ኣመሪካ፡ ኣብ ዘተ ንውጥን ሰላም ሩስያ-ዩክረይን 'ዓቢ ምዕባለ' ተራእዩ ኢላ

ምንጪ ስእሊ, HANDOUT/EPA/Shutterstock
ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንምቍራጽ ኣመሪካ ዘቕረበቶ ውጥን ሰላም ንምውዳእ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ "ኣዝዩ ዓቢ ምዕባለ" ከም ዝተራእየ ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ገሊጹ።
ሩቢዮ ኣብ ዙርያ እቲ ውጥን ሰላም "ገና ክስራሕ ዝግብኦ ስራሕ ግን ኣሎ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ "ጕጅለ ፕረዚደንት [ዶናልድ] ትራምፕ ይሰምዓና ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክታት" ኣሎ ኢሉ።
ዩክረይንን መሻርኽታን፡ ብዛዕባ እቲ ንሩስያ ዝድግፍ ኰይኑ ዝተራእየን ቭላድሚር ፑቲን "መሰረት" ዘንጽፍ ብምባል ዝገለጾን ልሒኹ ዝወጽአ እማመታት ስክፍታኦም ገሊጾም ነይሮም።
ዘለንስኪ ዩክረይን "ኣዝዩ ከቢድ ምርጫ ከጋጥማ ይኽእል'ዩ - ክብሪ ወይ ድማ ቀንዲ መሻርኽቲ ክትስእን እያ፡" ኢሉ ነይሩ።
ሩቢዮ ብሰንበት ኣጋምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ጀነቫ ዝርከቡ ተዛተይቲ ጕጅለታት፡ "ኣዝዩ ጽቡቕ መዓልቲ" ከም ዘሕለፉ ገሊጹ።
እቲ ቀንዲ ዕላማ እቲ 28 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ኣመሪካ ንምጽባብ ምፍታን ከም ዝነበረ፣ እቶም ኣብዚ ጕዳይ ዝሳተፉ ወገናት ድማ "ዓቢ ስጕሚ" ከም ዘርኣዩ ሓቢሩ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ዲፕሎማት ኣመሪካ ወሲኹ፡ ኣብ መንጐ ፕረዚደንታት ዩክረይንን ኣመሪካን ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዘለዎን፣ እቲ ፓኬጅ ናብ ሩስያ ቅድሚ ምልኣኹ ክስርሓሎም ዝግባእ ክልተ ጕዳያት ከም ዘለውን ጠቒሱ።
ብሰንበት ድሒሩ ኣብ ዝወጽአ ሓባራዊ መግለጺ ኣመሪካን ዩክረይንን ኣብ "ዝተመሓየሸን ዝተጻረየን ማዕቀፍ ሰላም፡" ከም ዝተሰማምዓን፡ "ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ሓባራዊ እማመታት ጽዑቕ ስራሕ ክሰርሓ" ምዃነን ሓቢረን።
ሓያሎ ማዕከናት ዜና፡ ካብተን ብዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ዝምራሕ ኤውሮጳውያን መሓዙት ኪቭ ኣማራጺ ውጥን ከም ዝረኣያ ሓቢረን።
ቢቢሲ ነቲ ሰነድ ስለ ዘይረኣዮ፡ ሩቢዮ እቲ ዝተባህለ ውጥን ኤውሮጳውያን ምህላው ዝዀነ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ነጺጉ።
ኣቐዲሙ ብሰንበት ትራምፕ መራሕቲ ዩክረይን ኣመሪካ ነቲ ኲናት ደው ንምባል እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ "ዝዀነ ምስጋና" ኣየርኣዩን ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ትራምፕ፡ ኤውሮጳ ሕጂ'ውን ካብ ሩስያ ነዳዲ ትገዝእ ከም ዘላ'ውን ኣመልኪቱ።
ሞስኮ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ኲናት ንምቕጻል ኣብ ሰደድ ነዳድን ጋዝን ኣዝያ እያ እትምርኰስ።
