ኤችኣይቪ፡ 'ህይወት ብዙሓት ዘድሕን' ሓድሽ መከላኸሊ ፍቓድ ረኺቡ

ብመርፍእ ዝውጋእ ሓድሽ መከላኸሊ ኤች-ኣይ-ቪ ቫይረስ ኣብ መዓላ ክውዕል ብሰብመዚ ጥዕና ብሪጣንያ ፍቓድ ረኺቡ።

እቲ ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ 'ነጥበ-መቐይሮ' ዝተባህለሉ መድሃኒት ንፈለማ እዋን ብመንገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ዓዲ-እንግሊዝን (ኢንግላድ) ዌልስን ንተጠቀምቲ ክወሃብ'ዩ።

እቲ መከላኸሊ ኣብ ዓመት ሽዱሽተ ግዜ ወይ ኣብ ነፍሲወከፍ ክልተ ወርሒ ዝውሰድ ኰይኑ፡ ኣምሳያ ናይቲ መዓልታዊ ዝውሰድ መከላኸሊ ከኒና ናይቲ ቫይረስ እዩ።

ክኢላታት ከም ዝብልዎ፡ እቲ 'ካቦተገራቪር (CAB-LA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ መከላኸሊ፡ ነቲ ብሪጣንያ ዘውኣጽቶ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣብ 2030 ንምጥፋእ ዝዓለመ ውጥን ክሕግዝ ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ንምክልኻልን ጸረ-መልከፍትን ኤችኣይቪ ዘገልግል ካልእ መከላኸሊ'ውን ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ፈተነ ከም ዝተረኽቦ ይፍለጥ። እቲ መድሃኒት፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ዋህዮታት ከይባዛሕ ከም ዝዓግቶ ይገልጹ።

እቲ ሌናካፓቪር ዝበሃልን ብመርፍእ ዝወሃብን መድሃኒት ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ጥራይ ዝውሰድ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንሽዱሽተ ወርሒ ንመልከፍቲ እቲ ቫይረስ ዝከላኸል እዩ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ብኽቡር ዋጋ ከም ዝዝረጋሕን ካብ 2027 ጀሚሩ ግን ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን 120 ሃገራት ብርትዓዊ ዋጋ ክዝርጋሕን ትጽቢት ይግበረሉ።

'ተስፋ ዝህብ እዩ'

ላዕለዋይ ምኒስተር ጸሓፊ ክፍሊ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ብሪጣንያ ወስ ስትሪቲንግ ከም ዝበሎ፡ "እዚ ነጥበ-መቐይሮ ዝዀነ መድሃኒት. . .ህይወት ብዙሓት ዘድሕን እዩ።"

"ካልእ ኣገባብ መከላኸሊ ኤችኣይቪ ክወስዱ ንዘይክእሉ ተነቀፍቲ ሰባት፡ እዚ ተስፋ ዝህብ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ 'ፕረፕ' (PrEP) ዝተባህለ መከላኸሊ፡ ኤችኣይቪ ዘይብሎም ሰባት ንሓደጋ መልከፍቲ ንምንካይ ዝወስድዎ እዩ።

ብኸኒና መልክዕ ዝወሃብ ኣዝዩ ውጽኢታዊ መከላኸሊ ንዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ጸኒሑ'ዩ፣ እንተዀነ፡ ክወስድዎ ዝጽገሙ ሰባት ኣለዉ።

ክትወስዶ ዘጸግም፡ ክትጥቀመሉ ቀሊል ዘይኰነ ወይ ንሕፍረት ዘቃልዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሰባት ወለዶም ወይ መዳቕስቶም ነቲ ከኒናታት ከይረኽብዎ ክስከፉ ይኽእሉ'ዮም።

ንግዳም-ሓደራት ወይ ድማ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝበሉ ሰባት ድማ 'ፕረፕ' ብኣፍ ክወስዱ ከጸግሞም ይኽእል'ዩ። ንኣዋርሕ ዝጸንሕ መከላኸሊ ምውጋእ ግን ስሉጥን ስቱርን ምርጫ ይህብ።

ኤችኣይቪ፡ ነቶም ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ዝርከቡ ዋህዮታት ብምጥቃዕ፡ ናይ ኣካላትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚታት ኣዳኺሙ ንንቡር ረኽስታትን ሕማማትን ዘቃልዕ እዩ።

መከላኸሊ ብዘይብሉ ጾታዊ ርክብ ወይ መርፍእ ደጊምካ ብምጥቃም ክመሓላለፍ ይኽእል። ዝተለኽፋ ኣዴታት'ውን ኣብ እዋን ወሊድ ንዕሸላተን ከሕልፋሎም ይኽእላ።

እዚ 'ካቦተግራቪር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ መከላኸሊ 'ቪ-ኣይ-ኣይ-ቪ (ViiV) ብዝተባህለ ትካል ኣገልግሎት ጥዕና ዝማዕበለ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብውሑስ (ንኣብነት ኮንደም) ዝካየድ ጾታዊ ርክብ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዘለዎ እዩ።

