይክሰርሕን’ዩ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል ኣሌክሳንደር ዲ ሞራስ ንኣፕልን ንጎግልን ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ መዓልታት ንኤክስ ኣብ ብራዚል ከምዘይሰርሕ ክገብርዎ ትእዛዝ ሂብዎም ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ብራዚል ኮይኖም ብቪፒኤን ኣገልግሎት ኤክስ ክጥቐሙ ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ይኹኑ ትካላት ክሳብ ትሽዓተ ሽሕ ዶላር ክቅጽዑ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ኤክስ ኣብ ብራዚል ወግዓዊ ወኪል ክሳብ ዝመዝዝን ሕጊ ብራዚል ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቕጻዕቲ ክሳብ ዝኽፈልን እቲ እግዳ ክቅጽል ምዃኑ ሓቢሩ።
ኤክስ፡ መንግስቲ ብራዚል ብዘቕረበሉ ቅድመ ኩነትን ብዝነደፎ ሕግን ከምዘይከይድ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።
ኤክስ፡ መንግስቲ ብራዚል ንተቓወምቱ ሳንሱር ንምግባርን ንምቁጽጻርን ኢሉ ነዚ ስጉምቲ ከምዝወሰዶ’ዩ ዝማጎት።
ብዘይካ እዚ መንግስቲ ብራዚል ናይ ኢሎን መስክ ኣብ ብራዚል ዝነበሮ ሕሳባት 'ስታርሊንክ' ኣደስኪልዎ ኣሎ።
መንግስቲ ብራዚል ደገፍቲ ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ቦለሶናሮ ኣብ 8 ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዘካየድሉ ኤክስ ቀንዲ መራኸቢኦም’ዩ ነይሩ ብምባል’ዩ ዝኸስስ።
መንግስቲ ብራዚል ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢታት እገዳ ክገብር እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ቴለግራም ንገለ ብራዚላውያን ዓማዊሉ ክዓጽዎም ብመንግስቲ ብራዚል ተሓቲቱ ክገብሮ ስለዘይክኣለ ንግዜኡ ኣብታ ሃገር ተዓጽዩ ነይሩ’ዩ።
ኣብ ትሕቲ ሜታ [ፌስቡክ] ዝመሓደር ዋትስኣፕ’ውን ውልቃዊ ሓበሬታ ተገልገልቱ ኣሕሊፈ ኣይህብን’የ ስለዝበለ ኣብ 2015 ከምኡ ከኣ 2016 ኣብታ ሃገር ግዝያዊ እገዳ ተገይርሉ ምንባሩ ይዝከር።