ስጳኛ፡ ኣብ 50 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ሓደጋ ውሕጅ እንታይ ይመስል?

ውሕጅ ዘዕነዎ ከባቢታት

ኣብ ስጳኛ ከባቢ ግዝኣት ቫለንሽያ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ከቢድ ዕልቕልቕ ውሕጅ ዛጊት ልዕሊ 95 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ሓያለ ሰባት ስለዘለዉ ግን ቍጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኸል ዘለዎ ስግኣት መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ተመሳሳሊ ሓደጋ ርእያ ዘይትፈልጥ ስጳኛ፡ እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ኣብ 1973 ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን ክሳብ 150 ዝዀኑ ሰባት ከምዝሞቱ መዛግብቲ ይሕብሩ።

ኣብታ ሕማቕ ዝተሃስየት ግዝኣት ቫለንሽያ እትርከብ ከተማ ቺቫ፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ሰዓታት፡ መጠን ምሉእ ክረምቲ ዝተመዝገቦ ከቢድን ስዑቕን ዝናብ ከምዝዘነበ ትካል ሜቶሮሎጂ እታ ሃገር ኣቃሊሑ።

ውሕጅ ዘዕነዎ ጐደና

ምንጪ ስእሊ, EPA

ነቲ ሓደጋ ዘርኢ ዝተፈላለየ ዝተዘርግሐ ኣሳእል ከምዘመልክቶ፡ እቲ ከቢድ ውሕጅ ህንጻታት፡ ድልድላት ጽርግያታትን ካልእን ጸራሪጉ ክወስድ እንከሎ ዘርኢ ኰይኑ ሓያለ ሰባት ኣብ ናሕሲታትን ኣግራብን ተንጠልጢሎም ህይወቶም ንምትራፍ ክጋደሉ እንከለዉ ተራእዮም።

እቲ ሃንደበት ኣብ ጐደናታት ዘዕለቕለቐ ውሕጅ፡ ሓያለ መካይን ክወስድን፡ ከጋጩንን እውን ተራእዩ እዩ።

ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ፡ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ዝኣወጀ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ኣመና ኣሸጋሪ ኵነታት ኣየር ንመስርሕ ህይወት ኣድሕን ከምዝሓላለዀ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንህዝቢ ሃገሩ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ዜጋታታት ብትኵርነት ነቲ ኵነታት ክከታተሉን ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩን ብምትሕስሳብ፡ነቶም ዝተሃስዩ ወገናት፡ "መላእ ህዝቢ ስጳኛ ምሳኹም ይነብዕ እዩ ዘሎ ንበይንኹም ኣይኰንኩምን፡" ኢሉ።

ብዘይካ’ዚ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ስጳኛን ህዝባን ምቛሙ ንምግላጽ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳ - ብራስለስ፡ ባንዴራ እቲ ሕብረት ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ክትስቀል ገይሩ ኣሎ።

ዝዓነወ ጐደና - ቅድምን ድሕርን ውሕጅ

እዚ ሓደጋ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝተኸስተ ብዛዕባ ምዃኑ ሕቶ ክኢላታት ክሊማ ኣልዒሉ ኣሎ። ክኢላ እቲ ዓውዲ ፍሪደሪክ ኦቶ፡ "ብርግጽ ቅድሚ ሕጂ ውሕጅን ካልእ ሕማቕ ኵነታት ኣየርን ነይሩ እዩ፤ እዚ ኣብ ቀረባ ዓመታት እንርእዮ ዘለና ግን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሓየለ፡ ብዙሓት ድማ፡ ኣመና ጽንኩራትን ጽዑቓትን እዮም” ብምባል፡ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ዝተኣሳሰር ክስተት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ፍረደሪክ ኣተሓሒዙ፡ ኣብዚ ዓመት ብዙሕ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ ምስቲ ሕጂ ኣብ ስጳኛ ዝተራእየ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ “ብተዛማዲ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ዝናብ ይዘንብ” ኢሉ ብምብራህ፡ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ብቐጥታ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ኣተኣሳሲሩ ገሊጹ።

"ዝሞቐ ህዋ ዝያዳ ሃፋ ማይ ክሕዝ ከም ዝኽእል ካብ መባእታዊ ፊዚክስ ንፈልጥ ኢና፤ እዚ ድማ ካብ ከባቢ ኣየር ክወጽእ ከምዘለዎን ንኽወጽእ ድማ ከቢድ ድፍኢት ዝናብ ይፈጥር፡” ኢሉ።

ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ መንጐ ቫለንሽያን ማድሪድን ዘሎ መስመር ባቡር፡ ብዝወረዶ ዕንወት እንተወሓደ ን15 መዓልታት ከምዝተቛረጸ ተገሊጹ።

ትማሊ ኣብዚ ጉዳይ መግለጺ ዝሃበ ሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ኦስካር ፑኤንተ፡ ንማድሪድን ቫለንሽያን ዘራኽብ መስመራት ብሰንኪ ስፍሓት እቲ ጉድኣት ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተንቢሁ።

ኣብ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ይዅን ንዝተደፍኑ ሰባት ኣብ ምድላይ ዝኣመሰለ ከቢድ ስርሓት፡ ብዘይካ ትካላትን ኣባላትን ህይወት ኣድሕን ሰራዊት ስጳኛ’ውን ተዋፊሩ ከምዘሎ ተነጊሩ።

ውሕጅ ዘዕነዎ ከባቢታት

ምንጪ ስእሊ, EPA