'ህይወተይ ሳላ ኮንዶም እያ ተሪፋ' - ነድሪ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ

ሓደሓደ ሰባት ንኻልኦት ሰባት ነድሪ ወይ ድማ 'ኣለርጂ' ይፈጥሩ እዮም። እዚ ብኸመይ ክኸውን ክኢሉ ንዝብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ግን፡ ገና ኣብ መስርሕ ምርምርን መጽናዕትን እዩ ዘሎ ዝብል መልሲ እዩ ዝወሃቦ።

ማውራ፡ ህይወተይ ሳላ ኮንዶም እያ ተሪፋ እያ ትብል።

እዛ ጓል 43 ዓመት ማውራ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኦሃዮ እያ ትነብር።

ኣብ ፈለማ ክሊ ዕድመ 20ታት እንከላ እዩ እዚ ጸገም ኣጋጢሙዋ። ካብኡ ቀስ ብቐስ እናዓበየ መጺኡ። "ብዘይ ኮንዶም] ጾታዊ ርክብ ምስ ፈጸምኩ ርሕመይ ከቃጽለኒ ኣስተውዒለ" ትብል።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ቅሉዕ ወሲባዊ መግለጺ ዝሓዘ እዩ።

ማውራ*፡ [ሽማ ተቐይሩ'ዩ፡] ብዛዕባ'ዚ፡ ንመጻምዳ ደፊራ ክተዛረብ ኣይከኣለትን።

መጻምዳ ክሳብ ዝኸይድ ተጸብያ፡ ሙልጭ ኣቢላ ተሓጻጺባ።

ትጥቀመሎም ፍርያታት ጽሬት፡ ካብ ሳሙና፡ ክሬማትን ቅብኢታትን ቀያይራ ፈቲና እያ።

እንተዀነ እቲ ጸገም ክሓይሽ ዘይኰነስ ብኣንጻሩ ገዲዱ። እዚ ዝኸውን ድማ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክትንክፋ እንከሎ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ መጻምዳ ተፈላልያ። ድሕሪኡ ዝሓዘቶ ካልእ መጻምዲ ግን፡ኮንዶም ካብ ምጥቃም ንድሕሪት ዘይብል'ዩ ነይሩ።

ማውራ፡ ሓደ ምሸት ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻምና፡ ኣብ ዓራት ተጋዲምና እንከለና ሃንደበት መልሓሰይ ክሓብጥ ጀሚሩ ትብል።

"መጻምደይ ነቲ ዝኸውን ዘሎ ነገር ርእዩ ኣእውዩ፤ 'ኣየር ይሓጽረኪ ኣሎ' ኢሉ መተንፈሲ (ኢንሄለር) ኣብ ኣፈይ ገይሩለይ። ብሓይሊ ደፊኡ ብምእታው ኣየር ክህበኒ ጀሚሩ። ከም ዕድል ኰይኑ፡ ነቲ መድሃኒት ናብ ሳንቡአይ ንምስሓብ እኹል ትንፋስ ነይሩኒ።"

ማውራ፡ ናይ ኣዝማን ካልእ ሕማማትን ጸገም ኣለዋ። ኣብታ ምሸት ከምዚ ዓይነት ኵነታት ዘጋጠማ'ውን ኮንዶም ተቐዲዱ ፈሳሲ ዘርኢ መጻምዳ ስለ ዝተንከፋ ክኸውን ከም ዝኽእል ትኣምን።

ሕጂ ንሳን ንነዊሕ እዋን መጻምዳ ኰይኑ ዘሎ ውልቀሰብን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ኮንዶም ኣዝዮም ጥንቁቓት እዮም።

ባዕላ ክሳብ እትምኰሮ፡ ነድሪ (ኣለርጂ) ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘሎ ኣይትፈልጥን ነይራ።

