መራሕቲ ኤውሮጳ 'ዘይዓገብሉ' ኣመሪካ ተዳሉዎ ዘላ ውጥን ሰላም ዩክረይን

ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ንሩስያ ዝምችእ ተባሂሉ ብሰፊሑ ዝንቀፍ ዘሎ ኲናት ዩክረይንደው ንምባል ዝቐረበ ውጥን ብኣመሪካ ከም ዝተነድፈ ኣረጋጊጺ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ጕጅለ ሰነተራት፡ እቲ ሓደ -"ዝርዝር ድሌታት" ሩስያ ኢሉ ዝገለጾ - ውጥን ንመርገጺ ዋሽንግተን ከም ዘየንጸባርቕ ብሩቢዮ ከም ዝተነግሮም ድሕሪ ምግላጾም'ዩ።

ሩቢዮ ድሒሩ፡ እቲ ውጥን "ብኣመሪካ ዝተዳለወ"ን ካብ ሩስያን ዩክረይንን ብዝተረኽቡ "ሓሳባት " ዝሃብተመን ምዃኑ ገሊጹ።

ሎሚ ሰንበት 23 ሕዳር 2024፡ ሰበስልጣን ጸጥታ ዩክሬንን ኤውሮጳን ብዛዕባ እቲ ውጥን ንምዝርራብ ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ዝራኸቡ ኰይኖም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኪቭ ብቕልጡፍ ክትሰማማዕ ጸዊዑ እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ መሓዙት ዩክረይን ዓበይቲ ድንጋገታት እቲ ውጥን ነጺገንኦ ኣለዋ፤ ዝርዝር እቲ ውጥን ወግዓዊ እኳ እንተዘይኰነ ሓሳባቱ ግን ብሰፊሑ ልሒዅ ወጺኡ ኣሎ።

እዚ ድማ ዩክረይን፡ ካብቲ ሩስያ ብሓይሊ ክትወስዶ ዘይከኣለት ምብራቓዊ ከባቢታት ሰራዊታ ክትስሕብን ዕጡቕ ሓይላ ክትድርትን የጠቓልል።

ብቐዳም ሪፓብሊካን ሰነተር ማይክ ራውንድስ ሩቢዮ ንጕጅለ ኣባላት ባይቶ እቲ ውጥን ፖሊሲ ኣመሪካ ከም ዘይኰነ ከም ዝነገሮም ተዛሪቡ።

"[ሩቢዮ]፡ እዚ እማመ: ናይ ኣመሪካ ከም ዘይኰነ'ዩ ነጊሩና፡" ኢሉ።

ማይክ ራውንድስ፡ እቲ ውጥን "ብሓደ . . . ንሩስያ ዝውክል ሰብ፡" ነቲ ከም ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ትራምፕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ስቲቭ ዊትኮፍ ዝቐረበ ምዃኑ ከም ዝተነግሮ'ዉን ሓቢሩ።

እቲ ሰነተር ኣስዒቡ፡ "ናትና ለበዋ ኣይኰነን። ውጥን ሰላምና ኣይኰነን።"

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ቶሚ ፒጎት፡ ራውንድስ ብዛዕባ ምስ ሩቢዮ ዝገበሮ ዝርርብ ዝሃቦ ጸብጻብ "ብግልጺ ሓሶት" እዩ ኢሉ።

ንሱ፡ "ከምቲ ጸሓፊ ሩቢዮን መላእ ምምሕዳርን ብቐጻሊ ዝበሉዎ፡ እዚ ውጥን ብኣመሪካ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ካብ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ዝተረኽበ ርእይቶ ተኻቲቱ'ዩ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ሩቢዮ ብወገኑ፡ "እቲ እማመ ሰላም ብኣመሪካ ዝተጻሕፈ'ዩ። ካብ ሸነኽ ሩስያ ዝተረኽበ ርእይቶ ምርኵስ ዝገበረ'ዩ። ግን ከኣ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዩክረይን ዝመጽአን ቀጻልን እታዎታት'ውን ዝተሞርኰሰ'ዩ፡" ኢሉ።

