እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህዝቢ ዓለም 8 ቢልዮን ዝመልአ ቈልዓ ተወሊዱ፤ 5ይ፡ 6ይን 7ይን ቢልዮን ከ በዓል መን ነይሮም?
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ 11 ዓመታት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ካብ ሸውዓተ ቢልዮን ናብ ሸሞንተ ቢልዮን ከም ዝዓበየ ኣፍሊጡ።
ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ዓቢይ ወሰኽ ዘርኢ ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ኣብዚ እዋን ክዝሕትል ክጅምር እዩ።
ድሕሪ ሕጂ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ትሸዓተ ቢልዮን ንኽመልእ 15 ዓመታት ክወስድ ይኽእል’ዩ፤ ክሳብ 2080 ከኣ ዓሰርተ ቢልዮን’ውን ክመልእ ትጽቢት ኣይግበርን።
ብዝሒ ሰባት ዓለም ብልክዕ ክትግምቶ ቀሊል ኣይኰነን።
ሎሚ 15 ሕዳር 2022 ግን እቲ ሸሞንተ ቢልዮን ክሰግር’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ሕቡራት ሃገራት ነቶም መበል ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተን ሸውዓተን ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝውክሉ ዕሸላት መሪጹ ነይሩ።
ስለዚ ዛንታታቶም ብዛዕባ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እንታይ ክነግረና ይኽእል?
ኣብ ሓምለ 1987 ዓ.ም [ኣ.ኣ] ካብ ዝውለድ ቅሩብ ደቓይቕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ማቴጅ ጋስፓር ኣብታ ንእሽቶ ገጹ ካሜራ ብልጭ ኢላ ስእሊ ስኢላቶ፤ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ድማ ነታ ብሕርሲ ዝደኸመት ኣደኡ ከቢቦምዋ ነይሮም።
ኣብቲ ግዜ፡ በዓል መዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ እንግሊዛዊ ኣሌክስ ማርሻል፡ "ብመሰረቱ ነቲ ትንበያታት ብምርኣይ፡ 1987 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ሓሙሽተ ቢልዮን ክሓልፍ እዩ ዝብል ሓሳብ ሓሊምናዮ" ይብል።
"እቲ ስታቲስቲካዊ ዕለት ድማ 11 ሓምለ እዩ ነይሩ።”
ስለዚ፡ ኣብታ ዕለት ኣብ ዓለም መበል ሓሙሽተ ቢልዮን ህጻን ከጠምቝ ወሲኖም።
እቲ ሓሳብ ንምጽራይ ናብ ክኢላታት ስነ ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ምስ ከደ ተቘጢዖም።
"ካብ ብዙሓት ሓደ ውልቀሰብ ክንመርጽ ኣይነበረናን” ይብል።
ግን ገይሮምዎ።
ኣብታ ዕለት፡ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣበይ ከም ዝኸውን ፈሊጥናዮ ስለ ዝጸናሕና፡ እቲ ዕላማ፡ ነታ ቝጽሪ ዝኸውን ገጽ ምድላይ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።
ድሕሪ 35 ዓመት፡ መበል ሓሙሽተ ቢልዮን ህጻን ዓለምና ነቲ ናብዛ ዓለም ዝተጸምበረሉ ስነ ስርዓት ክርስዕ ይፍትን ኣሎ።
ናይ ፈይስቡክ ገጹ፡ ኣብ ዛግረብ ይነብር ከም ዘሎን፡ ሕጕስ ሓዳር ከም ዘለዎን ክኢላ ኬሚካል ኢንጂነር ከም ዝዀነን ይሕብር።
ንሱ ግን፡ ቃለ መጠይቓት ኣይህብን፤ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ’ውን ኣይተቐበሎን።
ኣሌክስ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ልደት ማቴጅ ዝነበረ ናይ ሚድያ ዕግርግር ዘኪሩ፡ "እዋእ፡ ኣይወቕሶን እየ" ይብል።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኣብ ዓለም ሰለስተ ቢልዮን ሰባት ተወሲዀም።
