'መገዲ ሱዳንን ግብጽን ንጸላኢኻ'ውን ኣይትምነዮን’ ጉዕዞ ኤርትራዊ ስደተኛ

ኲናት ሓድሕድ ሱዳናውያን ክጅምር እንከሎ ኣብ ካርቱም እየ ነይረ።

ኣብ ዕለታዊ ዋኒንና ተጸሚድና እንከሎና እታ ሰላማዊት ከተማ ብድምጺ ፈኲስን ከቢድን ብረትን ነፈርቲ ውግእን ምስተናወጸት ኣዚና ሰንቢድና።

ሰራሕተኛ ኣብ ስርሑ፡ ተማሃራይ ኣብ ትምህርቱ፡ ቅንያት ፋሲካ ከኣ ስለዝነበረ ምእመናን ኣብ ቤት ጸሎት እንከለው፡ ገሊኡ ከኣ ንኣውደኣማት ሕሩድ ክገዝእ ኣብ ዕዳጋ እንከሎ ካርቱም ብምድርን ሰማይን ሓዊ ስለዝተኣጉዳ ሰምቢድናን ፈሪሕናን።

ኣስቤዛ ክዕድጉ ምስ ወጽአኡ ብኡ ኣቢሎም ዘይተመልሱ ሓደጋ መውጋእትን ሞትን ዝኰኑ እውን ኣለው።

ካብኡ ከብድና ሓቚፍና "ሎሚ’ዶ ጽባሕ ተስፋ ዕርቂ ይርከብ" እናበልና መስተርሆት ክንጽበ ዳርጋ ወርሕና ምስ ገበርና ድሕሪ 23 መዓልታት ውግእ ምጅማሩ፡ ንከሰላ ነቒለ።

ሽዑ እውን ውዒሉ ሓዲሩ ዕርቂ ይርከብን ኩነታት ይሃድእን ይኸውን ብዝብል ተስፋ እቲ ኣብ ነብስና ዝነበረ ተኸዲንና ቅያር ከይሓዝና ኢና ወጺእና።

ኣብ ከሰላ ምስ ኣተና፡ ንጁባ’ዶ ንኺድ ንኢትዮጵያ፡ ኣየናይ ይሓይሽ ኢልና ዘቲናሉ። ግን እቶም ኣብ መተማ ይኹን ኣብ ዶባት ጁባ ዝተሓዙ አሕዋትና ንባዕሎም ሕማቕ ከምዘለው ምስ ነገሩና ንግብጺ ክንከይድ ወሲንና።

ካብ ከሰላ ንግብጺ

እቶም ንግብጺ ክንከይድ ዝወሰንና ምስቶም ዘሰጋግሩና ሰባት ምስተረዳዳእና፡ ሓሙስ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ተበጊስና ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓት ናይ መኪናን እግርና ጃልባን ጉዕዞ ንዓዳመር ኣቲና።

ካብ ከሰላ መጺእና ንዓዳመር ምስ ቀረብና እቲ መራሕ መኪና በቲ ናይ ተፍትሽ ቦታ (ኬላ) ሒዙና ክሓልፍ ስለዘይኽእል፡ ምስ ካልእ ሰባት ተረዳዲኡ ንዓና ብጃልባ ኣስጊሩና።

እቲ ብጃልባ እትሰግሮ ሩባ ሓጺር እኳ እንተኾነ፡ እተን ጀላቡ ብታሕቲ ማይ ዝኣትወን ነቀይ ነቀይ ዝብላ ኣረግቶት ስለዝኾና፡ ምሳና ንኣሽቱ ሕጸናት ዝሓዛ ኣዴታት ብምንባረን ሓደጋ ከየጋጥም ዘሰክፍ ነይሩ።

ነቲ ሩባ ምስ ሰገርናዮ እቲ መራሒ መገድና ነቲ ተፍትሽ ሓሊፉ ጸኒሑ ኣብ ማዕዶ ተቐቢሉ፡ ኣብ መኪና ጽዒኑ፡ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ኣቢሉ ኣብ ሓደ መኽዘን ኣራጊፉና። ብኡ ንብኡ ከኣ ነቶም ኣብ ገዳርፍ ዝጽበዩዎ ዝነበሩ ከምጽእ ገዲፉና ተመሊሱ።

