እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናብ ካይሮ ከምዘቕንዐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ መዘናኡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተሰነየ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኣብ ክልተኣውን፡ ኣህጉራዊን ዓለማውን ጉዳያት ኣመልኪቱ ምስ ኣሰይድ ዓብዱልፋታሕ ክዛተ ምዃኑ፡ እቲ ብኤክስ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ወሲኹ የመልክት።
ፕረዚደንት ግብጺ፡ ብመገዲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ኣሰይድ ሳምሕ ሹክሪ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ካይሮ ንኽበጽሕን ኣብ ዞባዊ ምዕባለታት ክዘራረቡን ዕድመ ከምዘቕረበሉ ይዝከር።
ሚኒስተር ሳምሕ ሹክሪ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ኣብ ጉዳያት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኵነታት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣመልኪቱ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ኣብ እዋኑ ተቓሊሑ እዩ።
ኣብ ባሕቲ ጥሪ ምእታው እዚ ሓድሽ ዓመት፡ እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ ውዕል ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብዚ ዞባ ብሓፈሻ ኣብ መንጐ እታ ንሶማሊላንድ ከም ኣካላ እትርያ ዓባይ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ኣስዒቡ እዩ።
ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ነቲ “ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ዝጻባእ፡ ሓደገኛን ንጹግን” ኢሉ ዝገለጾ ስምምዕ ንምቕልባስ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ዘመተ ከካይድ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብ ኤርትራን ግብጺን በጺሑ ደገፍ ከምዝረኸበ ይዝረብ።
እቲ ግብጺ፡ “ድሕነትን ምርግጋእን ሶማልያ ንምድጋፍ” ሓገዝ ከም እትገብር ቃል ዝኣተወ ኣልሲሲ፡ በዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዓዲሙ።
ኣብቲ ብ21 ጥሪ 2024 ኣብ ግብጺ ዝተካየደ ርክብ ፕረዚደንት ኣልሲሲን ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን፡ ኣልሲሲ፡ “ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ይዅን ጸጥታኣ ዝፍጠር ዝዀነ ይዅን ስግኣት ከምዘይትጻወር" ብምግላጽ፡ ሃገሩ ጣልቃ ክትኣቱ እንተ ተሓቲታ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ክትስለፍ እያ፡ ኢሉ ነይሩ።
ነቲ ናብ ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ርእይቶ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን እቲ ውዕል ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ናይ ድሕነት ስግኣት ዝፈጥር ዘይምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዞባ ናይ ዘለዉ ገለ ሓይልታት ድልየት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልውላው ምፍጣር እዩ ክብል መሊሱ ምንባሩ’ውን ይዝከር።
ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኤርትራ ብ 9 ጥሪ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራ’ውን፡ ክልቲኦም ወገናት፡ "ንሓያለ ተዂታዂ ኣጀንዳታት ህዉኽ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ብምሕያብ፡ ብትዕግስትን ሃናጺ መንፈስን" ክሕዝዎ ተረዳዲኦም ክብል ጠቒሱ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሓምለ 2023 ብ ግብጺ ኣብ ዝተጸውዐ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝዘተየ ዋዕላ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ኣብ ካይሮ ተሳቲፉ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፤ እዚ ናይ ሕጂ ዑደት ድማ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኣመታቱን ኣውራ ኣጀንዳኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።