ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ትግራይ፡ ተምሃሮ ደቀንስትዮ ኣመንቲ ምስልምና ሕጃብ ተኸዲነን ከመሃራ ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣብ ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ብሰንኪ ጉዳይ ሕጃብ ካብ ትምህርቲ ተኸልኪለን ዝጸንሓ ተምሃሮ ደቀንስትዮ ኣመንቲ ምስልምና፡ ሕጃብ ተኸዲነን ክመሃራ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ክልል ትግራይ ብሓሙስ 21 ነሓሰ [15 ነሓሰ 2016 ግእዝ] ውሳነ ከም ዘሕለፈ ተፈሊጡ።
ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ድማ እቲ ብቤትፍርዲ ዝተዋህበ፡ ኣብ ኣኽሱም ዝርከባ ኣስላም ደቀንስትዮ ተምሃሮ፡ "እስላማዊ ክዳን ተኸዲነን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ፡" ዝሃቦ ውሳነ ግብራዊ ክኸውን ሓቲቱ።
ኣብ ኣኽሱም ካብ ሕዳር ጀሚረን ካብ ትምህርቲ ተኣልየን ክልላዊ ይዅን ሃገራዊ ፈተናታት ዝሓለፈን ደቀንስትዮ ተምሃሮ ኣስላም፡ ዝሓለፈን ትምህርቲ ክከሓሓሰለን ሓቲተን ኣለዋ።
ስቪላዊ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ክልል ትግራይ፡ እዚ ውሳነ ዘሕለፈ ሓሙስ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ምዃኑ ዳይረክተር ኮሙኒከይሽን እቲ ቤትፍርዲ ኣቶ ኣለማየሁ እሸቴ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ወሲኹ ኣቶ ኣለማየሁ፡ ኣብ ልዕሊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ክሲ ዝመስረተ፡ ላዕለዋይ ቤትምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ትግራይ ምዃኑ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ትግራይ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ዝወሰዶ፡ ኣብ ኣኽሱም ዝርከባ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣስላም ደቀንስትዮ ተምሃሮ ሕጃብ ከይገብራ ድሕሪ ምእጋደን እዩ።
ካብተን ኣብ ኣክሱም ነዚ እገዳ ዝገበራ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቀዳማዊ ምንሊክን ኣሉምናይን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ይርከብአን።
መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ክንዲያን ኣብርሃ ኣጽበሃን እውን ተመሳሳሊ እገዳ ከም ዝገበራ ይፍለጥ።
ተምሃሮን ወለድን ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ነቲ እገዳ ንምትግባር ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ ኣብያተ ትምህርቲ ተዋፊሮም ከም ዝነበሩን ምስቲ እገዳ ተተሓሒዙ ድማ ገለ ተምሃሮ ከም ዝተኣሰራን ገሊጾም።
ሕጂ ቢቢሲ ዘዘራረበን ተምሃሮ፡ ኣብ ኣክሱም ካብ ሻድሻይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝርከባ ደቀስንትዮ ኣስላም ካብ ሕዳር ጀሚረን ካብ ትምህርቲ ተኣልየን ከም ዝጸንሓ ይገልጻ።
በዚ ምኽንያት ድማ እተን ተምሃሮ፡ ኣብዚ ዓመት ክወስዳኦ ዝግባእ ዝነበረ ሃገራዊ ፈተና መበል 12 ክፍሊ፣ ክምኡ'ውን ናይ 6ይን 8ይን ክልላዊ ፈተናታት ሓሊፉወን ኣሎ።
ሓንቲ ተምሃሪት 12 ክፍሊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንሳ ባዕላን ካልኦት ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝመሃራ "ኣስታት 250" ተምሃሮ ትምህርቲ ኣቋሪጸን ከም ዘለዋ ገሊጻ።
ሎሚ ዓመት ፈተና ክትወስድ ዝነበራ እዛ ተምሃሪት 12 ክፍሊ፡ "ሕጃብ ኣውጺእክን እንተ ዘይኰይኑ ኣይትፍተናን ኢኽን ኢሎም ከልኪሎምና፡" ብምባል ሃገራዊ ፈተና ከም ዝሓለፋ ገሊጻ።
ካልእ ተምሃሪት ሻሙናይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ክንድያ ዝዀነት ጓለንስተይቲ፡ "ትምህርቲ ኣቋሪጽኪ ኢኺ" ብዝብል ምኽንያት መእተዊ ካርድ ከም ዝተኸልአት ገሊጻ።
ብተወሳኺ፡ ሓድሓደ ተምሃሮ ሻዱሻይ ክፍሊ "ሕጃብ ኣውጺአን" ትምህርቲ ድሕሪ ምቕጻለን ክልላዊ ፈተና ክወስዳ ከም ዝኸኣላ ጠቒሳ።
