እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መስራቲ ቴለግራም ፓቨል ዱሮቭ ኣብ ፈረንሳ ተኣሲሩ
መስራትን ኣካያድን ማሕበራዊ ሚድያ ‘ቴለግራም’ ዝኾነ ፓቨል ዱሮቭ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ኣብ ዝዓለበሉ ብፖሊስ ፈረንሳ ከምዝተኣሰረ ተገሊጹ።
ፓቨል ዱሮቭ ብናይ ውልቁ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ለ ቡርገት ምስ ዓለበ ብፖሊስ ከምዝተታሓዘ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣቓሊሐን።
ብመሰረት ካብ ሰብ መዚ ፈረንሳ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወዲ 39 ዓመት ፓቨል ዱሮቭ፡ ምስቲ ንሱ ዝመስረቶን ዘካይዶን ማሕበራዊ ሚድያ ቴለግራም ብዝተኣሳሰር ሕግታታ ጥሒሱ ብዝብል ክሲ ከምዝተኣረ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ኣምባሳደር ሩስያ ብዛዕባ እቲ ዜጋኡ ዝኾነ ፓቨል ዱሮቭ ዝምልከት ንምፍላጥ ‘ቅልጡፍ ስጉምቲ’ ከምዝወስድ ምሕባሩ ሩስያዊት ማዕከን ዜና ታስ ኣቓሊሓ።
ፓቨል ዱሮቭ ብውልቃዊት ነፋሪቱ ንውልቃዊ ዋኒኑ ናብ ፈረንሳ ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተታሐዘ’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ቴልግራም ኣብ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣባላት ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራትን ኣዝዩ ግኑንን ዝውትሩን ዝኾነ ማሕበራዊ ሚድያ’ዩ።
መንግስቲ ሩስያ ኣብ 2018 ንመስራትን ኣካያድን ቴለግራም ፓቨል ዱሮቭ ውልቃዊ ሰነዳት ተጠቀምቲ ቴልግራም ሃበኒ ኢሉ ሓቲትዎ ምስ ኣበየ፡ ንቴለግራም ኣብ ሩስያ ኣጉድዎ ከምዝነበረ ይዝከር።
እንተኾነ እቲ እገዳ ኣብ 2021 ተላዒሉ፡ ቴሌግራም ከኣ ኣብ ሩስያ ህቡብነቱ ቀጺሉ።
ቴለግራም ድሕሪ ፌስቡክ፡ ዩቱብ፡ ዋትስኣፕ፡ ኢንስታግራም፡ ቱቲክቲክን ዊቻትን ዝበዝሐ ተጠቀምቲ ዘለውዎ ማሕበራዊ ሚድያ’ዩ።
ፓቨል ዱሮቭ ንቴለግራም ኣብ 2013 ምስ መስረቶ፡ ነቲ መንግስቲ ሩስያ ካብ ቴለግራም ዝጠልቦ ዝነበረ ዓበይቲ ጠለባት ከማልኦ ስለዘይከኣለ ኣብ 2014’ዩ ካብታ ሃገር ጥቅሊሉ ወጺኡ።
ፓቨል ኣቐዲሙ’ውን ቪከይኦንታክተ ዝብሃል ማሕበራዊ ሚድያ መስሪቱ ነይሩ’ዩ ንዕኡ ድሕሪ ምሻጥ’ዩ ንቴለግራም መስሪትዎ።