ኣጥቃዓይ ባየር ሙኒክ ሳድዮ ማኔ ካብ ጸወታ ተኣጊዱ

ባየር ሙኒክ፡ ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝተሳዕረትሉ ጸወታ ሳድዮ ማኔ ምስ ሌሮይ ሳን ብዘርኣዮ ምትህልላኽ ካብ ጸወታ ከም ዝኣገደቶ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ናብ ባየርን ዝተጸንበረ ኮኾብ ሊቨርፑል ነበር ማነ፡ ኣብ ኢትሃድ ደንጉዩ ተቐይሩ ናብ ፀወታ ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ መበል 83 ደቒቕ ምስ ሊሮይ ዘይምርድዳእ ኣጋጢምዎም።

እቲ ኣብ ሜዳ ኣብ ዝተጀመረ ዘይምርድዳእ ድሕሪ ጸወታ’ውን ኣብ መቐየሪ ክዳን ቀጺሉ፡ ማነ ንወዲ ጋንትኡ ኣብ ገጹ ብጉስጢ ሃሪምዎ።

ብድሕሪ’ዚ ብደቂ ጋንትኦም ክፈላለዩ ከም ዝተገደዱ ይንገር።

ነዚ ስዒቡ ባየር ሙኒክ ነቲ ኣጥቃይ ካብ ጸወታ ከም ዝኣገደት ገሊጻ ኣላ።

እታ ክለብ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ እቲ ወዲ 31 ዓመት ኣጥቃዓይ ቀዳም ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ሆፈንሃይም ኣብ ተካይዶ ጸወታ ምስታ ጋንታ ከም ዘይካተት ኣፍሊጣ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ባየርን ሙኒክ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ 3ን0 ኣብ ዝተረትዐትሉ ጸወታ ዘይቅኑዕ ባህሪ ስለ ዘርኣየ ከም ዝዀነ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ ማኔ መቕጻዕቲ ከም ዝጽበዮ’ውን የመልክት።

ክልተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝዀነ ማኔ፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞም ስዕረት ጀርመናዊ ክንፊ ተጻዋታይ ብዘይግቡእ መንገዲ ከም ዝተዛረቦ ኣማሪሩ ምንባሩ ይግለጽ።

እታ ጋንታ ናብ ጀርመን ምስ ተመልሰት፡ ማኔ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ብውልቂ ክውሰድ ከሎ ሊሮይ ግን ብታ ናይ ጋንታ ኣውቶቡስ’ዩ ተጓዒዙ።

ክልቲኦም ተጻወትቲ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ምትህልላኽ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃቡን።

ባየር ሙኒክ ዝመጽእ ረቡዕ ኣብ ዝካየድ ካልኣይ እግሪ ርብዒ ፍጻመ ንሲቲ ከም እተአንግድ ይፍለጥ።