ነዚ ስጕምቲ ዝተቓወመ ላዕለዋይ ቤትምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ፈለማ ናብ ቤትፍርዲ ወረዳ ኣኽሱም ክሲ ከም ዘቕረበ ዳይረክተር ኮሚኒከይሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣቶ ኣለማየሁ ሓቢሩ።
"ቤትፍርዲ ወረዳ ኣኽሱም፡ 'እዚ ጉዳይ ናትና ኣይኰነን፣ ስልጣን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ'ዩ' ብምባል ነቲ ጉዳይ ዓጽዩዎ። ድሕሪኡ፡ ናብ ቤትፍርዲ ክልል ትግራይ ሓድሽ ክሲ ቀሪቡ፡" ክብል መብርሂ ሂቡ።
ምጕት ክልተኦም ወገናት ዝሰምዕ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እቲ ክልል፡ "ሕጃብ ዝኽልክል ሕገ መንግስታዊ [ድንጋገ] የሎን። ስለዚ ሕጃበን ተኸዲነን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ ኣለወን፡" ክብል ብምግላጽ፡ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣንጻር እቲ ውሳነ፡ "ይግባይ ናይ ምቕራብ መሰል፡" ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ እውን ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተመሳሳሊ ርእይቶኡ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ቤትምኽሪ፡ "ኣስላም ደቀንስትዮ ተምሃሮ ኣኽሱም እስላማዊ ክዳውንተን ተኸዲነን ክመሃራ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምዃኑ ተወሲኑ ኣሎ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ እተን ተምሃሮ "እስላማዊ ክዳውንተን ተኸዲነን ክምሃራ ቅዋማዊ መሰል ኣለወን ዝብል ውሳነ ቤትፍርዲ እውን ጠቒሱ።
እቲ ቤትምኽሪ፡ "እቲ ጉዳይ ምስ ላዕለዋይ ቤትምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ትግራይ ብቐረባ ክከታተሎ ጸኒሑ'ዩ፡" ብምባል፡ "ንውሳነ ቤትፍርዲ ብጽቡቕ ከም ዝርእዮ፡" ብምግላጽ፡ ብተወሳኺ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ክልል ትግራይ ዝሃቦ ውሳነ ተግባራዊ ክኸውን ጸዊዑ።
"እተን ተምሃሮ ንሓደ ዓመት ተሃስየን እየን፣ እቲ ኣገዳሲ ፈተናታት ከይተረፈ ሓሊፉወን ኣሎ" ድሕሪ ምባል፡ "እቲ ዝወረደ ጉድኣት ርኡይ እዩ፡" ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ኑርዓይኒ መሓመድ ዝተባህለት ኣደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እታ ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ እትመሃር ዝነበረት ጓላ፡ ሓደ ዓመት ድሕሪት ምትራፋ፡ "ኣዝዩ ከምዘጨነቓ" ገሊጻ።
ኣብ ኣሉሙናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ታሽዓይ ክፍሊ ተምሃሪት ዊልዳን ኣደም ብወገና፡ "ድሕሪ መሓዙትና ኢና ተሪፍና ዘለና፤ ኣዚና ተተንኪፍና ኢና፡" ትብል።
ታሽዓይ ክፍሊ ምድጋም፡ "ብዙሕ ጽልዋ" ከም ዘለዎ እትገልጽ ዊልዳን፡ "ማዕረ መሓዙትና ክንከውን ንደሊ፡" ክትብል ስምዒታ ገሊጻ።
ካልእ ተምሃሪት 12 ክፍሊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣኽሱም፡ "ዓመት ምሉእ [ትምህርቲ] ሓሊፉና እዩ። ድሕሪ መሓዙትና ኢና ዘለና። ነቲ ዘይተመሃርናዮ ከነከሓሕሶ ንደሊ፡" ብምባል ሓሳባ ኣካፊላ።
"ንሕና ኣብ 12 ክፍሊ ኢና ዘለና። መሓዙትና ነቲ ፈተና ሓሊፈንኦ እየን። እተን ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ዝነበራ መሓዙት ሕጂ ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ኣለዋ፡" ድሕሪ ምባል፡ ትምህርተን ከቀላጥፋን ማዕረ መሓዙተን ክዀና ከም ዝደልያን ድማ ትገልጽ።
ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ውሳነ ንቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ርእይቶ ንምሃብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱም ጸጋ ገብረመስቀል፡ "እንታይ ከም ዝተወሰነ ኣይንፈልጥን፤ ኣይተነግረናን፡" ብምባል ነቲ ቤትፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ብዝምልከት፡ "ዝዀነ ሓበሬታ የብልናን፡" ክትብል ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







