ክንደይ ዝመጠኑ ጨው እዩ ንጥዕናና ጠቓሚ ወይ ጐዳኢ ክኸውን ዝኽእል?

ገለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ውሑድ ጨው ዘለዎ መግቢ ምምጋብ ልክዕ ከምቲ ዝያዳ ጨው ዘለዎ መግቢ ምብላዕ ሓደገኛ ምዃኑ ይምጉቱ።

እቲ ሓቂ ግን እንታይ እዩ?

ክኢላታት ሕክምና ዋላ እኳ መጠንቀቕታ እንተሃቡ፡ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ጨው ደፍዲፉ እዩ ዘህልኽ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ካብቲ ክወስድዎ ዝግበኦም ጨው ብዕጽፊ ይበልዑ።

እዚ ድማ በብቑሩብ ናብ ጸገማት ጥዕና ይመርሕ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ግን እቲ ልዕሊ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ጥርጣረ ይፈጥርን ብዛዕባ እቲ ተፈታዊ ቀመም ሕቶታት የልዕልን ኣሎ።

እቲ ካብ ጨው ዝርከብ ቀንዲ ባእታ ዝኾነ ሶድየም፡ ሓፈሻዊ ሚዛን ፈሳሲ ኣካላትና ንምዕቃብ፡ ኦክስጅንን መኣዛታትን ንምጉዕዓዝን ስርዓተ መትንታትና ጸዓት ኤሌክትሪክ ንኽመሓላለፍን ኣገዳሲ እዩ።

መብዛሕትኦም ሰባት ካብቲ ዝምከር ንላዕሊ ጨው ስለዝበልዑ ግን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክኢላታት ጥዕና፡ መጠን እንበልዖ ጨው ክንቅንስ ክገብሩና ተቓሊሶም እዮም።

መዓልታዊ ክንደይ ጨው ክንወስድ ይግባእ?

ውድብ ጥዕና ዓለም ኩሉ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ ሓሙሽተ ግራም ዘይበዝሕ ጨው ክወስድ ይመክር።

ብተወሳኺ፡ እንተተኻኢሉ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ ክልተ ግራም ሶድየም ምግዳብ ዝበለጸ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባት ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 2.3 ግራም ሶድየም ክወስዱ ይምከሩ፣ እዚ ድማ ኣስታት ሓደ ማንካ ሻሂ ጨው እዩ።

እዚ ድማ ኣስታት ሓደ ማንካ ሻሂ ወይ ካብ ሓሙሽተ ግራም ዘይበዝሕ ጨው ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ኣብቶም ኣብ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እንበልዖም መግብታት ይርከብ።

ኣብ 2022 ተመራመርቲ ኣብ መዓልቲ ካብ 3 ክሳብ 6 ግራም ጨው ምውሳድ ንሕማም ልቢ ንምንካይ ዝበለጸ ኣማራጺ ምዃኑ ገሊጾም።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዓበይቲ ሰባት ኣብ መዓልቲ ካብ ሽዱሽተ ግራም ዘይበዝሕ ጨው ክወስዱ ከምዘለዎም ይመክር።

እዚ ድማ ኣብ ገዛና እንሰርዖም መግብታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ደገ እንበልዖም መግብታት እውን የጠቓልል።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ (ዓባይ ብሪጣንያ) ማእከላይ መጠን ጨው ኣብ መዓልቲ 8.4 ግራም ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ ድማ 8.5 ግራም እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ዓለማዊ ሃልኪ ጨው ኣብ መዓልቲ ናብ 10.8 ግራም ከምዝዓበየ ብምግላጽ ስክፍታኡ ይገልጽ ኣሎ።

ንሕና ግን ርብዒ ናይቲ እንበልዖ ጨው ጥራይ ኢና ኣብቲ ባዕልና እንሰርሖ መግቢ ንውስኸሉ።

እቲ ዝተረፈ ግን ኣብቲ እንገዝኦ መግብታት ተሓቢኡ'ዩ ዝርከብ።

ጨው ኣብ ባኒ፡ ፓስታ ፡ መረቕ ሓድሓደ ግዜ ድማ ምስ እኽሊ ተሓዋዊሱ ይሽየጥ።

ኣፍረይቲ መብዛሕቱኡ ግዜ ነቶም ኣብ ፋብሪካ ዝተዓሸጉ መግብታት ኣብ ክንዲ ጨው ሶድየም ብዝብል ዘደናግር ቃል ስለዝጥቀሙ፣ ንሕና ካብቲ ክንወስዶ ዝግባኣና መጠን ንታሕቲ ንወስድ ዘሎና ኪይኑ ክስማዓና ይኽእል እዩ።

