ስጳኛ፡ ብዕልቕልቕ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ስጳኛ ብሰንኪ ዘጋጠመ ብረቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ዕልቕልቐን ድሃዮም ንዝጠፈአ ዓሰርተታት ሰባት ንምርካብ ይረባረቡ ኣለዉ።
ኣብ ስጳኛ ዞባ ቫለንሽያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ክግልጽ እንከሎ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ግን እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽልእ ስግኣቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ።
እቲ ዕልቕልቕ ቢንቶታት ኣፍሪሱ ንገዛውቲ ብጭቓ ደብዩ ነባሪ እቲ ከባቢ ብዘይ ቀረብ ማይ፡ መግብን ኤለትሪክን ኣትሪፍዎ ኣሎ።
ገለ ነበርቲ፤ ሰብ መዚ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዕልቕልቕ ቀልጢፎም ቅድመ መጠንቀቕታ እንተዝህብ ነይሩ ህይወት ብዙሓት ሰባት ክድሕም ምኽኣለ ብምባል የእዳዎም ናብ ሰብ መዚ የወጣውጡ ኣለዉ።
ነባሪ ኣብ ዞባ ቫለንሽያ እትርከብ ከተማ ኣልዳያ ዝኾነ ጅዋኒ ጎንዛለዝ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ክሳራ ሰፍ ዘይብል ምዃኑ ኣብሪሁ።
“እዚ ቦታ ንዕልቕልቕ ዝተቓለዐ ቦታ’ዩ፡ ሰብ መዚ እዚ ዞባን መንግስትን እዚ ክመጽእ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ኣቐዲሞም ዝኾነ ነገር ዘይምግባሮም ኣዝዩ ዘገርም’ዩ” ኢሉ።
ካልእ ኦጎስቲን ዝተብሃለ ነባሪ እቲ ከባቢ ከኣ እቲ ንሱ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ዝነብረሉ ዝነበረ ገዛ ምሊእ ብምሉእ ብማይን ጭቓን ከምዝተደበየ ብምሕባር፡ ዕድል ገይሮም ኩሎም ብሰላም ከምዝወጽኡ ገሊጹ።
እንተኾነ እታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ዞባ ቫለንሽያ ሎሚ ቀዳም’ውን ዝበርተዐ ዝናብ ክወጽዓ ከምዝኽል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ እቲ ከባቢ የጥንቅቕ ኣሎ።
እቲ ሎሚ ክሃርም’ዩ ተባሂሉ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ፡ ነታ ኣቀዲሙ ብዘይምቁራጽ ንዓሰርተ ሰዓታት ዝናብ ዝሃረማን ብኸቢድ ተሃስያ ዘላን ከተማ ካርታና’ውን ከሃርማ ከምዝኾነ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ካልእ ምስዚ ዕልቕልቕ ተታሓሒዙ ዝልዓል ዘሎ ዝሑል ግብረ መልሲ መንግስቲ’ዩ።
ትካላት ምክልኻል ሓደጋ ንነበርቲ ቫለንሽያ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ድሕሪ ቀትሪ’ዮም ናብ ሞባይላት ነበርቲ እቲ ከባቢ ናይ ሓደጋ መልእኽቲ ክሰዱ ጀሚሮም፡ ኣብቲ ሰዓት ግን ዶሮ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝበዝሓ ክፋል ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ’ዩ በጹሑ ነይሩ።
ነባሪት ቫልንሽያ ዝኾነት ሚረአ’ውን ነዚ ብዘራጉድ “ህዝቢ ዝኾነ ምድላዋት ክገብር ብፍጹም ኣይከኣለን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ መኪናኦም’ዮም ነይሮም ካብ መኪናኦም ክወጽኡ ኣይክኣሉን እቲ ማይ ውሒጥዎም” ኢላ።
ኣሽሓት ወልንታውያን ኣብ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ምስ ሰራዊት እታ ሃገርን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ኮይኖም ይሰርሑ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ነቶም ብለንትኦም ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሮም ዘለዉ ዜጋታት ብምምስጋን፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንሓድሕድካ ምትሕግጋዝ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ብማሕበራዊ ሚድያ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ነቶም በዚ ዕልቕልቕ ዝተጸልዉ ንምሕጋዝ ኩሉ ዝክኣሎ ከምዝገብር ተመባጺዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







