ቀይሕ ባሕሪ፡ ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ ኣሎ

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ሓያሎ መዳውብቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝሳተፍኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ልምምድ ሓይሊታት ባሕሪ ይካየድ ኣሎ።

እቲ "ቀይሕ ማዕበል 5" ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ልምምድ ሓይሊታት ባሕሪ ንግስነት ስዑድ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ የመንን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ሶማልያ'ውን ተዓዘብቲ ሰዲዳ'ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 29 ግንቦት ኣብ ገማግም ወደባዊት ከተማ ጂዳ ዝጀመረ ልምምድ፡ ሓይሊ ምድሪ፡ ሓይሊ ኣየርን ሓለዋ ዶባትን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘጠቓለለ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ነቲ ልምምድ ዘወሃህድ ዘሎ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ክንፊ (ፍሊት) ስዑድ ዓረብ፡ ሪር ኣድሚራል ያሕያ ቢን መሓመድ ኣል-ኣሲሪ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ልምምድ፡ "ንማያዊ ጸጥታ መዳውብቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ንምድንፋዕ፡ ማያዊ ግዝኣት ንምክልኻልን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምሕያልን" ዝዓለመ ምዃኑ ከምዝገለጸ ትካል ፕረስ ስዑድያ ጸብጺቡ።

"እቲ ልምምድ ንዅሉ ግብራዊ ንጥፈታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ኵሎም ተሳተፍቲ ሓይልታት ዘበርኽ ክኸውን'ዩ" ክብል'ውን እቲ ኣዛዚ ተዛሪቡ።

ኤርትራ፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዓቕምታተን ኣወሃሂደን፡ ንጸጥታን ምርግጋእን 'ቲ ዞባ ከውሕሳ ክትጽውዕ'ኳ እንተ ጸንሐት፡ ካብቲ ልምምዳት ምብኳራ ግን ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።

ስለምንታይ'ያ ኤርትራ ኣብቲ ልምምድ ዘይተሳተፈት?

"ቀይሕ ማዕበል" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ካብ 2018 ኣትሒዙ ክካየድ ዝጸንሐ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኤርትራ ስለ ምንታይ ኣብ ኵሎም እቶም ልምምዳት ዘይተሳተፈት ዝብል ግን ብወግዒ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ "ቀይሕ ማዕበል 2"፡ ኤርትራ፡ ንጸጥታዊ ውሕስነትን ምትሕብባር ሃገራትን ዝምልከት ዘለዋ ኣጠማምታ ካብ ምግላጽ ሓሊፋ ኣይተሳተፈትን።

"ንዘላቒ እሙን-ርግኣት ናይዚ ኣህጉራዊ ማያዊ-መገዲ'ዚ፡ ኣበርክቶ ሃገራት'ዚ ገማግም፡ ወሳንን መተካእታ ዘይርከበሉን እዩ" ክብል መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።

"ኣብ ነንበይኖም እዋናት ክፍተኑ ዝጸንሑ ምውስዋሳት፡ እንተላይ ኣብዚ ሰሙን'ዚ [መወዳእታ መስከረም 2019] ብሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓበራዊ ልምምድ ከኣ ናብዚ ሸቶ'ዚ ዝዓለሙ እዮም፡" ይብል እቲ ሽዑ ዝወጽአ መግለጺ።

ወተሃደራዊን ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢን ኤርትራ ብዊንታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝምእዘን ዝገልጽ፡ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኤርትራ ነበር፡ ጽልዋኡ ውሑድ ምዃኑ እንተፈሊጡ ክሕሰሞ ከምዝኽእል ይእምት።

"ናይ ግብጽን ስዑዲን ዓቢን ምዕቡልን ወተሃደራዊ ተሳታፍነት፡ ምስኦም ዝዳረግ ጽልዋን ዓቕሚን ዘይምህላዉ፣ ንእሽቶ ተሳታፋይ ክኸውን ስለዘይደለየ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ይብል ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም።

"ኢሳይያስ፡ ብኻልኦት ካብኡ ዝዓብዩ ክቕየድን ክምራሕን ኣይደልን'ዩ። እዚ ውልቃዊ ባህርያቱ'ውን ቅድሚ ሕጂ ኤርትራ ናብ ግጭትን ኲናት ከተምርሕ ካብ ዝደረኹ ረቛሒታት ሓደ'ዩ" ብምባል፡ ኤርትራ ብዘለዋ ዓቕሚ እንተትሳተፍ ካብቲ ወተሃደራዊ ልምምድ እትረኽቦ ናይ ተመኵሮን ባጀታውን ረብሓታት ኣሎ ይብል።

ከምዚ ዓይነት ስልታዊ መርገጺ ምውሳድ'ውን፡ ነቲ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ሃገራት ክህልዎ ዝኽእል ረብሓታት ንምርግጋጽ ተዓጻጻፊነት ክህልዎ ስለዘኽእሎ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ንኣብነት፡ "ንቻይና ወይ ንሩስያ ዕድል ክህብ ይደሊ ይኸውን፡ ከምኡ ክኸውን እንተኾይነ ድማ፡ በቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝህሉ ስምምዕ ክቕየድ ኣይደልን ይኸውን" ይብል።

ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ከምዝተሰማምዐት ዝገልጽ ጸብጻባት ኤርትራ ክትነጽጐ ጸኒሓ'ያ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ትማሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ንእኩይ ዕላማ ኮነ ኢልካ ዝዝርጋሕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ እዩ" ክብል ብምንቃፍ "ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ንቡራት ልምድታትን ዝተመስረተ ናታ ናይ ምክልኻል ቅርጺ ክትሃንጽ ምሉእ መሰላትን ናጽነትን ኣለዋ" ክብል ጽሒፉ'ሎ።

መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘለዎ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እናሓየለ ዝመጽአ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካልእ መግለጺ ክወሃበሉ ኣይክልን'ዩ ይብል ኣምባሳደር ዓብደላ።ከምቲ ናይ ሶማልያ፡ እንተወሓደ ኤርትራ ተዓዘብቲ ክትሰድድ ዘይምኽኣላ'ውን፡ ነዚ ዘንጸባርቕ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።

ሓንቲ ካብ ቀንዲ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ኮይና እናሃለወት፡ ተዓዛቢት ጥራይ ክትከውን፡ ንዓቕማን ኣገዳስነታትን ዘንኣእስ ስለ ዝኾነ ብተዓዛብነት ጥራይ ክትሳተፍ ከም ዘይትኽእል'ዮም ተንተንቲ ዝምጉቱ።

እታ ብቐጥታ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮነት ሃገረ ሶማልያ፡ ኣብቶም ክካየዱ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ልምምዳት ተዓዘብቲ ክትሰድድ ምጽንሓ ይፍለጥ።ኣብ ጥሪ 2020፡ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ክምስርታ ተሰማሚዐን ምንባረን ይዝከር።

ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ጕጅለ ልኡኽ ኣብቲ ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ኤርትራ፡ የመን፡ ሱዳን፡ ሶማልያን ጂቡቲን ዝተረኽባሉ ኣኼባ ተሳቲፉ ነይሩ።

ኣገዳስነትን ስግኣታትን ቀይሕ ባሕሪ

ንዘመናት ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዓለም ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብዚ እዋን እዚ'ውን ዳርጋ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ማያዊ ንግዲ ዝሓልፈሉ ስትራተጂካዊ መስመር'ዩ።

ኣገዳስነቱ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ምዂዓት መትረብ ስዊዝ፡ መራኽብ ኣውሮጳ ነቲ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ (ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ) ተጠውየን ዝኸዳኦ ዝነበራ ጕዕዞ ኣዝዩ ስለ ዘሕጸሮ፡ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ዓብዩ'ዩ።

ብቐረባ ግን ኣብ ጐዶቦ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ናብ ምዕራብ ዝሰዳኦ ነዳዲ ብኡ ስለ ዝሓልፍ ንኣገዳስነቱን ተነቃፍነቱን ዝያዳ የዕዝዞ።

ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ መስመርን ደቡባዊ ኣፍደገኡን ውሕስነት ክረክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ማለት'ዩ።

ብሰንኪ ምፍራስ ሃገራዊ መንግስቲ ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ሽበራዊ ምንቅስቓስን ቅርሰናን ምስዓቡ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብቲ መላግቦን ኣፍደገን ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ወሽመጥ ዓደን ዝማዕበለ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ክሳራ ዘስዓበ ቅርሰና፡ ኣድህቦ ሓያል ቁጠባ ዘለወን ሃገራትን ትካላት ንግድን ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ እቲ ሓያሎ ሃገራት ወጻኢ ኢደን ዘእተዋሉ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ የመን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ንውሕስነት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩሉ'ዩ።

ጂኦ-ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ከም ብሓድሽ ኣቓልቦ ሓያላት ሃገራት ዓለምን፡ ኣተኲሮ ሃገራት ናይቲ ዞባን እናሰሓበ ብምምጽኡ ሓያሎ ምዕባለታትን መናውራታትን ክርኣይዎ ጸኒሖም እዮም

ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ፡ ንርእሰከተማ ሰንዓ ብምቍጽጻር ማእከላይ መንግስቲ ናብታ ርእሰከተማ ደቡብ የመን ዝዀነት ወደባዊት ከተማ ዓደን ክዕግዝ ምግዳዶም ንጐረቤት ሃገር ስዑድያ ኣየቕሰናን።

ንምእትእትታው ቀንዲ መቐናቕንታ ዝኾነት ኢራን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምግታእ፡ ስዑድያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትርከቦ ሓደ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ብምምስራት ነቲ ድሩት ዓቕሚ ጥራይ ሒዙ ዝተረፈ መንግስቲ የመን ብምስላፍ፡ ኣንጻር ሑቲ መጥቃዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ።

ነቲ ልፍንቲ ከምእትድግፍ ዘፍለጠት ኤርትራ ድማ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ንኲናት የመን ዝምግብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ኣፍቂዳትላ።

ላወ ዓበይቲ ሓይልታት

ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ንስትራተጂያዊ ረብሓታተን ክብላ'ውን ኣብቲ ዞባ ጕሉሕ ወተሃደራዊ ህላወ ኣሎወን።

ኣመሪካ፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ካብ ግዜ ዝሑል ኲናት ጀሚራ ገዚፍ ወተሃደራዊ ህላወ ጸኒሑዋ'ዩ።

ቀንዲ ሰፈር ማእከላይ እዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብኡ ምዃኑ'ውን መርኣያ ናይዚ'ዩ።

እቲ ኣብ ሶማልያ ቀጻሊ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ዘካይድ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ'ውን ኣካል ናይዚ'ዩ።

ጂቡቲ፡ ብዘይካ'ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ቻይናን ጃፓንን 'ውን ኣአንጊዳ ትርከብ።

ሩስያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ህልውናኣ ከተረጋግጽ ሃቐነታትን ፈተነታትን ከምእትገብር፣ ኣብቲ ዞባ እግራ እንተንቢራ ኸኣ ነቲ ዘሎ ስግኣታት ናብ ወጥርን ምትፍናንን ከይትቕይሮ ስክፍታታት ኣሎ።

ህላወ ናይዞም ዓበይቲ ሓይልታትን ኲናት ዩክረይን ዘስዕቦ ወጥርታትን ኣብቲ ዞባ ምክፍፋላት፡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ምፍጣሮም ከም ዘይተርፎም ይግመት።