'ከዋኽብቲ ኩዕሶ እግሪ ከነብቅዖም ኢና' ዝብሉ መደናገርቲ ተቓሊዖም

ፖሊስ ስጳኛ፡ 'ንደቅኹም ከዋኽብቲ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ከነብቅዖኦም ኢና እናበሉ ቃል ብምእታው ንብዙሓት ብራዚላውያን ስድራቤታት የታልሉ ነይሮም' ዝበሎም ክልተ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ገበነኛታት ከም ዘቃልዐ ገሊጹ።

እቶም ጕጅለታት፡ "ናይ ሓሶት ትጽቢት" ንስድራቤታት ብምሻጥ ይኽሰሱ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መጀመርታ ልዕሊ 5000 ዩሮ ዝግመት ክፍሊት ከም ዝሓቱ፡ ድሕሪኡ ድማ ካብ ሓደ ተጻዋታይ ክሳብ 1700 ዩሮ ዝበጽሕ ወርሓዊ ክፍሊት ከም ዝቕበሉ ፖሊስ ይገልጽ።

ፖሊስ ከም ዘመልከቶ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣስታት 70 ስድራቤታት ዝተታለሉ ክዀኑ እንከለዉ፡11 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እቶም ስድራቤታት፡ እቲ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ኣብ ከተማ ግራናዳ ንዝግበር ክፍሊት ትምህርቲ፡ መንበሪ ገዛን ወረቐት መንበሪ ፍቓድን ዝርክብዎም ወጻኢታት ዝሽፍን ምዃኑ’ዩ ተነጊርዎም።

ኣብ ክውንነት ግን እቶም ተጻወትቲ፡ "ኣብ ጸበብቲ ገዛውቲ... ውሑድ መግቢ ኣብ ዘለዎ፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ድማ ሕጋዊ መንበሪ ክረክብ ኣብ ዘይከኣለሉ" ኵነታት ይነብሩ ከም ዝነበሩ እቲ መግለጺ ይሕብር።

መብዛሕትኦም ተጻወትቲ፡ ብራዚላውያን ኰይኖም ካብ 16 ክሳብ 23 ዓመት ዝዕድመኦም እዮም።

እቶም ጕጅለታት፡ ካብ ነንሕድሕዶም ነጻ ኰይኖም ዝንቀሳቐሱ ሓላፍነት ይማቐሉን ከም ዝነበሩ እቲ መግለጺ የመልክት።

ገለ ኣባላት እቶም ጕጅለታት፡ ኣብ ዓዶም ንዝርከቡ ሃብታም ስድራቤታት ዒላማ ብምግባር ኣብ ምልመላ ዘተኩሩ እዮም። እታ ካልኣይ ጉጅለ ድማ ኣብተን ተጻወትቲ ቪዛ ንኽረኽቡ ናይ ሓሶት ምዝገባ ዘረጋገጻ ማእከላት ትምህርቲ ዝነጥፍ እዩ።

ሳልሳይ ናይ ምሕደራ ጉጅለ ድማ ነቲ ሓፈሻዊ ስትራተጂ ይቈጻጸር።

እቲ መርመራ፡ ሓደ ካብቶም ተጻወትቲ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ምስ ኣቕረበ እዩ ተጀሚሩ።