ዋላ'ኳ ሓሓሊፉ እንተዀነ፡ገለ ሰባት ሰብነት ካልኦት ሰባት ክትንክፎም እንከሎ ነድሪ የማዕብሉ።

እዚ ድማ ንጥዕና ጥራይ ዘይኰነስ፡ንስራሕ፡ርክብን ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዝገብሮ ምንቅስቓስን ዝህውኽ እዩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ነድሪ (ኣለርጂ) ግን ብኸመይ ይኽሰት? መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዞም ከምዚ ዓይነት ነድሪታት ዘስዕቡ ነገራት ምስጢር እዮም።

እዚኦም ግን ብሓቂ ነድሪ ድዮም ወይስ ካልእ ሕማም?

ተመራመርቲ ስርዓተ ምክልኻል ሰብነትናን ከሚካላዊ መስርሕን ኣብ ዝፈተሽሉ፡ መልሲ ክዀኑ ዝኽእሉ ነገራት ረኺቦም።

ካብ ቆርበት

ቆርበት ሓደሓደ ሰባት፡ ንቅብኣት፡ ጨና ወይ ተመሳሳሊ ነገራት ቅልጡፍ ግብረመልሲ ወይ ቍጥዐ እዮም ዝህቡ።

ሓደሓደ ከም 'ዲዮዶራንት'ን 'ኣፍተርሼቭ'ን ዝኣመሰሉን ፍርያት ከም ኣብነት ይጥቀሱ። ልዕሊ 150 ዝዀኑ ጨናታት ወይ መኣዛታት፡ኣብ ቆርበት ምስ ዝፍጠር ነድሪ ምትእስሳር ኣለዎም።

ቀንዲ ምኽንያት ነድሪ ግን ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ኦስትሪያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕለር ዶክተር ዝዀነት ሳቢን ኣልትሪቸር፡ ዝህልዎ ቀጥታዊ ርክብ ንጹር'ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ምክልኻል ዓቕሚ ሰብነትና ዕዙዝ ግደ ዘለዎም ዓይነታት ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ዝዀኑ 'ማስት ሴላት' ጸገም ዘለዎም ገለ ተሓከምቲ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ንዝወጹ ባህሪያዊ ሕማማት ሰብነት ወይ ከሚካላት ተነቀፍቲ ከም ዝዀኑ ትጥርጥር።

ቆርበት፡ንጨና ሰብነት ኣበርክቶ ዘለዎም ብዙሓት ነገራት የመንጩ።

እዞም ጋዛት ቆርበት ከም ቶሉይን ዝኣመሰሉ ከሚካላት ዘጠቓልሉ ክዀኑ ይኽእሉ።

ቶሉይን (Toluene) ኣብ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝርከብ ከሚካል ኰይኑ፡ቀለማትን ዝተፈላለዩ ፕላስቲካዊ ነገራትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ንምስራሕ የገልግል።

ሰባት ፍሉይ ባህታ ንኽስመዖም ኰነ ኢሎም ቶሉይን ይስሕቡ'ዮም።ገለ ድማ እንከይሓሰብዎ ኣብ ቦታ ስራሕ እንከለዉ ነዚ ተቓላዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ።

ቶሉይን፡ ኣብ ትኪ ሽጋራ ካብ ዝርከቡ ብዝሓት ከሚካላት ሓደ እዩ።

ንኻልኦት ሰባት ኣብ ዝህልወና ግብረመልሲ ሓበሬታ ዝህበና፡ ፒፕል ኣለርጂክ ቱ ሚ (ፒኤቲኤም) ዝበሃል ምስጢራዊ ኵነታት እዩ።

ፒኤቲኤም፡ሰባት ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዝዀኑሉ ከም ሰዓልን ምሕንጣስን ዝኣመሰሉ ምልክታት ነድሪ ዘማዕብልሉ ዘይልሙድ ተርእዮ እዩ።

