ጓሉ ኣብ ቲክቶክ ብዝገበረቶ መወዓውዒ ምሻጥ ኣብያ ዝነበረት መጽሓፉ ቀዳመይቲ ዝዀነትሉ ኣቦ

ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ ቀንዱ ስርሑ ኣኽባሪ ሕጊ ኰይኑ፡ ደራሲ ናይ ምዃን ባህጊ ስለ ዝነበሮ ድሕሪ ናይ 14 ዓመታት ጻዕሪ ቅድሚ 11 ዓመት ሓንቲ መጽሓፍ ኣሕቲሙ።

እንተዀነ ንዝሓለፈ 11 ዓመት እታ መጽሓፍ ዋለ ሓደ ጠለብ ናይ ኣንበብቲ ክትረክብ ኣይክኣለትን።

ንኹሉ መዓልቲ ኣለዎ ከም ዝብሃል ግን ንኣቶ ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ’ውን መዓልቲ ርሒሳትሉስ እታ መጽሓፉ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣዝያ ተጠላቢት መጽሓፍ ኰይና።

ከመይ'ዶ በልኩም፤ ከመይ ይብል ለባም።

ጓሉ ንሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ ኣብ ቲክ ቶክ ናይ 16 ካልኢት ተንቀሳቃሲ ምስሊ ኣሰነያ “ኣቦይ ካብታ መጽሓፉ ገለ ቅድሓት ክሽየጣ ደልየ ኣለኹ” ዝብለ ዝረባ ኣሰንያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ለጢፋቶ።

ሳላ እዛ ሓጻር መልእኽቲ ኸኣ እታ መጽሓፍ ኣብ ኣማዞን ኣብ ከብሒ ‘Serial Killer Thrillers’ ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ ቁጽሪ ሓደ ተጠላቢት መጽሓፍ ዓሪጋ።

ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ ኣዝዩ ህቡብ ዝተለወጠ ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ “ሕጂ ቅሩብ ቀም ከብል” ዝብል ሓጺር መልሲ’ዩ ሂቡ።

ኣብታ ሓጻር ቪድዮ ጓል ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ፡ ኣቡኣ ነታ መጽሓፍ ክጽሕፍ ዝወሰደሉ ዓመታትን እትገልጽ ኰይና፤ ነታ ቪድዮ ብሓፈሻ ልዕሊ 40 ሚልዮን ሰባት ተዓዚቦማ።

ቲክቶክ ሓጸርቲ ቪድዮታት ዝጽዓኖ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት #BookTok ብዝብል ሃሽታግ ኣማኢት መጻሕፍቲ ጽቡቕ ጠለብ ከም ዝረኽባ ኣብ ምግባር ዓቢ እጃም’ዩ ዝገብር ዘሎ።

እታ መጽሓፍ 'Stone Maidens' እያ ትብል።

ኣብ 2021 ጥራይ እዚ #BookTok ዝብል ኣብ ቲክቶክ ዝግብር ምውዕዋዓት 20 ሚልዮን ዝኸውን ናይ ዝተፈለላዩ ደረስቲ መጻሕፍቲ ንኽሽየጥ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበረ ኒው ዩርክ ታይምስ ይገልጽ።

ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ ሓደ ህቡብ ደራሲ ዝተለወጠ ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቪድዮ ናይ ጓሉ ዝተጸሓፈ ርእይቶታት ስምዒት ብዝተሓወሶ ብንብዓት ተሰንዩ’ዩ ዘንብቦ ነይሩ።

ጓሉ’ውን ብታሓጓስ እናነበዐት ዳግማይ ኣብ ዝለጠፈቶ ቪድዮ “ናብ ኣቡኣ ምልክት እናገበረት “ሳልኦም ኢኻ ቀዳማይ ኮይንካ” ብምባል ንሰዓብታ ኣመስጊናቶም።

ጓል ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ ናብ ተዓዘብታ ምልስ ብምባል “ክገርመኩም ቲክ ቶክ እንታይ ምዃኑ’ውን ኣይፈልጦን’ዩ” ብምባል ብዛዕባ ኣቡኣ ተዛሪባ።

መጽሓፍ ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ ኣብ 2012 ዝተሓተመት ኮይና ብዛዕባ ገበንን ኤፍቢኣይ ንገበነኛ ንምርካብ ዝኸድዎ መስርሕ’ያ ትትርኽ።

ኣክባሪ ሕጊ ኰይኑ ዝሰርሕ ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ፤ ነታ መጽሓፍ ካብቲ መዓልታዊ ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ክስተታት ምርኩስ ብምግባር ከም ዝጽሓፋ’ዩ ዝገልጽ።

ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ መጽሓፍ ክጽሕፍ ምስ ጀመረ፡ እታ ዝጀመራ መጽሓፍ ድሕሪ ርብዒ ዘመን’ያ ግንዖ ድኻሙ ሒዛትሉ መጺኡ።

ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ “እዚ ኣብዚ ክልተ መዓልታት ዝኸውን ዋላ ሓንቲ እንድዩ ክርድኣኒ ዘይክእል ዘሎ” ብምባል ክሳብ ሕጂ ክኣምን ከም ዘይክኣለ’ዩ ዝሕብር።

ኣማዞን ብዛዕብኡ ኣብ ዝጸሓፎ ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ፡ ሊሎይድ ዲቮሬክስ ሪቻርስ ነዚ ዝረኸቦ ሃንደበታዊ ዓወት ንክጽንብል ግዜ ከየባኸነ መቀጸልታ ናይታ መጽሓፍ ንኽደርስ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዘሎ ገሊጹ።