እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርሊን ሃላንድ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ
ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ኖርወጃዊ ኣርሊን ሃላንድ፡ ጋንታኡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ባየር ሙኒኽ 3 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።
እቲ ተጻዋታይ ፕሪሚየርሊግ ዝዀነ ኣጥቃዓይ፡ ኣብዚ ወቕቲ ኣብ ኵሉ ውድድራት ዘመዝገቦ ሸቶታት 45 ብምብጽሑ’ዩ ነዚ ክብረ ወሰን ክጐናጸፍ ክኢሉ።
ወዲ 22 ዓመት ሃላንድ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ባየር ሙኒኽ ሓንቲ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ’ዩ፡ ኣብ 39 ጸወታታት ዘመዝገቦ ሸቶታት ብጠቕላላ ናብ 45 ክብ ክብል ኢሉ።
ሃላንድ ንማንቸስተር ሲቲን ቦርሽያ ዶርትሞንድን ተሰሊፉ ኣብ ዝተጻወተሉ ብሓፈሻ፡ ነዛ ናይ ትማሊ ምሸት ሸቶኡ ወሲኽካ ኣብ ልዕሊ ባየር ሙኒኽ ሓምሸይቲ ሸቶ'ዩ ኣመዝጊቡ።
ኣጥቓዓይ ባየር ሙኒኽ ዝነበረ ጀርመናዊ ማርዮ ጎመዝ ንሃላንድ ኣመልኪቱ ንቢቲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኵለን ጋንታታት ነዚ ተጻወታይ ክፈርሓኦ ኣለወን፤ ምኽንያቱ እዚ ተጻዋታይ ዓርሞሽሽ’ዩ፡ ማንቸስተር ሲቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተጻዋታይ ብምፍራማ እንቓዕ ሓጎሰኪ ምባል የድልያ’ዩ” ኢሉ።
ትማሊ ኣብ ዝነበረ ጸወታ፡ ሃላንድ፡ ንኩዕሶ 28 ግዜ ጥራይ’ዩ ተንኪፍዋ፣ እዚ ኸኣ ካብ ደቂ ጋንታኡ እቲ ዝወሓደ ንኵዕሶ ዝተንከፋ ተጻዋታይ ይገብሮ።
ተጻወታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ነበርን ንማንቸስተር ሲትን ንባየር ሙኒኽን ዝተጻወተን ኦውን ሃርግሪቭዝ ብወገኑ “ኣብ ዕምረይ ካብ ዝርኣኽዎም እቲ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ተጻዋታይ’ዩ” ብምባል ኣብ ልዕሊ ሃላንድ ዘለዎ ኣድናቘት ገሊጹ።
ፕሪሚየርሊግ ኣብ 1992-93 ናብዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ቅርጺ ካብ ዝሰገጋገር ዝዀነ ተጻዋተይ ኣብ ሓደ ወቕቲ ኣብ ኵሉ ውድድራት 45 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣይፈልጥን’ዩ።
ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝጻወት ዝነበረ ሩድ ቫን ነስተርሎይ ኣብ 2002-2003፡ 44 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ነይሩ፤ ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 2017-2018 44 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፤ ሃላንድ ነዚኦም ብምብላጽ’ዩ ኣብዚ ገና ዘይተወደአ ዘሎ ወቕቲ 45 ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ ዘሎ።
ቫን ነስተርሎይን መሓመድ ሳላሕን ነዚ 44 ሸቶታት ኣብ 52 ጸወታታት’ዮም ከመዝግብዎ ክኢሎም። ሃላንድ ግን ኣብ 39 ጸወታታት ጥራይ’ዩ 45 ሸቶታት በጺሑ ዘሎ፤ ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ጸወታታት እዚ ወቕቲ ክንደይ ከመዝግብ’ዩ ኸኣ ብሕጂ ዝርአ’ዩ ክኸውን።
ማንቸስትር ሲቲ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግን ኤፍኤ ካፕን ክሳብ መወዳእታ እንተበጺሓ፡ ምስቲ ናይ ፕረሚየርሊግ ሓዊስካ፡ ብጠቕላላ 15 ጸወታታት ክተርፋ ከም ዝኽእል ይግመት፤ ኣብዚ 15 ጸወታታት ሃላንድ ክንደይ ሸቶታት ከመዝግብ ይኽእል ከኣ ሓቢርና ክንርእዮ ኢና።
ኣብ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ቫን ነስተርሎይ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ 44 ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ፣ መሓመድ ሳላሕ ከኣ ኣቐዲሙ ምስ ቸልሲ’ኳ እንተነበረ ናብ ሊቨርፑል ምስ ሰገረ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ’ዩ 44 ሸቶታት ኣቝጺሩ።
ሃለንድ ዋላ ደኣ ኣብ ሊድስ ይወለድ እምበር፡ ኣብ ወዲ ሰለስተ ዓመት እንከሎ እዩ ናብ ኖርወይ ከይዱ፣ ሎሚ ዓመት ከኣ ንመጀመርታ ግዜኡ’ዩ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ዝጻወት ዘሎ።
ሃላንድ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ጥራይ ዛጊት 11 ሸቶታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ሃላንድ ነቲ ኣብ 1928-29 ኣብ ሓደ ወቕቲ 38 ሸቶታት ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ማንቸስተር ሲቲ ሓደ ወቕቲ፡ ን94 ዓመታት ብቶሚ ጆንሶን ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብሪ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከምዝሰበሮ ዝዝከር’ዩ።
ስለዚ ሃላንድ ኣብ ሓደ ወቕቲ ዝበዝሐ ሸቶ ዘቝጸረ ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ኰይኑ'ውን ክብረ ወሰን ሒዙ ኣሎ።
ብዙሓት፡ ከም መሲን ሮናልዶን ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ዳግማይ ንኽንርኢ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስደልና’ዩ ዝብል ርእይቶ የስምዑ ነይሮም’ዮም። ሃላንድ ግን፡ መሲን ሮናልዶን ገና ጫማኦም ከይሰቐሉ መልሲ ሒዙ ዝመጽአ ይመስል።