ጨው ውህደት ሶድየምን ክሎራይድን እዩ።

ኣብ 2.5 ግራም ጨው እድሕር ሪኢና 1 ግራም ሶድየም ኣሎ።

"ሓፋሽ ህዝቢ ነዚ ኣይርድኦን እዩ፡ ሶድየምን ጨውን ሓደ ነገር ምዃኑ'ውን ኣይስቆሮን እዩ። እዚ ዝነግረና ሰብ ድማ የለን" ትብል ክኢላ ኣመጋግባ ሜይ ሲምፕኪን።

ብመሰረት ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ (CDC)፡ 40 ሚእታዊት ካብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝውዳእ ሶድየም፡ ካብ ፒዛ፡ ቡሪቶ፡ ታኮ፡ ምቁር መግቢ፡ ስጋ ደርሆ፡ በርገርን ካብ ስጋ ሓሰማ፡ ደርሆን ስጋ ከብትን ዝስራሕ ኣብ ፋብሪካ ዝተሰርሑ ፍርያት ዝመጽእ እዩ።

ብዙሕ ጨው ምብላዕ ንጥዕና ዘስዕቦ ሓደጋታት

ተመራመርቲ፡ ልዑል መጠን ጨው ምብላዕ ጸቕጢ ደም ክውስኽ ከም ዝኽእልን፡ እዚ ድማ ሕማም ልብን ወቕዒን ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣረጋጊጾም።

ነቲ ኣንጻር ጨው ምብዛሕ ዝተረኽበ ውጽኢት መጽናዕቲ ዘእምን ምዃኑ እውን ክኢላታት ኣይጠራጠሩን።

ጨው ክንበልዕ ከለና፡ ኣካላትና ማይ ይዕቅብ፡ እዚ ድማ ኩላሊትና ክሳብ ኣጻርየን ዘውጽአኦ ጸቕጢ ደም ይውስኽ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንነዊሕ እዋን ልዑል መጠን ጨው ምውሳድ፡ ንዋሕዚ ደምና ብምጭባጥ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም ከም ዘስዕብን፡ እዚ ድማ ንሓደጋ ወቕዒ ብ62 ሚእታዊት፡ ንሕማም ልቢ ድማ ብ49 ሚእታዊት ከምዝውስኽ ይገብር።

ዓመታዊ ድማ እዚ ልዑል ኣመጋግባ ሶድየም ምስ ሞት 1.89 ሚልዮን ሰባት ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት ዝተሓትሙ 13 መጽናዕትታት ዝተገብረ ትንተና፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 5 ግራም ጨው ምውሳድ፡ ንሓደጋ ሕማም ልቢ ብ17 ሚእታዊት፡ ወቕዒ ድማ ብ23 ሚእታዊት ከም ዝውስኽ ኣረጋጊጹዩ።

መጠን እንበልዖ ጨው ምንካይ ዘለዎ ጥቕሚ

መጠን እቲ እነህልኾ ጨው ምንካይ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣብ ምውጋድ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣመጋግባ ጨው ኣብ መዓልቲ ብ1.4 ግራም ምንካይ፡ ንሓደጋ ልዑል ጸቕጢ ደምን ወቕዒ ልብን ብ42 ሚእታዊት፡ ምስ ሕማም ልቢ ዝተኣሳሰር ሞት ድማ ብ40 ሚእታዊት ከም ዝንኪ ኣረጋጊጹ።

ኣብ 2023 ዝተሓትመ መጽናዕቲ'ውን፡ ንሓደ ሰሙን ትሑት ሶድየም ዘለዎ ኣመጋግባ፡ ካብቲ ንልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሕሙማት ዝወሃብ መድሃኒት፡ ጸቕጢ ደም ኣብ ምንካይ ዝያዳ ውጽኢታዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ጃፓን ኣብ መወዳእታ 1960ታት ዜጋታቱ ጨው ክቕንሱ ንምትብባዕ ወፍሪ ድሕሪ ምጅማሩ፡ መዓልታዊ ዝወስድዎ ጨው ካብ 13.5 ግራም ናብ 12 ግራም ከጉድሉ ክኢሎም።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብዝሒ ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባትን ብወቕዒ ዝሞቱ ሰባትን ብ80 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተገሊጹ።

ጨውን ሳዕቤናቱን

ካብ መጠን ንላዕሊ ጨው ምውሳድ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ጥዕና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

