እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዑደት መራሕቲ ጅቡትን ሶማልያን ናብ ኢትዮጵያ እንታይ ዝዓለመ እዩ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንፕረዚደንት ጁቡቲ ዑመር ገለ ከምኡ'ውን ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጅግጅጋ ከም ዝተቐበሎም መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።
እዚ ርክብ ናይ ሰለስተኦም መራሕቲ፡ "ንዞባዊ ምትሕብባር፡ ሓባራዊ ስኒትን ተወፋይነትን ዘጕልሕ ሓያል ምልክት ምትሕግጋዝ፡" ምዃኑ ኮርፖረይሽን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
እቲ ርክብ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ፡ ሰላም፡ ምርግጋእን ዕብየትን ንምርግጋጽ እትዓሞ ዘላ ዕዮ ዘርኢ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ንኸቢድ ጸገማት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ክገጥሙዎ፡" ዘለዎም ድላይ ዘጕልሕን ንዞባዊ ምርግጋእ ወሳኒ ስጕምቲ ምዃኑን ወሲኹ ይገልጽ።
ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ መራሕቲ ዝካየድ ልዝብ፡ ንሃገራቶም ዘተኣሳስር ስትራተጅያዊ ዝምድናታት ከዕምቝ ትጽቢት ከም ዝግበረሉን ኣብ ምሕያል ንግዳዊ፡ ጸጥታውን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን ትዅረት ከም ዝገብሩ ወሲኹ የብርህ።
እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ቍጠባዊ ምዕባለኣ ንምርግጋጽ ቀረባት ከተእቱ ኮነ ፍርያታ ክትሸይጥ ወደባት ናይዘን ሃገራት ክትጥቀም ድላይ ዘለዋ ኰይኑ፡ ኣብ ጥሪ 2024 ምስታ ኣካል ሶማልያ ዝዀነት ርእሰ-ምምሕዳር ኣቚማ ዘላ ሶማሊላንድ ኣዘራራቢ ዝዀነ ውዕል ፈሪማ ነይራ።
ኢትዮጵያ፡ ምስታ ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብዝፈረመቶ ውዕል ተጠቃምነት ኣፍደገን ገማምግምን ባሕሪ፡ ምስ ሶማልያ ዝምድናኣ ሓርፊፉ ናብ ምብታኽ ገጹ ከይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ድሕሪ እዚ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ንዅነታት ዝምድናአን ዘንጸባርቕ ምልውዋጥ ቃላት፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብፍላይ ብወገን ሶማልያ ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ምቍራጽ ተራእዩ ነይሩ።
ሰበስልጣን ሶማልያ፡ ንኢትዮጵያ ልዑላውነት ሃገር ብምጥሓስ ብተደጋጋሚ ክኸሱ ተሰሚዖም።
ድሕሪ'ዚ ስጕምቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዓቃቢ ሰላም ናብ ሶማልያ ሰዲዱ። ቅድሚ 18 ዓመታት ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ኣብ ሶማልያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ኣዋፊሩ ምንባሩ ይፍለጥ።
ሶማልያ፡ ነቲ ዝነበረ ንምትካእ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክህልዉ ከም ዘይትደሊ ገሊጻ ነይራ።
ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ዝጸንሐት ግብጺ፡ ሰራዊታ ኣብ ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም (ኣውሶም) ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ፣ ድሕሪ ግዜ'ውን ናብታ ሃገር ኣትዮም።
ኢትዮጵያን ሶማልያን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን፡ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ስሉሳዊ ስምምዕ ፈሪመን ነይረን። ፕረዚደንት ሶማልያ እውን ንልዕሊ ሰለስተ ግዜ ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ተመላሊሱ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሰበስልጣን ክልተአን ሃገራት ተጋራጫዊ ርእይቶታት ክህቡ ከም ዝጸንሑ ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ እቲ ኣካታዒ ጉዳይ ተጠቃምነት ባሕሪ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ብግልጺ ዝፍለጥ ነገር የሎን።