ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ንምውጋድ ወጺኡ ዘሎ ውጥን

እዛ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን እትርከብ 'ኤፍ-ኤስ-ኦ ሴፈር' ተባሂላ እትጽዋዕ ‘ታንከር’ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ዝግመት ነዳዲ ሒዛ’ያ ደው ኢላ ዘላ። 

ንዓመታት ክንክን ስለዘይተገብረላ ድማ፡ እቲ ሒዛቶ ዘላ ነዳዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንተፈሲሱ፡ ኣብ መዳውብቲ ሃገራት ናይቲ ባሕሪ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ስለዝኽእል ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ነቲ ሓደጋ ንምግታእ ልዝብ ከካይድ ምጽንሑን ይፍለጥ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ብመሪሕነት ናይቲ ውድብ ሓድሽ ተበግሶታት ክውሰድ ጀሚሩ’ሎ። 

ብቕልጡፍ ገለ ክግበር እንተዘይተኻኢሉ ግን እታ ኣረጊት መርከብ ክትስበር ወይ ክትፍንጀር ከም እትኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ’ሎ። 

መርከብ 'ኤፍ-ኤስ-ኦ ሴፈር'

ኣብ 1976 ኣብ ጃፓን ዝተሰርሐት ኤፍ-ኤስ-ኦ (FSO SAFER) ተባሂላ እትጽዋዕ ዓርሞሸሽ መርከብ፡ ፈለማ ዘይተጻረየ ነዳዲ ከተመላልስ ዝተሃንጸት ኮይና፡ ኣብ 1986 ግን ናብ እተንሳፍፍ መኻዚኖ (Floating Storage and Offloading Unit- FSO) ዝተቐየረት እያ። 

ካብ 1988 ጀሚራ ኣብ ከባቢ ራስ ዒሳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፋል ገማግም ባሕሪ የመን መልህቓ ብምስዳድ፡ ነቲ ካብ ገንእታት ማሪብ ዝፍልፍል ነዳዲ ክትዓቁርን ናብ ወጻኢ ክትሰድድን ምጽንሓ፡ ዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ (IMO) ዝተባህለ ትካል ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። 

ዋና ናይታ መርከብ ሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ የመን’ኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ካብ 2015 ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ምውጻእ ይዅን ምስዳድ ነዳዲ ኣቋሪጹ ምህላዉ ይፍለጥ። 

ኣብ ከምዚ ኵነታት ድማ እታ መርከብ ኣስታት 1.1 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ኣብ ከርሳ ሒዛ ንዓመታት ሓዲግ ተሪፋ ትርከብ። 

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብታ መርከብ ዝልሑኽ ነዳዲ ከምዘየለ’ኳ ዝግለጽ እንተኾነ ካብ 2015 ጀሚሩ ዝኾነ ክንክን ስለዘይተገብረላ ግን ከቢድ ሓደጋ የንጸላልዋ ከምዘሎ ይግለጽ። 

ኣብታ ታንከር ዘሎ መጠን ዘይተጻረየ ነዳዲ 40 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲን ሓይልታት ናይቲ ብሱዕድያ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ኣልያ ክትረክብ ኣይከኣለትን ጸኒሓ። 

ኣብ ስርዓተ-ማሕድሮ ሂወት ቀይሕ ባሕሪ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ

ኤርትራ ትርከቦም ወገናት እታ መርከብ ኣብ ልዕሊ ማሕድሮ ስነሂወት ባሕሪን ቁጠባን ዓቢ ዕንወት ከየውረደት ህጹጽ ኣቓልቦ ክግበረላ ክጽውዑ ጸኒሖም’ዮም። 

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ተስፋይ ገብረስላሰ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ኣኼባ ስነሂወታዊ ብዙሕነት ሕቡራት ሃገራት ብማንዛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እታ ልዕሊ 1200 ኪሜ ዝንውሓቱ ገማግም እትውንን ኤርትራ ዘይተበርበረ ሃብቲ ባሕርን ማሕድሮ ብዙሕ ስነሂወት ዝኾና ደሴታት ከምዘለዋ ይፍለጥ። 

ትካል ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ “ካብ ኤፍ-ኤስ-ኦ ሴፈር ዝፈስስ ነዳዲ፡ ዓቢ ሰብኣውን ከባብያውን ሓደጋ” ከስዕብ ይኽእል’ዩ። 

ካማራንን ካልኦትን ደሴታት ዝርከብዎ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ዘሎ ክፋል ገማግም የመን ቀንዲ ግዳይ ናይቲ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ። 

ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ገማግማቱን ዘሎ፡ ዱር ማንግሮቭ፡ ኮራል ሪፍ፡ ሰፈር ኣዕዋፍን ዝበሉ ተነቀፍቲ ስርዓተ-ማሕድሮታት ናይቲ ዝስዕብ ብከላ ግዳያት ክኾኑ ዝኽእሉ’ዮም። 

መጠንን ስፍሓትን ናይቲ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ግን፡ ብመጠን ናይቲ ዝፈስስ ነዳዲ፡ ኣብቲ እዋን ዝህሉ ኵነታት ኣየርን ውቅያኖሳዊ ረቛሒታትን ዝውሰን’ዩ ይብሉ ክኢላታት። 