እዚ ድማ ብሰንኪ ጀነቲካዊ ኣቃውማና፡ ዕድመና፡ ክብደት ኣካላትናን ስብሒናን፡ ሓፈሻዊ ጥዕናና፡ ከምኡ'ውን ጀነቲካዊ ታሪኽ ልዑል ጸቕጢ ደምና እዩ።

ንጨው ኣዝዮም ተሃዋስያን ዝኾኑ ሰባት ምስ ጨው ዝተኣሳሰር ልዑል ጸቕጢ ደም ናይ ምምዕባል ሓደጋኦም ዝለዓለ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ግን ተመራመርቲ፡ ብዙሕ ጨው ምብላዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሑድ ምብላዕ እውን ንሓደጋ ልዑል ጸቕጢ ደም ክውስኽ ከም ዝኽእል ይምጉቱ።

ምስ ብዙሓት ካልኦት መጽናዕትታት ተተሓሒዙ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ውሑድ ጨው ምብላዕ ምስ ጸገማት ልብን ሞትን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 5.6 ግራምን ልዕሊ 12.5 ግራምን ምውሳድ ምስ ኣሉታዊ ኩነታት ጥዕና ዝተኣሳሰር ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ኣብ 2020 ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣመጋግባና ጨው ብጥብቂ ምቁጽጻር፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያትን ዘይጸለምቲ ውልቀሰባትን ንሓደጋ ሕማም ልቢ ከም ዝውስኽ ኣረጋጊጹ።

ካልእ 170,000 ሰባት ዘሳተፈ መጽናዕቲ'ውን ናብ ተመሳሳሊ መደምደምታ በጺሑ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማክኣርተር ክኢላ ኣመጋግባ ኣንድሪው መንተ፡ ኣመጋግባ ጨው ካብ ልዑል ናብ ማእከላይ ደረጃ ምንካይ (ካብ 1.5 ክሳብ 2.5 ማንካ ሻሂ ጨው ምጥቃም) ጸቕጢ ደም ከጉድል ከምዝኽእል ይዛረብ።

ካብኡ ሓሊፉ ግን ንጥዕና ዝጠቅም የለን። ካብ ትሑት ናብ ንቡር ምዕባይ እውን ክሕግዝ ከምዝኽእል ገሊጾም።

ዳይረክተር ብሪጣንያዊ ኒውትሪሽን ፋውንዴሽን ሳራ ስታነር፡ ምጉዳል ኣመጋግባ ጨው ጸቕጢ ደምን ሕማም ልብን ከጉድል ከም ዝኽእል ይሰማማዕ።

ይኸዑን እንበር ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ኣብ መዓልቲ 3 ግራም ጨው እዮም ዝወሰዱ። እዚ ከኣ ብመሰረት እዚ መጻናዕቲ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ይገልጽዎ።

ኣብ ኣካላትና እነእትዎ ጨው ካብ ዝተፈላለዩ መግብታት ስለ ዝመጽእ፡ ክንቆጻጸሮ ክንጽግም ንኸእል ኢና።

ስለዝኮነ ኣብ መግቢ ሰባት ዘሎ መጠን ጨው ንምንካይ ዝሕግዝ መፍትሒ፡ ኩባንያታት ከምቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገብረ፡ ኣብ ፍርያተን ዝውስኽኦ መጠን ጨው ክቕንሳ እዩ።

ስታነር ወሲኹ፡ ጨው ኣብ ጸቕጢ ደም ዘለዎ ጽልዋ ንምምካት፡ ብፖታሽየም ዝሃብተሙ ፍረታትን ኣሕምልትን፡ ከምኡ'ውን ፍረታትን ፍርያት ጸባን ምብላዕ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹ።

ስዩ ማቲያስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ላንካስተር ብወገኑ ጨው ምብዛሕን ምውሓድን ሓደገኛ ምዃኑን፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ክግበር ከምዘለዎን ይዛረብ።

ስለዚ ንጥዕናና ቁሩብ ጨው ምውሳድ ጽቡቕ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ብዙሕ ምውሳድ ወይ ጠቕሊልካ ምውጋድ ግን ሓደገኛ ከምዝኾነ ንረዳእ።

ኣብ 2022 ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ'ውን፡ ማእከላይ መጠን ሶድየም ማላት ኣብ መዓልቲ ካብ 3 ክሳብ 6 ግራም ምውሳድ፡ ንሕማም ልቢ ንምንካይ ጠቓሚ እዩ።

ብዝኾነ ቁንጥር ኣቢልካ ብብቒ ምንስናስ...ከይበዝሐን ከይውሓደን ..ፈይ ምባል ይሓይሽ።