እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ ቀላይ ቱርካና ኬንያ ሞይቶም ተረኺቦም
ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ቱርካና ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ብዘይካኦም ክልተ ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ከምዘለው እውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ።
እቲ ሓደጋ ዝሓለፈ ሰንበት 17 ታሕሳስ ለይቲ ከምዘጋጠመን፡ ምስቲ ሓደጋ ብዝተተሓሓዝ ዝዀነ ሰብ ኣብቲ ትሕቲ ቀይዲ ኣይኣተወን ዘሎ። ዋና እታ ጃልባ’ውን ንብረቱ ሒዙ ንቦታኡ ከምዝኸደ መሰካኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቶም ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ንዩጋንዳ ክኣትው መደብ ከምዝነበሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እቶም ሐሙሽተ ሰባት ግን ስለምንታይ ኣብቲ ቀላይ ክኣተው ከምዝተገደዱ ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ፖሊስ እቲ ከባቢ ነቶም ሬሳታት ኣልዒሉ ሎድዋር ኣብ ዝተባሀለ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣእትይዎ ይርከብ።
መቕርብ እቶም ግዳያትን ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ኬንያን ነቲ ሬሳ ናብ ኤርትራ ንምስዳድ ይሰርሑ ከምዘለው ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኲናት ሓዳሕድ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ ዳርጋ ከም ሃገሮም ዝቘጽርዋ ሱዳን ንብረቶም ራሕሪሖም እግረይ ኣውጽእኒ ናብ ፎቘዶኡ ተበታቲኖምን ፋሕ ኢሎምን ይርከቡ።
ገለ ካብቶም ስደተኛታት ብኢትዮጵያ ኬንያን ኣቢሎም ንዩጋንዳ ይኣትው ኣለው።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን እውን፡ ካብቲ ኣብታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጸም ዘሎ ምስርጣይ ብሃውሪ ዝግበር ማእሰርቲ ከምኡ’ውን ምንዋሕ መስርሕ ሕቶ ዕቑባ ሃዲሞም ይወጽኡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ዝተፈላለየ ብዝሒ ዘለዎም ጕጅለታት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ክኣትዉ ከምዝተታሕዙ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ዋሕዚ ስደተኛታታት ድማ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኰይኑ ከምዘሎን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጫካታት ኬንያ ተደርብዮም ከምዘለዉ’ውን ይግለጽ። ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ድማ ኣብ ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ፖሊስ ተቐይዶም ኣለዉ።
እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣሰገርቲ ተታሊሎም ንጕዕዞኦም ክሳብ 2000 ዶላር ከምዝኸፍሉን፡ ኣብ ኬንያ ምስ ኣተው ድማ ኣደዳ ማእሰርትን ሞትን ይዀኑ ከምዘለው ባዕሎም እቶም ስደተኛታት ይዛረቡ።
እቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት እቲ ጉዕዞ ብመኪና ከምዝኸውን ከምዝሕብርዎምን፡ እንተዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ኬንያ ጥራይ ንልዕሊ 20 መዓልቲ ብእግሮም ክጓዓዙ ከምዝግደዱን ገለ ስደተደኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ገንዘቦም ከፊሎም ከብቅዑ፡ ብጥሜትን ንህይወት ዝፈታትን መሪር ኵነታት ከምዝሕልፉ’ውን ይግለጹ።