ኣብቲ ገማግምን ደሴታትን ዝርከብ ከም መጻረዪታት ማይ ጨው፡ ከምኡ’ውን ናይ ዓሳ ወደባትን ማርሳታት’ውን ከይተጸልዉ ኣይተርፉን’ዮም። 

“እቲ ዝፈሰሰ ነዳዲ ናብ ኤርትራ፡ ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ክበጽሕ’ውን ተኽእሎ ኣሎ’ ይብል እቲ ትካል። 

በቲ ዝስዕብ ብከላ፡ ኣብታ ብኲናት ዝማሰነት የመን ጥራይ መነባብሮ ናይ ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ክድምሰስ’ዩ። 

ካብኡ ዝገደደ ግን፡ እቲ ዝፈሰሰ መርዛም ቀመማት ነባሪ ብድሆታት ክፈጥር ምዃኑን፡ ንምጽራዩ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ክሓትት ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ዘጠንቅቑ። 

ነቲ ሓደጋ ንምግታእ ዝግበር ዘሎ ዓለምለኻዊ ተበግሶታት

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓደጋ ንምእላይ ክዘራረብ'ኳ እንተ ጸንሐ፡ ብሰንኪ ዘይምስምማዕ ሓይልታት የመን ክሰልጥ ኣይከኣለን።

ኣብ ፈለማ መጋቢት 2022 ግን ኣብ መንጐ እቶም ንርእሰከተማ ሰንዓ ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲን፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ዴቪድ ግሪስሊን ብዛዕባ ተራ ሕቡራት ኣብ ምግታእ ናይቲ ሓደጋ ዝምልከት ምርድዳእ ተበጺሑ። እቲ ኣብ ዓደን ዝርከብ መንግስቲ የመን’ውን ንተበግሶ ሕቡራት ሃገራት ደጊፍዎ’ዩ። 

በዚ መሰረት፡ ብ9 ሚያዝያ 2022፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ስግኣት ንምቍጽጻር ሓደ “ሴፈር” (‘ውሑስ’) ዝበሎ ወጥን ኣውጺኡ’ሎ። 

እቲ ውጥን ክልተ ኣብ ሓደ እዋን ዝፍጸም ገጻት ዘለዎ እዩ ክኸውን። እቲ ቀዳማይ 18 ኣዋርሕ ዝወስድ ኮይኑ፡ ነታ ዝኣረገት ታንከር ንምትካእ ዝዓለመ’ዩ። እቲ ካልኣይ ህጹጽ ስርሒት ድማ፡ ነቲ ሒዛቶ ዘላ ነዳዲ ናብ ባሕሪ ምልሓዂ ከይጀመረ እንከሎ፡ ናብ ካልእ ውሕስቲ መርከብ ምስግጋር ዝብል’ዩ። 

‘ኤፍ-ኤ-ኦ’ን እታ ንግዚኡ ነዳዲ ዝሰጋገረላ መርከብን፡ ክሳብ እታ ቀዋሚት መተካእታ ቦታኣ ትሕዝ ኣብ ዘለውኦ ክጸንሓ’ዩ ተሓሲቡ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ነዳዲ ናብታ ሓዳስ መተካእታ መርከብ ምስ ተሰጋገረ፡ ኤፍ-ኤስ-ኦ ናብ ሓደ መደበር መራኽብ ተጐቲታ ክትሕረጅ እያ። 

ነቲ “ግዜ ዘይህብ” ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ኣሸበሸብ ውጥን ንምዕዋት፡ 80 ሚልዮን ዶላር ክውድእ ትጽቢት ይግበረሉ። 

እንተኾነ ግን እቲ ገንዘብ ብቐሊሉ ዝርከብ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳብ ሕጂ 60 ሚልዮን ጥራይ’የን ክህባ ተመባጺዐን ዘለዋ። 

እታ በቲ ሓደጋ ክትጽሎ እትኽእል፡ ዝነውሐ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋን፡ ብነዳዲ ሃብታምን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብወገና 10 ሚልዮን ዶላር ከምእትህብ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣፍሊጣ ነይራ። 

እተን ካልኦት መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾና ሃገራት ብዛዕባ ዘበርከትኦ መጠን ገንዘብ ግን ዝተፈልጠ የለን። 

ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ንምምላእ፡ ብመንገዲ ‘ክራውድፋንዲንግ’ ካብ ህዝቢን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ገንዘብ ንምርካብ ከጎሳጉስ ጀሚሩ’ሎ።

“ቀንዲ ዘሻቕለኒ ዘሎ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ዝኽሰት ሓያል ንፋስ ባሕሪ ከይመጸ እንከሎ ኣብ መወዳእታ መስከረም ክንውድኦ ኣለና” ዝበለ ነቲ ስራሕ ዘወሃህድ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፡ ዴቪድ ግሪስሊ፡ እንተዘይኮነ እታ መርከብ ክትስበር ከምኡ’ውን ምስቲ ዝግበር ናይ ምድሓን ስርሒታት ዘሎ ተኽእሎ ሓደጋታት ክብርኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።