እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንፕረዚደንትን ስድራኡን ዝጸረፈ ቲክቶከር 6 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ
ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ፡ ኣብ ቲክቶክ ብዝተዘርግሐ ቪድዮ ንፕረዚደንትን ስድራኡን ጸሪፉ ንዝበሎ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ንሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱ።
ኤድዋርድ ኣወብዋ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሰቨኒ፡ ቀዳመይቲ እመቤት ጃኔት ሙሰቨኒን ሓላፊ ሰራዊት ዝዀነ ወዱ ሙሁዚ ካይነሩጋባን ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባ ከምኡ’ውን "ዘደናግርን እከይን" ሓበሬታ ብምዝርጋሕ እዩ ተኸሲሱ።
ኣወብዋ፡ ጸርፊ ዝመልኦ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ወሰኽ ግብሪ ከምዝህሉ ምዝራቡ ኣብቲ ንቤት ፍርዲ ዝቐረበ ክሱ ተሰሚዑ።
እቲ መንእሰይ ቲክቶከር ገበኑ ተኣሚኑ ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ።
እንተዀነ ዋና ዳኛ፡ “ምሕረት ክሓትት'ኳ እንተለመነ ብተግባራቱ ዝተጠዓስ ከምዘይመስልን” ኣብቲ ቪድዮ ዝተጠቕመሉ ቃላት ድማ "ኣዝዩ ጽዩፍ" ምዃኑን ብምግላጽ ንይቕሬታኡ ነጺጋቶ።
ዳኛ ስቴላ ማሪስ ኣማቢሊስ፡ "ተኸሳሲ ካብ ሕሉፍ ተግባሩ ተማሂሩ ኣብ ዝቕጽል እዋን ንስብእና ፕረዚደንት፣ ቀዳመይቲ እመቤትን ወዱን ከኽብር ዘኽእሎ መቕጻዕቲ ይግብኦ'ዩ” ኢላ።
ቲክቶከር ኤድዋርድ ኣወብዋ በቶም ብሓደ ግዜ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረቡ ኣርባዕተ ክስታት’ዩ ንሽዱሽተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።
ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ንሰበስልጣን ዩጋንዳ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምግዳብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ብቐጻሊ ይኹንኑ።
ኣብ 2022፡ ተዓዋቲ ሽልማት ዝዀነ ዩጋንዳዊ ደራሲ ካክዌንዛ ሩኪራባሻይጃ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንትን ወዱን "መጥቃዕታዊ መልእኽቲ" ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ብዝብል ክልተ ክስታት ቀሪቡሉ ነይሩ።
ንሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ስቅያት ይበጽሖ ከምዝነበረ ዝተዛረበ እቲ ደራሲ ኣብዚ እዋን ካብታ ሃገር ሃዲሙ ኣብ ጀርመን ይርከብ።
ኣብ ስደት እትርከብ ተጣባቒትን ጸሓፊትን ስቴላ ንያንዚ ድማ ንፕረዚደንት ሙሰቨኒ ዝነቕፍ ግጥሚ ድሕሪ ምሕታማ ተኣሲራ ነይራ።
ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ካብ 1986 ጀሚሩ - ቲክቶከር ኣወብዋ ቅድሚ ምውላዱ ን14 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ክሳብ ሎሚ ዝቐጸለን መራሒ ዩጋንዳ እዩ።
ኣብ 2022 ንናጽነት ብኢንተርነት ሓሳብካ ምግላጽ ንምዕፋን ዝዓለመ ምዃኑ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ዝነቐፍዎ ሕጊ ኣንጻር ምዝራብ ምፍራሙ ይዝከር።
ቤት ፍርዲ ን"መጥቃዕታዊ መልእኽቲ" ዝቐጽዕ ክፍሊ ናይቲ ሕጊ ዘይሕገ መንግስታዊ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወሲኑ ነይሩ።
ዩጋንዳዊ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ሚካኤል ኣቦነካ፡ ቲክቶከር ኣወብዋ ብተመሳሳሊ ሕጊ ከምዝተኸሰሰን "ዘይንጹር ስለዝዀነ" ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ፍርዲ ይምጕቱ ከምዘለዉን ገሊጹ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ፕረዚደንትን ስድራኡን “ብዝዀነ ኩርናዕ” ክነቕፉ ትጽቢት ክገብሩ ከምዘለዎም ተዛሪቡ።
"ንነፍሲ ወከፍ ዩጋንዳዊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ብምንቃፍ ክንኣስሮ ኢና ዝብሉ እንተዘይኰይኖም" ኢሉ።