ዋጋ ናይቲ ሓድሽ መድሃኒት ንሓደ ሰብ፡ ንሓደ ዓመት፡ ኣስታት 10,000 ዶላር ዝውድእ ምዃኑ ይፍለጥ። መንግስቲ ብሪጣንያ ግን ካብኡ ብዝተሓተ ዋጋ ንኽረክብ ከም ዝተሰማምዐ ይግለጽ።

እቲ መከላኸሊ ቅቡል ክብደት ዘለዎምን ብጾታዊ ንዝመሓላለፍ ቫይረስ ኤችኣይቪ ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝዀኑ ዓበይትን ብጹሓት መንእሰያት (ኣዶለሰንት)ን ዝወሃብ'ዩ።

ነቲ ብመልክዕ ከኒና ዝውሰድ መከላኸሊ 'ፕረፕ' ዝጥቀም ዝነበረ ዶም ባልድዊን፡ እዚ ብመርፍእ ዝወሃብ መከላኸሊ ፍቓድ ምርካቡ ብሓጐስ፡ "ናብ ወርሒ ተሰቒለ፡" ክብል ገሊጹ።

"ብዛዕባ ምፍዋስን ምክልኻልን ኤችኣይቪ ብዙሕ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ንባዕሉ ዘሐጕስ'ዩ።

"ምስቲ ኣብ 1980ታት ዝነበረ ለበዳ ናይቲ ሕማም፡ ሰኣን ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ተነጽሎ፡ ሕጽረት ጸጋታትን ተበጻሕነትን ዝኸሰርናዮ ቍጽሪ ሰባት ብምንጽጻር፡ ሕጂ ኣበይ ከም ዘለና ክትሓሰቦን እንከለኻ - ሎሚ ኤችኣይቪ ናይ ሞት ፍርዲ ኣይኰነን።"

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝን ዌልስን ነቲ ፍቓድ ዝሃበ ትካል (ናይስ) ከም ዝሓበሮ፡ "ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ" ኣብቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዘካይዶም ክሊኒካት ጥዕና ጾታዊ ርክባት ሰባት ነቲ መርፍእ ክውግኡ ክጅምሩ እዮም።

ተሓለቕቲ ማሕበራት ብወገኖም፡ ኣብቶም ክሊኒካት ኣገልግሎት ንምርካብ ነዊሕ ቈጸራ ስለ ዝወሃቦም፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ኣብ ግብሪ ክውዕል ይምሕጸኑ ኣለዉ።

ኣባል 'ተረንስ ሂጊንስ ትራስት' ዝተባህለ ማሕበር ዝዀነ ሪቻርድ ኣንገል፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ጾታዊ ክሊኒካት ጥራይ ክውሰን ከም ዘይብሉን ብኻልእ ማእከላት'ውን ክወሃብ ኣለዎ ይብል።

"ኣዝዩ ኣድማዕን ንተጠቀምቲ ቅቡልን ኰይኑ፡ ንዘሎ ዘይምዕሩይነት'ውን ፍታሕ ዝገብር'ዩ፡" ብምባል ነቶም ክሳብ ሕጂ መከላኸሊ ክጥቀሙ ዘይክኣሉ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ የረድእ።

ጸብጻባት መንግስቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላድ) ቍጽሪ ናይቶም ነቲ ብኸኒና ዝወሃብ መከላኸሊ ዝወስዱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ኤችኣይቪ ዘይብሎም፡ ግና ንሓደጋ መልከፍቲ ናይቲ ቫይረስ ዝተቓልዑ ልዕሊ 146,000 ነቲ መድሃኒት ክወስዱዎ ነይሩዎም። ኣስታት 76% ካብኦም ነቲ መድሃኒት ተጠቂሞምሉ ወይ ቀጺሎሞ፡ እዚ ድማ ብ7.7% ከም ዝወሰኸ ዘርኢ እዩ።

ተጠቃምነት ናይቲ መድሃኒት ድማ ካብ ማሕበራዊ ጕጅለ ናብ ማሕበራዊ ጕጅለ ዝፈላለ እዩ። ኣስታት 79.4% ጸዓዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣስታት 77.8% ሕደ-ጾታውያን፡ ድርብ-ጾታውያን፡ ከምኡ'ውን ኵሎም ምስ ደቂተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ዝገብሩ ደቂተባዕትዮ እዮም።

ካብ ምስ ደቂተባዕትዮ ጾታዊ ዝምድና ዘለወን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር 34.6% ነቲ መድሃኒት ክጥቀማ እንከለዋ፡ ካብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ደቂተባዕትዮ መጻምድተን 36.4 ጥራይ ነቲ መከላኸሊ ከም ዝጥቀሙ እቲ ጸብጻብ የመልክት።