እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጐርዞ እንከላ ብዘይፍቓዳ ምርምር ኣእምሮ ዝተኻየደላ ጓለንስተይቲ ንትካል ስለያ ኣመሪካ ትኸስስ
ላንግ ኦሊንግ ንድሕሪት ግልጽ ኢላ ንትካል ክሕምና ስነልቦና ኣለን ሜሞሪያል ክትዝክር ከላ፡ ካብ ኣእምሮኣ ዘይጠፍእ ጨና ናይ መድሓኒት ሃንገፍ ይብላ።
"ሆስፒታል ኣይመስለንን ነይሩ፣ ኣዝየ ከም ዝጸላእኩዎ ግን እዝክር፡" ትብል።
ብ1958 ጓል 16 ዓመት እንከላ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ንሓደ ወርሒ ጸኒሓ።
ሓደ ዳኛ፡ "ምእዝዝቲ ከይትኸውን ዝገብራ ናይ ኣእምሮ ምምዝባል፡" ከም ዘጋጣማ ብምግላጽ ናብቲ ሆስፒታል ክትኣቱ ኣዚዙ።
ሲኣይኤ ኣብቲ ሆስፒታል ንኣሽሓት ሰባት መጽናዕቲ የካይድ ነይሩ።
እዚ ኣእምሮ ሰባት ንምቍጽጻር ተባሂሉ ብሲኣይኤ ዝተኻየደ ምርምር ብልዑል ምስጢር እዩ ተታሒዙ።
ላንግን ካልእ ግዳይን በቲ ምርምር ጕድኣት ምስ ዝወረዶም ካናዳውያን ኰይኖም ክሲ ኣቕሪቦም። እቲ ሆስፒታል ይግባይ ኢሉ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ቤትፍርዲ ግን ክቕጽል ወሲኑ።
ላንግ ሰነድ ሕክምናኣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እያ ረኺባቶ።
ወለዳ ካብ ኦታዋ ናብ ሞንትርያል ምስ ገዓዙ፡ ነቲ ለውጢ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን። ሰነድ ሕክምናኣ፡ ብዘይፍቓድ ወለዳ ምስ መሓዙታ ንኽትራኸብ ካብ ገዛኣ ከም ዝወጽአት እዩ ዝሕብር።
"ከም ዝዀነት ጐርዞ እየ ነይረ፣ እቲ ዳኛ ግን ናብቲ ሆስፒታል ክኣቱ ኣዚዙኒ፡" ክትብል ትዝክር።
ኣብቲ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ዘካይዶ ዝነበረ 'ኤምኬ-ኣልትራ' ዝብል ኮድ ዝተዋህቦ ምስጢራዊ መጽናዕቲ ድማ ተሳታፊት ኰነት።
እቲ መጽናዕቲ ንኸም ኤልኤችዲ ዝኣመሰሉ መድሓኒታትን ንኣእምሮ ብኤለክትሪክ ሾክ ንምፍዋስን እዩ ዝካየድ ዝነበረ።
ሓደ ካብ ዕላማታት ናይቲ መጽናዕቲ፡ ሰባት ብዘይፍቓዶም ኣተሓሳስባኦም ምቕያር (brainwashing) እዩ ነይሩ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ 100 ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ማእሰርትን ትምህርትን ኣመሪካን ካናዳን ተኻይዱ።
ኣብ ኣለን ሜሞርያል ኢንስቲትዩት ፎር ሳይካትሪ፡ ዶክተር ኤርዊን ካሜሮን ንሕሙማት መድሓኒት ብምሃብ ንዘረባኦም ይቐርጾ ነይሩ። ነቲ ኣገባብ'ቲ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ግዜ ድማ ኣዘውተሮ።
ላንግ ሓደ ቅዳሕ ናይ ድምጻ ሚእቲ ግዜ ደጋጊማ ከም እትሰምዖ ተገይሩ።
"እቲ 'ንፍዕቲ ጓል ኢኺ፤ ሕማቕ ጓል ኢኺ' ዝብል ቅዳሕ ልዕሊ ሚእቲ ግዜ ሰሚዐዮ፡" ትብል።
ብመሰረት ክኢላ ስነኣእምሮ ጆርዳን ቶርቢ፡ ቃላት ብምድጋም ኣተሓሳስባ ሕሙማት ናይ ምቕያር ሜላ ስነምግባራዊ ኣይኰነን።
እቲ ሕክምና፡ መደቀሲ ከኒና ብምሃብ፡ ቀልቦም ብምስውዋርን ኣብ ዕውለት ብምእታውን እውን ተኻዪዱ።
ላንግ፡ ኤልኤስዲ፡ ሶድየም ኣሚግዳሊን፡ ባርቢቱሬትን ኣእምሮ ዝቕይር ጋዝ ናይትረስ ኦክሳይድን ካልኦት መድሓኒታትን ከም ዝተዋህባ ትዝክር።
ኣብ እዋን መርመራኣ፡ "ናይትረስ ኦክሳይድ ምስ ተዋህባ፡ ኣዝያ ተቘጢዓን ሓያል ኰይናን። ንነብሳ ናብ ዓረት እናደርበየት ትጭድር ነይራ፡" ክብል እቲ ሓኪም ብዛዕባ ላንግ ጽሒፉ።
እቲ ምስጢራዊ መጽናዕቲ ሲኣይኤ ዘስዓቦ ጕድኣት፡ ኣብ 1970ታት እዩ ክግለጽ ጀሚሩ።