ኣብ ዝቕጽሉ 35 ዓመታት ግን፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ብኽልተ ቢልዮን ጥራይ’ዩ ክውስኽ፤ ድሕሪኡ ድማ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ክድይብ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ 2011 ዓ.ም [ኣ.ኣ] ዝተወልደት ሳዕድያ ሱልጣና ኦሺ፡ ሓንቲ ካብቶም መበል ሸውዓተ ቢልዮን ህጻናት ተባሂላ ኣብ መዝገብ ሰፊራ እያ።
ጓል 11 ዓመት ሳዕድያ፡ ምስ ወለዳ ኣብ ባንግላድሽ ትነብር።
ኣደ ሳዕድያ፡ ኣብቲ ዕለት እንታይ ይፍጠር ምህላው እትፈልጦ ነገር ኣይነበራን፤ በዚ ዕለት እዚ እየ ክወልድ ዝብል ግምት’ውን ኣይነበራን።
ሓካይም፡ ናብ ሃንደበታዊ ናይ መወላዲ ክፍሊ ምስ ወሰድዋ ግን፡ ኦሺ ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓለፈ ድሕሪ ሓደ ደቒቕ ክትውለድ እንከላ፡ ብጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣንን እቲ ከባቢ ተኸቢባ ነይራ።
ስድራ ሳዕድያ፡ ሰንቢዶም ግን ተሓጒሶም። ዶክተር ክትከውን ድልየት ኣለዋ።
ኣቦኣ፡ “ሃብታማት ኣይኰንናን፤ ኮቪድ ከኣ ናብራ ኣኽቢድዎ። ግን ሕልምታታ ጋህዲ ንኽገብር ዝኽእሎ ኵሉ ክገብር’የ” ይብል።
ሳዕድያ ኦይሺ ካብ እትውለድ ንደሓር፡ ኣብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ባንግላድሽ ካልኦት 17 ሚልዮን ሰባት ተወሲዀም’ዮም።
እዚ ዕብየት እዚ ዓቢይ ታሪኽ ዓወት ሕክምና ኰይኑ፡ ባንግላድሽ ትሰፍሓሉ ዘላ ናህሪ ግን ኣዝዩ ዝሕታለ ኣርእዩ።
ኣብ 1980፡ ማእከላይ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክህልዋ ዝኽእል ቈልዑ ልዕሊ ሽዱሽተ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ትሕቲ ክልተ ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ እታ ሃገር ኣብ ትምህርቲ ብዝገበረቶ ዓቢይ ትዅረት ዝመጽአ ለውጢ’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ምስ ተማህራ፡ ንኣሽቱ ስድራቤታት ክህልወን ይመርጻ።
እዚ ድማ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ናበይ ሸነኽ ክኸይድ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ንምርዳእ ወሳኒ እዩ።
እቶም ብዛዕባ ዓለማዊ ብዝሒ ህዝቢ ትንበያታት ዝገብሩ ሰለስተ ቀንዲ ኣካላት - ሕቡራት ሃገራት፡ ኢንስቲትዩት መለክዒታትን ገምጋምን ጥዕና (IHME) ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተንን ኣብ ቪየና ዝርከብ ማእከል IIASA-ዊቲግንስተንን ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ ዝረኽብዎ ግምታት ዝተፈላለየ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ 2080ታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ምዃኑን 10.4 ቢልዮን ከም ዝበጽሕን ይገልጽ።
IHMEን Wittgensteinን ግን እዚ ቅድሚኡ ክብጻሕ ዝኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ። በዚ መሰረት ካብ 2060 ክሳብ 2070 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ትሕቲ 10 ቢልዮን ክኸውን’ዩ ይብሉ።
እዚኦም ግን ትንበያታት ጥራይ እዮም።
