ኣብ ኣመሪካ ዝርርብ ሰላም ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ሩስያ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈፂማ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ንሰለስተ መዓልታት ምስ ጕጅለ ድርድር ዶናልድ ትራምፕ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ "ኣዝዩ ሃናጺ" ከም ዝዀነ ኣብ ዝገለፀሉ እዋን፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ።
ብኻልእ ወገን ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣብ ሓያሎ ቦታታት 77 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን ከም ዘውደቐ ገሊጹ።
እዚ፡ እቲ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ፃዕርታት ይጠናኸር፤ ብኽልቲኡ ወገን [ካብ ኣመሪካን ዩክረይንን] ቅቡል ዝዀነ ናይ ሰላም ፍታሕ ንምንዳፍ ዝዓለመ ዝርርብ ይግበር ኣብ ዘለሉን እዋን ዝስዓበ'ዩ።
ዘለንስኪ፡ ብቀዳም ፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ድርድር ምስ ልኡኽ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍን ወዲ ሓሙ ፕረዚደንት ኣመሪካ- ጃረድ ኩሽነርን፡ ድሕሪ ምዝርራቡ ንሰላም "ቈራጽነት" ከም ዘለዎ ገሊፁ።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ ከንቲባ እታ ኣብ ዩክረይን ማእከል ኢንዱስትሪ ዝዀነት ክረመንቹክ፡ ብተደጋጋሚ "ሰፊሕ" መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀማ ገሊፁ።
ከንቲባ ቪታሊ ማሌትስክ፡ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ከተማኡ፡ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ" ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።
ክሳብ ሰንበት ንግሆ፡ ክንደይ ዝኣክል ጉድኣት ከም ዝበፅሕ'ኳ ብንፁር እንተዘይተፈልጠ፡ እቲ ከንቲባ ግን ገለ ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ከም ዝተቛረፀ ገሊጹ።
ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ እታ ከተማ ብተደጋጋሚ ዒላማ ኰይና ፀኒሓ እያ።
ዋይት ሃውስ፡ ንኽልቲአን ኪቭን ሞስኮን ነቲ ኲናት ንምቁራፅ ንኽሰማምዓ ጸቕጢ እኳ እንተገበረ፡ ብዙሕ ናይ ምምሕያሽ ምልክት ግን ኣይተራእየን።
ዩክረይን ብሓቂ ሰላም ንምዕዋት ምስ ኣመሪካ ብጽቡቕ ድሌት ክትሰርሕ ቈሪጻ ተላዒላ ኣላ" ክብል ዘለንስኪ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
"ብዙሕ መዳያት ሸፊንና፡ ነቲ ደም ዘፋስስ ዘሎ ኲናት ከብቅዕን ስግኣት ካልእ ምሉእ ወራር ሩስያ ከወግዱን ዝኽእሉ ቁልፊ ነጥብታት ኣልዒልና"።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሩስያ ብቐዳም ኣጋምሸት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ካብ መሓዙት ኪቭ ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳ ውግዘት ተሰሚዑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ምስ ዘለንስኪ ከም ዝተዘራረበን "ምሉእ ሓገዝ" ከም ዘቕረበን ገሊጹ።
"ፈረንሳ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ ተኹሲ ደው ንምባል ክትሰርሕ ቆሪጻ ተላዒላ ኣላ" ኢሉ።
ማክሮን፡ ዘለንስኪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመርን ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝን ፅባሕ ሰኑይ ኣብ ለንደን ብኣካል ክዘራረቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ኤውሮጳ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝተበገሰ ውጥን ሰላም ብምምሕያሽ፡ ንናይ ገዛእ ርእሳ እማመታት ካብ ዋይት ሃውስ ደገፍ ክትረክብ ጻዕሪ ምግባራ ዝዝከር እዩ።
እዚ ድማ ድሕሪ ኲናት፡ ንዩክረይን ኩለመዳያዊ ውሕስነት ጸጥታ ምሃብ ሓዊሱ፡ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ ክቘም ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።
ሰር ኬር፡ ንኻልእ ወራር ንምዕጋት፡ ነንውሕስነት ኪብ ክቕጽሉ ቃል ዝኣተዉ፡እኩባት መሓዙት ዩክረይንን፡ ይመርሕ፤
ንሱ ነቲ እማመ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ድሕነት ዩክረይን "ኣገዳሲ" ክብል ገሊፅዎ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ብምንፃግ፡ ዝኾነ ናብ ዩክረይንን ዝዋፈር ሰራዊት "ሕጋዊ ዒላማ" ክኸውን እዩ ብምባል ኣፈራረሑ።
ብቐዳም፡ ተደራደርቲ ኣመሪካን ዩክረይንን፡ ሩስያ "ንዘላቒ ሰላም ዕቱብ ተወፋይነት" ከተርኢ ኣተሓሳሲቦም።
እዚ ናይ ሓባር መግለጺ ዝወጸ፡ ዊትኮፍ ምስ ፑቲን ኣብ ክረምሊን ካብ ዝገበሮ ዘይዕዉት ዝርርብ ድሕሪ ምምላሱ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