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ ብመንጎኝነት ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ብዘካየድኦ ዘተ ክሃድእ ተራእዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ሶማልያ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም - ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሶማል (ኣውሶም) ከተካትት ፈቒዳ፤ ርክብ ክልተአን ሃገራት ድማ ቀስ-ብቐስ ናብ ንቡር ክምለስ ዝደለየ ይመስል።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝወሰደላ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከተመርቖ እንከላ፡ ሓደ ካብ'ቶም ኣብቲ ዕለት ዝተረኽቡ ውሑዳት መራሕቲ ሃገራት ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ ሶማልያ ምስ ግብጺ ኣብ ክፍላ ነሓሰ 2024 ስምምዕ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኣብ ካይሮ ካብ ዝፈራረማ ንደሓር ዝምድናአን እናደልደለ ክመጽእ ተራእዩ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ሰሙናት ታሕሳስ 2025፡ እስራኤል ነታ ናጽነታ ባዕላ ብምእዋጅ ርእሰ-ምምሕዳር መስሪታ ክትከይድ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም "ናጻን ልዑላዊትን ሃገር" ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ እታ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ኣካይዳ ዝነበረት ኢትዮጵያ እንታይ ግብረ-መልሲ ክትህብ እያ ትጽቢት ኣሕዲሩ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ግብጽን ዝርከብአን ብዙሓት ሃገራትን ውድባትን ዓለም ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝተወስደ ስጕምቲ ዘለወን ተቓውሞታት ክገልጻ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ግን ጥርቅም እያ ኢላ።
ዝምድና እዘን ክሳዕ ውግእ ገጢመን ዝፈልጣ ሃገራት፡ ኵሉ ሳዕ ውረድ-ደይብ ዝበዝሖን ዘይምትእምማን ዝዓብለሎን ምዃኑ እዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘሎ ሓድሕዳዊ ዝምድና ዓሚቝን ብቝጠባዊ ረብሓታት ዝተኣሳሰረን እዩ። ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ካብ 90 ክሳብ 95 ሚእታዊት እትዋትን ሰደድን ኢትዮጵያ ብመንገዲ ወደባት ጅቡቲ እዩ ዝካየድ።
እታ ምስ ኤርትራ ብዝጸንሓ ግጭትን ምትፍናንን ንወደባት ጅቡቲ ከም ቀንዲ መስመራ ክትጥቀም ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ብገምጋም ካብ 1.5 ክሳብ 2 ቢልዮን ዶላር ንጅቡቲ ከም እትኸፍላ እቶም ጸብጻባት ወሲኾም ይሕብሩ።
ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ርእሲ'ቲ 756 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ንሓድሕደን ዘራኽበን መንገዲ ባቡር፡ ብጽርግያ፡ ብመስመራት ማይን ኤለክትሪክሲትን'ውን ይራኸባ እየን።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ግብጺ ምስ ጅቡቲ ዝጸንሓ ዝምድና ከተደልድል ተራእያ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ "ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ" ዝብል መርገጺ ሒዙ ኣትሪሩ ካብ ዝጕስጕስ ንደሓር፡ ካብ ኤርትራ፡ ጅቡትን ሶማልያን ተሪር ግብረመልሲ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
ግብጺ ብፍላይ ንኤርትራን ሶማልያን ከተተሓባብር ዝተራእየት ኰይና፡ ምስ ጁቡቲ ድማ ልዑል ደረጃ ዝምድና ተሰጕም ኣላ።
ግብጽን ጅቡቲን፡ ጉዳያት ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን 'ሓላፍነት ናይተን ምስቲ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ተሰማሚዐን' ክብል ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ብ23 ሚያዝያ 2025 ናብ ጅቡቲ ዑደት ብምግባር፡ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ተራኺቡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ካልኦት ጐድናዊ ዛዕባታትን ዘትዩ ነይሩ።
ምብጻሕ ፕረዚደንታት ሶማልያን ጅቡትን ናብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝተሓላለኸን ተኣፋፍን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ግደ ክህልዎ እዩ - ግዜ ዝምልሶ ክኸውን እዩ።