እቲ ብሰንበት ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብ ዙርያ እቲ ውጥን ዘተኮረ ኰይኑ፡ በዚ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ካብቲ ሕጂ ዝቈጻጸርዎ ዘለዉ ክፋል ምብራቓዊ ዞባ ዶነስክ ክስሕቡን፡ ብጭቡጥ ድማ ሩስያ ንዶነስክ ከምኡ'ውን ኣብ 2014 ሩስያ ዝጐበጠቶ ዞባ ሉሃንስክን ደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያን ክትቈጻጸር ዘአንፍት እዩ።
ብተወሳኺ ዶባት ደቡባዊ ዞባታት ኬርሰንን ዛፖሪዝዚያን ዩክረይን በቲ ሕጂ ዘሎ መስመራት ውግእ ምዕጻው ዘጠቓልል እዩ።
ክልቲአን ዞባታት ብኸፊል ብሩስያ ዝተታሕዛ እየን።
እቲ ውጥን ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ኣብ 600 ሽሕ ኣባላት ጥራይ ክህልዎ'ውን ይድርቶ - ሕጂ ኣስታት 880 ሽሕ እዩ ዘሎ።
እቲ እማመ፡ ብወሳኒ መልክዑ ዩክረይን ኣባልነት ኔቶ ንምዃን ክትሓትት ከም ዘይብላ ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ ክንድኡ፡ ኪቭ "ዘተኣማምን ውሕስነት ጸጥታ" ክትረክብ እያ ይብል፤ ብዛዕባ እዚ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
እቲ ሰነድ ሩስያ ንጎረባብታ ከም ዘይትወርርን ኔቶ ካብቲ ዘለዎ ዝያዳ ከም ዘየስፍሕን "ትጽቢት ይግበር" ይብል።
እቲ ረቂቕ ብተወሳኺ ሩስያ "ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ዳግማይ ክትውሃሃድ" ምዃና ዝሕብር ኰይኑ፡ እገዳታት ብምልዓልን ሩስያ ናብ ጕጅለ ሃገራት ሸውዓተ - G7- ዳግማይ ብምጽምባር ኣባል ጕጅለ ሓያላት ሃገራት ዓለም ክትከውን እያ ይብል። እዚ ድማ ነቲ ጕጅለ 8 ክኸውን ይገብሮ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሩስያ ኣስታት 20% መሬት ዩክረይን ትቈጻጸር፤ ወተሃደራታ ዋላ'ኳ ከቢድ ክሳራ ከም ዘጋጠሞም እንተተገለጸ፡ ኣብቲ ሰፊሕ ቅድመ ግንባር ቀስ ብቐስ ክግስግሱ ጸኒሖም'ዮም።
ትራምፕ ንዩክረይን ነቶም እማመታት ክትሰማምዓሎም ክሳብ እዚ ዝመጽእ ሓሙስ ግዜ ሂቡዋ ኣሎ።
ከምኡ'ውን ሩቢዮ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ኣዝዩ ርትዓዊ ግዜ ኣዝዩ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና ዝብል ልዑል ተስፋ፡" ኢሉ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ኣብ ጀነቫ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ማርኮ ሩቢዮ እቲ ንሩስያ ዝምችእ ተባሂሉ ብሰፊሑ ዝንቀፍ ዘሎ ኲናት ዩክረይን ደው ንምባል ዝቐረበ ውጥን ብኣመሪካ ከም ዝተነድፈ ኣረጋጊጹ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ጕጅለ ሰነተራት፡ እቲ ሓደ -"ዝርዝር ድሌታት" ሩስያ ኢሉ ዝገለጾ - ውጥን ንመርገጺ ዋሽንግተን ከም ዘየንጸባርቕ ብሩቢዮ ከም ዝተነግሮም ድሕሪ ምግላጾም'ዩ።
ሩቢዮ ድሒሩ፡ እቲ ውጥን "ብኣመሪካ ዝተዳለወ"ን ካብ ሩስያን ዩክረይንን ብዝተረኽቡ "ሓሳባት " ዝሃብተመን ምዃኑ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