ብቐዳም ትራምፕ፡ እቲ ውጥን ንዩክረይን "ናይ መወዳእታ ጠለብ" ከም ዘይውክል ብምግላጽ፡ ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ከጽድቘ "ክግደድ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝርዝር እቲ 28 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ኣብ ዝወጽኣሉ ግዜ፡ ዘሌንስኪ "ኣብ ታሪኽና ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ከበድቲ ህሞታት፡" ብምባል ሃገሩ ነዚ ክትቕበሎ ካብ ኣመሪካ ጸቕጢ ከም ዘጋጠማ ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድማ ንዝመጽእ ስምምዕ "መሰረት" ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ትራምፕ ኣቐዲሙ ንዩክረይን ነቲ እማመ ከተጽድቕ ክሳብ ሓሙስ ግዜ ገደብ -ክሳብ 27 ሕዳር- ሂቡዋ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ዝርርብ እንተድኣሰጒሙ ግን እቲ ናይ ግዜ ገደብ ክናዋሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።

ክልቲኦም -ሩቢዮን ዊትኮፍን - ኣብቲ ሰንበት ዝካየድ ኣኼባ ጀነቫ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ከምኡ'ውን ዩክረይን ክሳተፉ እዮም።

መሻርኽቲ ዩክረይን ድሮ ነቲ ውጥን ነጺጐምዎ ኣለዉ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራትጕጅለ 20 -G20- ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ንዩክረይን ንመጥቃዕቲ ተቓላዒት ክገብራ'ዩ፡" ኢሎም።

እቲ ውጥን "ንፍትሓውን ነባሪን ሰላም ኣገደስቲ" ባእታታት ከም ዘለዎ'ኳ እንተገለጹ፡ ብዛዕባ ለውጢ ዶባትን ሰራዊት ዩክረይን ዘለዎም ስክፍታታት ብምጥቃስ"ተወሳኺ ስራሕ ከም ዘድልዮ፡" ገሊጾም።

እቲ መግለጺ መራሕቲ ካናዳ፣ ፊንላንድ፣ ፈረንሳ፣ ኣየርላንድ፣ ኢጣልያ፣ ጃፓን፣ ሆላንድ፣ ስጳኛ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ኖርወይን ዝተፈረመ እዩ። ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ'ውን ካብቶም ፈረምቲ'ዮም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውጥን "ናይ ኣመሪካ እማመ ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡" ብምባል፡ ዝዀነ ስምምዕ ድሕነት "ኵሎም ኤውሮጳውያን" እውን ከረጋግጽ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ "ንዅሉ ጽቡቕ ውጽኢት ካብ ዝህብ ነገር ኣዚና ርሒቕና ኢና ዘለና፡" ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሙሉእ ወራር ጀሚራ፡ ድሕሪኡ ዩክረይን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝስራሕ ኣጽዋር ጽግዕተኛ ኰይና ጸኒሓ።

እዚ ውጥን በዚ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ካብቲ ሕጂ ዝቈጻጸርዎ ዘለዉ ክፋል ምብራቓዊ ዞባ ዶኔትስክ ክስሕቡን፡ ብጭቡጥ ድማ ሩስያ ንዶኔትስክ ከምኡ'ውን ኣብ 2014 ብሩስያ ዝጐበጠቶ ዞባ ሉሃንስክን ደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያን ክትቈጻጸር ዘአንፍት እዩ።

እቲ ውጥን ብተወሳኺ ዶባት ደቡባዊ ዞባታት ኬርሰንን ዛፖሪዝዚያን ዩክረይን በቲ ሕጂ ዘሎ መስመራት ውግእ ምዕጻው ዘጠቓልል እዩ። ክልቲአን ዞባታት ብኸፊል ብሩስያ ዝተታሕዛ እየን።

ኪቭ "ዘተኣማምን ውሕስነት ጸጥታ" ክትረክብ እያ ይብል እቲ ውጥን።

ግን ድማ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይህብን። እቲ ሰነድ፡ ሩስያ ንጐረባብታ ከም ዘይትወርር፡ ኔቶ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ከም ዘይሰፍሕ "ትጽቢት ይግበር" ይብል።

ብቐዳም ዘለንስኪ ሓላፊ ቤት ጽሕፈቱ ኣንድሪ የርማክ ንጕጅለ ድርድር ዩክረይን ክመርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ "ወከልትና ንሃገራዊ ረብሓታት ዩክረይን ብኸመይ ከም ዝከላኸሉን ብልክዕ ሩስያ ሳልሳይ ወራር፡ ካልእ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ከይትፍጽም እንታይ ክግበር ከም ዘለዎን ይፈልጡ እዮም፡" ኢሉ።