ኦይሺ ኣብ 2011 ካብ እትውለድ ንደሓር ኣብ ዓለም ብዙሕ ተቐይሩ እዩ። ተመራመርቲ ስነ-ህዝቢ ድማ ብቐጻሊ ይግረሙ።
"ብሰንኪ ኤይድስ ዘጋጥም ሞት ክንድ’ዚ ዝኣክል ቍጽሪ ክንኪ’ዩ፤ እቲ ሕክምና’ውን ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰባት ከድሕን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረናን” ይብል ክኢላ ስነህዝቢ IIASA ሰሚር ኬሲ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ቍጽሪ ካብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝውለዱ ህጻናት ብማእከላይ ገምጋም ናብ 0.81 ምስ ወረደ፡ ተመራመርቲ ስነ-ህዝቢ ከም ዝሰንበዱ ሰሚር ኬሲ ይዛረብ።
"እሞ፡ እዚ ክሳብ ክንደይ ክትሕት ይኸውን? እዚ ንዓና ዓቢይ ሕቶ'ዩ።"
እዚ፡ ሃገራት ብብዝሒ ክቃለሳኦ ዘገድደን ዘሎ ነገር እዩ።
ፍርቂ ካብቶም ዝቕጽሉ ሓደ ቢልዮን ሰባት ካብ ሸሞንተ ሃገራት ጥራይ ዝመጽኡ ኰይኖም፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።
ሕጂ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዘሎ መጠን ወሊድ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ 2.1 ቈልዑ ዝተሓተ እዩ።
እዚ ድማ ንሓደ ህዝቢ ንምቕጻል ዘድሊ ቍጽሪ እዩ።
ቦስንያ-ሄርዜጎቪና፡ ኣብ ዓለምና ብቕልጡፍ ዝንኪ ብዝሒ ህዝቢ ካብ መንጐ ዘለወን እያ።
ወዲ 23 ዓመት ኣድናን መቪች ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ይሓስብ።
"ንጡረተኛታት ጡረታ ዝኸፍል ሰብ ክተርፍ ኣይክእልን'ዩ። ኵሎም መንእሰያት ክጠፍኡ እዮም” ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
ብኢኮኖሚክስ ካልኣይ ዲግሪ ኣሎዎ፤ ስራሕ ግን የብሉን። እንተዘይረኺቡ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ክግዕዝ እዩ።
ሃገሩ፡ ልክዕ ከም መብዛሕትአን ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ብትሑት መጠን ወሊድን ልዑል ስደትን ተጸልያ ትርከብ።
ኣዲኡ ፋጡማ፡ ኣድናን ክውለድ እንከሎ ብዛዕባ ዝነበራ ዝኽሪ ከተውግዕ እንከላ፡ "ሓካይምን ነርስታትን ክኸውና እንከለዉ፡ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ምህላዉ ተረዲኡኒ፤ ግን እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ግን ክፈልጥ ኣይከኣልኩን" ትብል።
ኣድናን ምስ ተወልደ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን፡ መበል ሽዱሽተ ቢልዮን ህጻን ዓለም እንኳዕ ደሓን መጻእኻ ንምባል ኣብኡ ነይሩ።
"ኣዝየ ደኺመ ነይረ፤ ከመይ ከም ዝተሰምዓኒ ኣይፈልጥን እየ" ብምባል ፋጡማ ነቲ ዕለት ትዝክሮ።
ኣድናን ብወገኑ፡ "ካልኦት ቈልዑ ጽንብል ልደት ተገይሩሎም ከኽብሩ እንከለው፡ ኣነ ብፖለቲከኛታት ጥራይ እዩ ዝብጻሕ” ይብል።
መበል ሽዱሽተ ቢልዮን ህጻን ብምዃኑ፡ ወዲ 11 ዓመት ከሎ ምስቲ ጀግናይ ዝብሎ ተጻዋቲ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ክራኸብ ዕድል ረኺቡ እዩ።
ኣብ ውሽጢ 23 ዓመታት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ብኽልተ ቢልዮን ሰባት ምዕባዩ ዘደንጹ ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ይዛረብ።
"እዚ ናይ ብሓቂ ብዙሕ'ዩ። እታ ጽብቕቲ ፕላኔትና ብኸመይ ከም እትጻወሮ ኣይፈልጥን እየ።"