ንሕና ኣብቲ መኽዘን ንሳልስቲ ክንጽበዮም ቀኒና። እንተስ መገዲ ጠፊኡዎም እንተስ ጸጥታ ኣስጊኡዎም ከኣ ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ነቶም ስደተኛታት ብጾትና ጽዒኑ መጺኡና።

ኣብቲ ዝኣተናዮ መኽዘን ኣስታት ሸውዓተ ዝኾኑ፡ ትግረ፣ ብሌንን ትግርኛ ዝዛረቡን ንሊብያ ዝነቐሉ ሰባት ጸኒሖሙና። ምስተሓወስናዮም ሰላምታ ተለዋዊጥና። መቸም ኣብ ጸምጸም በረኻን ቋንቋኻ ዝዛረብ ወዲ ዓድኻ ክትረክብ ተስፋ እዩ። ንሳቶም ኣብቲ መኽዘን ካልኣይ መዓልቶም ከምዝሓዙ ነጊሮሙና።

ቴሌፎን ናይቲ ዘምጸኦም ሰምሳሪ ስለዝተዓጽወት ተሻቒሎም ጸጸኒሖም ይፍትኑሉ ነይሮም።

ስልኪ ዝቕበሎም ምስ ሰኣኑ ዓቕሎም ጸቢብዎም፡ እዚ ወዲ ዋላ እውን ክሸጠና ይኽእል እዮም ኢሎም ፈሪሖም፡ እቶም ካብ ገዳርፍ ዝነቐሉ ብጾትና ዝኣተውላ ሰንበት ንግሆ ‘ወላ ንተሓዝ’ ኢሎም፡ ኣንጸርጺሮም፡ ማዕጾ ከፊቶም ካብቲ መኽዘን ወጺኦም እግሮም ናብ ዝመርሖም ከይዶም።

እንተኾነ ብኣካዳድናኦምን ምስሎምን ኣጋይሽ ምዃኖም ተለልዮም ከምዝተታሕዙ ዝሰምዐ እቲ ንዓና ዘምጽኣና ሰምሳሪ፡ ንሕና እውን ከይንተሓዝ ሰጊኡ፡ ኣብታ መኪና ከም ሰርዲን ጸፋጺፉ ካብቲ ከባቢ ኣርሒቑና።

ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ሰለስተ ገዛውቲ ቀያይሩና። ግን ኣይተዓወትናን፡ ኣብ መወዳእትኡ ሒዞሙና።

እቲ በዓል መኪና ግን ሃዲሙ ወጺኡ። ኣስታት 17 ኣቢልና ኢና ኔርና። ኣደ ህጻናትን ቖልዑን ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋና። ኣወዳት ኣርባዕተ ኢና። እቶም ኣባላት ጸጥታ ነቶም ኣርባዕተ ኣወዳት፡ ብሰደፍ ብረት ኣይተርፍ ብበትሪ በእጋሮምን አእዳዎምን ቀጥቂጦም ብመኪና ጽዒኖም ናብ ሓደ መደበር ፖሊስ አእትዮሙና።

ካብኡ እውን ናብ ካልእ ኣግዒዞሙና። ንኹላትና ፈታቲሾም በብሓደ መርሚሮም ዝረኸቡልና ስለዘይነበረ፡ ናይ ነዳዲ ፊስቶታት ኣብ ዘለዎ ሓደ መጽለሊ ዘይብሉ ቦታ ደርብዮሙና። ምስ ቖልዑና ብጸሓይን ንፋስን ተጠቒዕና ኣብኡ ንውዕል ንሓድር ነይርና።

ገሊአን እተን አሕዋትና ተሌፎነን ስለዘይተሓድጋ ነቲ ሰምሳሪ ደዊለናሉ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ኣቢሉ እቲ ገዲፉና ዝሃደመ መራሕ መኪናና መጺኡ፡ “ ኣጆኹም ከውጽአኩም እየ ኣይትጨነቑ፡ ዋላ እውን እንተሃረሙኹም ዓቕሊ ግበሩ” ኢሉና ከይዱ።

“ክንሃድም’ዶ?”