ኣብ ጃፓን ዩኒቨርሲቲ ቶክዮ ፕሮፌሰር ከሚስትሪ ዮሺካ ሴኪንን መሳርሕቱን፡ኣብ 2003 [ኣ.ኤ] ምልክታት ፒኤቲኤም ካብ ዘርእዩ ሰባት ዝምንጩ ጋዛት ቆርበት መርሚሮም።

እቲ ጕጅለ ካብ ዘጽንዖም 75 ዓይነታት ጋዛት፡ ብፍላይ ቶሉይን ናይ ምርካብ ዕድል ልዑል እዩ። ፒኤቲኤም ዘለዎም ሰባት፡እዚ ኬሚካል ምስ ዘይብሎም ሰባት እንክነጻጸር ብ39 ዕጽፊ ይምንጩ።

ፕሮፌሰር ዮሺካ ሴኪን፡"ቶሉይን ኣብ ነተንፍሰሉ እዋን ብኣየር ናብ ውሽጢ ይኣቱ። ከም ጐዳኢ ባእታ፡ ብልሙድ ብጸላም ከብዲ ሓሊፉ ብሽንቲ ይወጽእ" ብምባል የረድእ።

"ይዅን'ምበር፡ ተሓከምቲ ፒኤቲኤም፡ ንቶሉይን ናይ ምሕቃቕ ዓቕሞም ጐዲሉ'ዩ። እዚ ድማ ኣብ ደሞም ንኽውህለልን ደሓር ብቆርበት ኣቢሉ ንኽበንን ይገብር" ኢሉ።

ካብ ፈሰስቲ ሰብነት

ኣለርጂ ወይ ነድሪ ዝፈጥሩልና ነገራት፡ ኣብ ናይ ካልኦት ሰብነት ካብ ዝርከቡ ፈሰስቲ ናባና ብምእታው ከለዓዕሉልና ይኽእሉ።

ነድሪ ፉል [ኦቾሎኒ] ዘለዎ ሰብ ዋላ'ኳ ፉል ባዕሉ እንተዘይበልዐ፡ ፉል ምስ ዝበልዐ ሰብ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽመሉ ወይ ኣብ ዝሰዓዓመሉ እዋን ዘለዎ ነድሪ ክለዓሎ ይኽእል።

እቲ እንስዕሞ ወይ ናይ ወሲብ መጻምድና ዝዀነ ሰብ፡ ዋላ'ውን ስኑ፡ መልሓሱን ጽፍሩን ብዝግባእ እንተጽረየ፡ ካብ ሰብነቱ ብዝወጹ ፈሰስቲ ምኽንያት እቶም ንጥረ ነገራት ናብ ሰብነትና ክኣትዉ ይኽእሉ።

ነድሪ መድሃኒት ጸረ-ታህዋስያን (antibiotic) ዘለወን ደቀንስትዮ፡ እቲ መድሃኒት ምስ ዝወሰዱ ሰባት ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻመን፡ ኣሉታዊ መልሲ ሂበን፡ ማለት'ውን እቲ ዝነበረን ነድሪ ተላዒሉወን።

እንተዀነ ካብዞም ደጋዊ ነድሪታት ሓሊፉ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ፈሳሲታት ሰብነት ዝርከቡ ፕሮቲናት'ውን ጠንቂ ምልዕዓል ነድሪ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ሓደሓደ ትካላት ጥዕና ኣብዚ ጉዳይ ኣፍልጦ'ኳ እንተለዎም፡ ሕጂ'ውን ግና ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብዝዛመድ ናይ ግንዛበ ሃጓፍ ይርአ'ዩ።

ነድሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ፡ ሰሚናል ፕላዝማ ሃይፐርሴንሲቲቭ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሰብነትና ምስ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን፡ ካብ ምሕካኽ ክሳብ ምትንፋስ ዘይምኽኣል ዝኣመሰሉ ነድሪታት የጋጥመና።