ንሕና ግን እቲ ሃለዋት ስለዝኸበደና “ክንሃድም’ዶ?” ኢልና ትንዕ ትንዕ ኢልና ነይርና። ግን ከኣ ነተን ኣደ ቖልዑ አሕዋትና ገዲፍናየን ክንከይድ ነብስና ኣይገበረልናን።

ድሕሪ ራብዕቲ ኣቢሉ ሰንበት ዝተታሓዝናስ፡ ንረቡዑ ማለት እዩ፡ ሓደ በዓል ሰለስተ ጽሩራ ሓላፊ መጺኡ፡ “ንሕና ዋላ ሓንቲ ኣይረኸብናልኩምን ስለዚ ብወገንና ናጻ ኢኹም፡ ግን ካልኦት ከይርእይኹም ካብዚ ከባቢ በብሓሙሽተ ኬንኩም ውጽኡ። ኣብዚኣ ንኻልኣይ ግዜ እንተተታሒዝኩም ኣኺሉኩም እዩ፤ ቁሊሕ ኢሉ ዝርእየኩም የሎን” ኢሉ መንገዲ ኣትባራ ሓቢሩና። ንሕና ከኣ ነተን ኣዋልድን ቖልዑን ተማቒልና በበርባዕተ ሓሙሽተ ኬይንና ቀስ ኢልና ወጺእና።

ሽዑ እቲ ሰምሳሪ፡ ብቴሌፎን፡ ኣብ ኣትባራ ምስ ወረድኩም ዝቕበለኩም ሰብ ክገብረልኩም እየ ኢሉና። ካብቲ ዝተታሓዝናሉ ዓድዳምር ብኣውቶቡስ ናብ ኣትባራ ኬድና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ንኣትባራ ብሰላም ንኣቱ ንሱ እውን ከምቲ ዝበሎ ዝቕበለልና ገይሩልና ጸኒሑ።

እቲ ዝተቐበለና፡ ብመኪና ኣስታት 40 ደቓይቕ ዝኸውን ዘዊሩ ናብ ሓደ በረኻ ወሲዱና። እቲ ዝኣተናዮ ገዛውቲ ግን ጽቡቕ እዩ። እኹል መግብን ማይን ሂቦም፡ እተን ንዶብ ግብጺ ዘብጽሓኹም መካይን ክሳብ ዝዳለዋ ኣብዚ አዕርፉ ኢሎምና አዕሪፍና።

ድሕሪ ሳልስቲ ኣቢሉ እቲ ቅድም ገዲፉና ዝሃደመ ሰምሳሪ ን13 ሰባት ጽዒኑ ኣብ ሓደ አእማን ዝበዝሖ በረኻ ኣብጺሑና። ንዓና ኣብኡ ገዲፉ፡ ነቶም ዝተረፉ፡ ተመሊሱ ኣምጺኡዎም። ሽዑ ንሰሃራ ዝቖርጻ ኣርባዕተ፡ ኣረርብዓ ሊትሮ ነዳዲ ዝጸዓና ክልተ ላንድ ክሩዘራት መካይን መጺአን ሰቒለናና ምድረ ሰማይ ጽልምት ምስ በለ ጉዕዞ ጀሚርና።

እቲ ጉዕዞ ሓደገኛ እዩ። ኣካይዳኦም ጠገለ የብሉን። ብፍላይ ናይ ሓለዋ ዝመስል ብርሃን እንተርእዮም፡ ኣብ ድሕሪት ሰብ ከምዝጸዓኑ እውን ኣይዝክሩዎን እዮም። ከም ዑፍ እዮም ዝበሩ። ስለዚ ኣብ መንጎ ብጾትካ ይሓሙ ይጽልኦም የምልሱ። ብዝኾነ ምሉእ ለይቲ ክይድ ሓዲርና ሰዓት 3 ናይ ለይቲ ኣቢሉ ይኸውን እታ ንሕና ዝነበርናያ መኪና ጎምኣ ይነፍስ።

ንሳቶም ነቲ ጎማ ክሳብ ዝቐይሩላ ቁሩብ ነዕርፍ፤ ግን ኩላትና ብድኻም ተሰኒፍና ኢና። ዝኾነ ካብታ መኪና ዝወረደ ሰብ፡ ምድረ ሰማይ ስለዝዞሮ [ውንኡ ስሒቱ] እዩ ነይሩ። ብዝኾነ ድሕሪ ኣስታት 40 ደቓይቕ ጉዕዞና ንቕጽል።

ቀዳም እውን ክይድ ውዒልና ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሎም ኣብ ዶብ ምስሪ [ግብፂ] ኣብጺሖምና። ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉዕዞ ጽምእን ድኻምን ስለዝነበረና ቁሩብ ተምርን ሕፍኒ ማይን እናሰተና ኢና ተጓዒዝና።

ኣብ ዶብ ምስሪ ክልተ ላንድክሮዘራት መካይን ዝሓዙ ደቂ 16-17 ዓቕመ ኣዳም ዘይበጽሑ ሓላፍነት ክስከሙ ዘይኽእሉ ቖልዑ እዮም ተቐቢሎምና። ገለ ዓይነት ሽታ ዘለዎ ቖጽሊ እዮም ዘትክኹ፤ ጨንኡ ጥራሕ ዕግርግር’ዩ ዘብለካ። ኣብቲ ዶብ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ምስ አዕረፍና ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ኣበጊሶምና።

ሰዓት ሽዱሽተ ኣቢልና ኣብ ዲቕ ዝበለ ኣጻምእ ሰሃራ ንኣቱ። እቲ ሓመድ ኣዝዩ ድኹም ደቦቕቦቓ እዩ። ሽዑኡ ሕጂ ‘ጽቡቕ ጌርኩም ሓዙ፡ ኣይትደቅሱ፡ ዝኾነ ካባኹም እንተወዲቑ ጠጠው ኣይክንብል ኢና’ ኢሎም ኣፈራሪሖምና።

ነተን መካይን ኣብ መንጎ ሰማይን መሬትን እዮም ዘንፍሩወን። ነንዝረኸብናያ ንእሽተይ መትሓዚ ኣጽኒዕና ሒዝና ‘እግዚኦ መሓረነ’ እናበልና ኢና ተጓዒዝና። ፍጥነት ናይተን መካይን ኣብ መኪና ድየ ዘለኹ ኣብ ነፋሪት ዘብል እዩ።

ኣብቲ መገዲ ዝተገምጠላ መካይ፞ን ዝተበታተነ ጫማን ደም ዝተጸየቐ ክዳውንትን እናረኣና ኢና ንጓዓዝ። ንዕኡ ምስ ረኣኻ ልብኻ ግምጥልጥል’ዩ ዝብለካ። ንሕና እውን ውዒልና ሓዲርና ከይንግምጠል እናሰጋእና ንረብና እናለመንና ተጓዒዝና። እንተ ንሳቶም ሰብ ዝጸዓኑ እውን ኣይመስሎምን - ፈጺሙ እዩ ቅጭጭ ዘይብሎም። እናሰሓቑ እናወጨጩ እዮም ዝሕምበቡ።

ቀዳም ምሉእ መዓልቲ ክይድ ውዒልና፡ ንጽባሒቱ ሰምበት ሰዓት 3 ኣቢሉ ምስ ኮነ ማይ ወዲእና። እቲ ጸሓይ ሃር ሃር ዝብል ነዲ እዩ። እቶም ምስራውያን ኣጆኹም ‘ክንኣቱ ቀሪብና ኢና’ ይብሉና፤ ግን ወላ ሓደ ተስፋ ዝህብ ነገር ኣይረኣናን።

ንየማነ ጸጋም እንተጠመትካ ስቕ ኢሉ ዝነድድ ሃር ሃር ዝብል ዋዒ ኢኻ ትርኢ። ሽዑ ሓደ ወዲን ሓንቲ ጓልን ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ቁልዕጽ ቁልዕጽ ኢሎምና። ኩላትና ስለዝደኸምና ንገብረሎም ደገፍ ኣይነበረናን። እተን መካይን ከም ንፋስ ስለዝሕመበባ እቲ ዋዒ ዝሓዘለ ንፋስ እዩ ዘንቅጸና ነይሩ። ብስርዓት ከም ሓዊ እዩ ዝሽልብበካ።

“ኣንቱም ሰባት ንመውት ኣሎና”