እዚ፡ዕድመአን ኣብ ክሊ ዕደመ 20 ክሳብ 30ታት ኣብ ዝርከባ ውልቀሰባት ዘጋጥም ኰይኑ፡ኣብ 2002 ልዕሊ 100 ሕሙማት ሰሚናል ፕላዝማ ሃይፐርሴንሲቲቭ ተረኺበን።

እዚ ዓይነት ነድሪ፡መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰሚናል ፕላዝማ ብዝርከብ ፕሮቲን እዩ ዝለዓል (ዝነቅል)።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲንሲናቲ ክሊኒካል ሓኪም ነድሪታትን ስርዓተ ምክልኻልን ሰብነትን ፕሮፌሰር ጆናታን በርንስታይን፡ እዚ ሕማም ኣጸቢቕና ኣይተረዳእናዮን ይብል።

ብዕምቈት ንምጽናዕ ድማ እኹላት ሕሙማት ወይ ሞዴል ክዀኑ ዝኽእሉ እንስሳት የለዉን።

ሰሚናል ፕላዝማ ሃይፐርሰንሲቲቭ፡ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዝዓረፈሉ ኣካል ጥራይ ምልክት ነድሪ ይገድፍ።

መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ምልክታት ኣብ ከባቢ ርሕሚ ጓለንስተይቲ እዮም ዝርከቡ። እንተዀነ ጾታዊ ርክብ ብመሃንቱስ ወይ ብመቀመጫ እንተተፈጺሙ'ውን፡ እዞም ምልክታት ኣብኡ ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም።

ወሲብ ድሕሪ ምፍጻምኪ፡ብቕጽበት ከቢድ ሕማምን ናይ ምቅጻል ስምዒትን እንተኣጋጢሙኪ፡ ምልክታት ሰሚናል ፕላዝማ ሃይፐርሰንሲቲቭ እዮም።

ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ጾታዊ ርክብ ምስ ፈጸመት ዘጋጠማ ስምዒት እንክትገልጽ፡ "ከም ኣሲድ'ዩ" ዝበለት ክትብል እንከላ ካልእ ድማ፡ ናብ ውሽጢ ርሕሚ "ሓደ ሽሕ መርፍእ" ከም ዝኣተወ'ዩ ተሰሚዑኒ ኢላ።

ሕክምና ኣለዎ 'ዶ?

ዶክተር በርንስታይን፡ ኣብ ሓደ እዋን ተሓከምቱ ንዘለወን ነድሪ ንምቕናስ፡ ፈሳሲ ዘርኢ መጻምደን ብመርፍእ ንምውጋእ ፈቲኑ።

እዚ፡ ንናይ ባዕሎም ፈሳሲ ዘርኢ ነድሪ ዘለዎም ደቂተባዕትዮ ንምሕካም ምስ ዝጥቀምሉ ሜላ ዝመሳሰል እዩ። ይዅን'ምበር እዚ ዓይነት ሕክምና ኣዝዩ ክቡር እዩ።

ድሒሩ ዶክተር በርንስታይን ጒጅለኡን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝሰርሕ ቀሊል፡ ግና ክልተ ሰዓት ዝወስድ ሓደ ግዜ ጥራይ ዝወሃብ መፍትሒ ረኺቦም።

በዚ ሕክምና፡ ሰብሞያ ፈለማ ዘርኢ ተባዕታይ ካብቲ ዕልቋቓዊ ፈሳሲ (seminal fluid) ይፈልዩ። ነቲ ፈሳሲ ምስ ዝተጻረየ ማይ ብምቅጣን፡ ኣብ ናይ 15 ደቓይቕ ፍልልይ ናብ ርሕሚ እታ ተሓካሚት የእትውዎ።

ቀስ ብቐስ መጠን እቲ ዝኣቱ ፈሳሲ ይውስኽዎ።እዚ ድማ እታ ተሓካሚት ዓቕሚ ተጻዋርነት ንኸተማዕብልን ምስ ኣፍቃሪኣ ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ ርክብ ከተካይድ ይሕግዛ።