ነቶም ምስራውያን “ኣንቱም ሰባት ንመውት ኣሎና” ምስ በልናዮም፡ "ደሓን ጸገም የሎን፡ ነቶም ዝሞቱ ቀቢርናዮም ክንቅጽል” ኢና ኢሎምና ይዝውሩ ጥራሕ።

"ኣንታ ኣምላኽ ሓደራኻ ሕማቕ ኣይተርእየና" እናበልና በብልብና እናጸለና ጨሪስና ምስተኻኣልና፡ መጽለሊ ኣብ ዘይብሉ ጭው ዝበለ ጸሓይ ደው ኣቢሎም እታ ሓንቲ መኪና ማይ ከተምጽኣልና ከይዳ።

ዕድል ገይርና ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣቢሉ ማይ ሒዞምና መጺኦም። ሽዑ ማይ ሰቲና ትንፋስና ምስ ተመልሰ ጉዕዞ ቀጺልና። ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ኣብ ኣስዋን ኣቲና።

ኣብ ሓደ ዓቢ መኽዘን ኣራጊፎም ነንእሽቶ ዝብላዕ ሂቦሙና። ሰረቕትን ሸፋቱን ኣለው ስለዝበሃል እቲ መኽዘን ብሰብ ብሬን ዕጡቓት እዩ ዝሕሎ። እቶም ዕጡቓት ከኣ ዋላ ሓንቲ ከይረኣዩ ንኸሰናብዱኻ ጥራሕ ስቕ ኢሎም እዮም ንሰማይ ዝትኩሱ።

ሽዑ እቲ ዘዝኸፈለ ካብቲ መኽዘን ወጺኡ ብባቡር ናብ ካይሮ ይኸይድ። ኣብ መገዲ ከም ገለ ፖሊስ እንተሒዞሙኻ ናብ ዓድኻ እዮም ዝጥርዙኻ። ቅድሜና ንኤርትራ ዝተጠረዙ ከምዘለው ንሰምዕ ስለዝነበረና ንኹሉ ጉዕዞና ብሻቕሎት ኢና ንሓልፎ። እታ ካብ ኣስዋን ናብ ካይሮ እትኸይድ ባቡር ኣብ ኣስታት 10 ስቴሺን እያ ጠጠው ትብል።

ኣብኡ ጥዑይ ፖሊስ እንተረኺቡካ ገኒሑ የፋንወካ፡ ሓደ ጨካን እንተጋጢሙካ ግን ኣብ ጁባኻ ዝረኸቦ የሕድገካ። ንዓይ እውን ገንዘብ ደልዮም ሳንጣይን ክዳውንተይን ፈታቲሾሙኒ ግን ዋላ ሓንቲ ስለዘይነበረኒ አሕሊፎሙና።

ኣብ መገዲ ገሊኦም ብጽምኢ ማይ፡ ገለ ብተዅሲ ሸፋቱ፡ ገሊኦም ካብ መኪና ተገምጢሎም ዝሞቱን ዝተጎድኡን ሰባት ከምዘለው ንስምዕ ነይርና። ንሕና ግን ብዕድል ኩላትና እቶም መጓዕዝቲ ድሕሪ ናይ 15 ሰዓታት ዘሰንብድ ጉዕዞ ብሰላም ንካይሮ ኣቲና።

ጉዕዞ ሱዳን ግብጺ ግን እትረፍ ንፈታዊኻ ነቲ እትጸልኦ ሰብ እውን ኣይትምነየሉን ኢኻ። ኩሉ ቤተሰብን መቕርብን ንዓና ኮነ ቅድሜና ንዝተጓዕዙ አሕዋቶም ቤተሰቦም በዚ ንህይወት ዝፈታትን ሓደገኛ ጉዕዞ ንኸይከዱ ይመኽሩና እዮም።

ግን ኩላትና በቲ ግዝያዊ መከራ ስለእንጭነቕ ነቲ ሰብ ዝመኽረና ኣይንሰምዖን ኢና። ባዕልና ክንፍትኖ ኢና ንደሊ - ምስ ፈተንናዮ ግን "ኦ ኣምላኸይ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ከምዚ ዓይነት መከራ ኣይተእትወኒ" ኢና ንብል።